S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ [መበል 19 ሰንበት: ቊ.26/፳፮ ]

ስለ ኸምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ። ምኽንያቱ ክርስቶስ፡ ነቲ ነቦታት ዝተዋህበ ተስፋ ምእንቲ ኼጽንዖ፡ (ከምኡውን) ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኬርእይ፡ ናይ ግዙራት ኣገልጋሊ ኸም ዝዀነ፡ እነግረኩም ኣለኹ።ሮሜ157,8 .

 ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ እዚ ዘለናዮ ሰንበትናዝሬት ሕፅነት (ሕጽነት)” ተባሂሉ ዚጽዋዕ።ናዝሬት ሕፅነትዝተባህለሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናዝሬት ስለ ዝዓበየዩ። ነዚ ቕዱስ ዕለት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኺዳን ሓደ፡ እዚ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮሜ (ሮማ) ዝተላእከ መልእኽቲዩ። እዚ መልእክቲ ሓቚፍዎም ካብ ዘሎ ብዙሓትን ኣገደስትን ኣርእስታት ሓደ ድማ፡ እዚ ንኽንመሃሮ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዕለት ተመዲቡልና ዘሎ፡ ንማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትናን ዝምድናታትና ዚፍውስ ወርቃዊ ኣርእስቲዩ። መብዛሕትኡ ዝምድናታትናን ብዘይ ምቅብባል ዝተዓብለለን ዝተዋሕጠን ስለ ዝዀነ፡ ንኣና ኻብ ኣርእስቲ ዚበልጽ ካልእ ኣርእስቲ ኺህልው ኣይክእልንዩ። እቲ ዘይምቅብባልና ኣብ መንጎናን ኣብ ምድርናን ጥራሕ ተደሪቱ ዚተርፍ እንተ ዚኸውን፡ ኣገዳስነት ናይ ኣርእስቲ ኣዝዩ ትሑት ምዀነ ነይሩ። እንተ ዀነ እቲ ኣብ ምድሪዚኣ ኣብ መንጎና ዚረኣይ ሓድሕዳዊ ዘይምቅብባል ግና፡ ኣባና ኻብ ዜውርዶ ጕድኣት ንላዕሊ ኣብ ሰማያት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዜውርዶ በደል ስለ ዚዓብይ፡ ብዛዕባ ኣርእስቲ ልዑል ግዳሰ ኸነርእይ ኣዝዩ ዜርብሓና ብልሂ ስጕምቲዩ።

ንሓድሕድና ዘይምቅብባል ብኸመይ ኻባና ንላዕሊ ንእግዚአብሔር ዚጐድኦን ዚብድሎን፧ ነዛ ምስጢርዚኣ ዘይምፍላጥናን፡ ነዛ ሕቶዚኣ ዚኸውን ቅኑዕን ብቑዕን መልሲ ዘይብልና ምዃናን ኣብ ልዕሊ ጻድቕ ኣምላኽ ኽንሓጥእ፡ ንዅሉ ዝምድናታትና ድማ ኸነዕንዎ ዚገብረና ዘሎ። ከም ሓጥኣንን ስጋውያንን ፍጡራት መጠን፡ ምስ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብርን ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነን ኣምላኽ ብቐጥታ ኽንዋሳእ ኣይንኽእልን ኢና (1ጢሞ 616 እብ 1228) ነዚ ጸገምና ምእንቲ ኺፈትሕ ድማ፡ ነቲ ምስኡ ዘለና ዝምድናን ምውሳእን፡ በቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎና ዝምድናን ምውሳእን ክንገልጸሉ ብሕያውነቱ ፈቐደልና። ነቲ ብምስሉን ብኣርኣያኡን ዝተፈጥረ ምሳና ዘሎ ሰብ፡ ዋላ ሓጥእን በዳልን ድኹምን ሰብ ይኹን፡ ንእኡ ንኣምላኽ ዚውክል ሰብ ጌርና ኽንቅበሎ እግዚአብሔር ብተደጋጋምን ብንጹርን ኣዚዙናዩ። ንቕዱሳን ሃዋርያቱ፦ ንኣኻትኹም ዚቕበል፡ ንኣይ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ዚቕበሎ።

ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ዚንዕቆ።” ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልና (ማቴ 1040 ሉቃ 1016) እዚ ኣበሃህላ ኣብ መንጎና ዘሎ ምቅብባል ንምዕዛዝን ንምህናጽን ዝተዘርበ መለኮታዊ ጥበብዩ። እግዚአብሔርሲ ዅሉ ዚኽእልን ኣብ ኵሉ ዚርከብን ኣምላኽዩ። ንዝዀነ ሰብ ከየሳተፈ፡ ንዅሉ ተግባሩ ብቓሉን ብመንፈሱን ጥራሕ ኪገብሮ ምኸኣለ ነይሩ። ስለ ብዘይ ሰባኺ-ሰብ ባዕሉ ኺሰብከና ኺፍውሰና፡ ካልእ ኵሉ ዜድልየናውን ኪገብር ምኸኣለ ነይሩ። እንተ ዀነ ሰናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብዝቐለለን ብዝበለጸን መገዲ ባዕሉ ኺገብሮ ስለ ዚኽእል ጥራይ፡ ባዕሉ ኺገብሮ ኣይመረጸን። ነቲ ብኣርኣያኡ ዝፈጠሮ ሰብ ነዚ ዕዮ ብምሃብ ኬኽብሮ፡ ኣብ ሓድሕድና ድማ ምቅብባልን ምክብባርን ኪሃንጽ መረጸ። ከም ብውክልና እንዓይይ፡ ከምኡ ድማ ክብረቱ ዀነ ውርደቱ ኽንቅበለሉ ፈቐደልና። ስለ ድማ እዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ቓል ዝተነግረና። ገለ ገለ ሰባት፡ እዚ ናይ ጐይታ ቓል፡ ነቶም ናቱ ሃዋርያትን ነብያትን ቅዱሳንንምበር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተራ ሰባት ዘሎ ዝምድናታት ከም ዘይምልከት ገይሮም የዋህ ርእይቶ ኺህቡ ይስምዑዮም። እዚ ምቅብባል ንዅሉ ሰብ ከም ዜጠቓልልውን ኣረጋጊጹልናዩ። ደቀ መዛሙርቱ፡መንና ዀን ይበልጽ፧ኢሎም ናይ ዘይምቅብባል ባህርይ ኬንጸባርቑ ምስ ረኣዮም፡ ንሓደ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎሞ፦ ንኸም ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ። .....ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፡ መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ ናይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩለው።” ብምባል ገንሖምን መሃሮምን (ማቴ 185,610) ስለ ይትረፍ ነቲ ዓቕሚ ኣዳምንን ሄዋንን ዝበጽሐ እኹል ሰብ፡ ነቲ ገና ኣእምሮ ዘይሰዅዐ ሕጻን ኰነ ቘልዓ እነርእዮ ኣቀባብላ ብቐጥታ ምስ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡናዩ። እታብስመይ ዚቕበልእትብል ቃል ደጊምና ኸነልዕላ ስለ ዝዀንና ኣብ ልብና ሒዝናያ ንጽናሕ። ስለ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ሓድሕዳዊ ምቅብባል፡ ቀጥታዊ ነጸብራቕ ናይ ንኣምላኽ ዘሎና ኣቀባብላዩ። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ ኣብ ምስላታቱ ብዜገርም ኣገላልጻ ኣስፊርዎ ይርከብ።

እቲ ንድኻ ዚጭቁን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና (ንእግዚአብሔር) የኽብሮ።.....ንድኻ ዜባጭው ንፈጣሪኡ ይጸርፍ .........እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚአብሔር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮዩ።ምሳ 1431 175 1917

ንፈጣሪ ጽረፎኢሉ ሓደ ሰብ ኪሓባብለና ወይ ኬገድደና እንተ ዚፍትን፡ ይትረፍ ብኣምላኽ ፈጺሙ ዘይግደስ ስማዊ ክርስቲያን፡ እቲ ብህላውነቱ ዘይኣምን ኢዝሄራዊ (atheist) ኣይምወዓሎን። ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዚፍጽሞ ባጫ፡ ጭቈና፡ ግፍዒ፡ ማህረምቲ ወዘተ ንእግዚአብሔር ኪጸርፎን ኪገፍዖን ዚውዕል ሰብ ግና ማእለያ የብሉን። ብልሳንና ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ብዘይ ምጽራፍና፡ እዱባትን ውርዙያትን ሰባት ዝዀንናዶ ይመስለና ይኸውን፧ ንምዃኑኸ ብቓላት ምጽራፍዶ ይኸብድ ብግብሪ ምጽራፍ፧ ግብሪ፡ ካብ ቃላት ንላዕሊ ዝሓየለ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍን ዝለዓለ ተሰማዕነት ከም ዘለዎ ዝዀነ ጥዑይ ኣእምሮ (sound mind) ዘለዎ ሰብ ዚስሕቶ ኣይኰነን። ዕርቃኑ ተቐሊዑ ዚኸይድ ሰብ፡ ብሕፍረት ገጹ ንምኽዋል ኪጋደል እንተ ረኣናዮ ኣይምገረመናንዶ፧ ኣፉ ብኢዱ ዓቢሱ፡ ብግብሩ ዚጻረፍ ሰብከ ኣዝዩ ዝበኣሰዶ ኣይኰነን፧ ጐይታና ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ፍርዱ ኺህብ ከሎ፡ ነቶም ዝረድእዎን ዝበደልዎን ሰባት ዝሃቦ ቓል ወርትግ ኪዝከር ዚግብኦዩ።

እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። .... እቲ ኻብዞም ናእሽቱ (ኣሕዋተይ) ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 2540,45

ስለ ንሕና ኣብ ሰባትን ኣብ ምድርን ጥራሕ ክንጥምት ክንብል፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት እነውርዶ ዘለና በደል ኣይነቕልበሉን ኣለና። እቲ ኣብ ልዕሊ እከለ ወይ እከሊት ዝገበርናዮ ግብሪ፡ ናይ መወዳእታ ተቐባሊዑ እግዚአብሔር ባዕሉ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እንዛረቦ ቓላት፡ እነንጸባርቖ ስምዒትን ባህርይን፡ እንገብሮ ተግባራት ኣዚና ኣዚና ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዚግብኣና ዜመልክተናዩ።

እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብ ንዘውረድናዮ ጊዝያዊ በደል፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዚፈርደሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ እግዚአብሔር ዝዀነ ኢንታ ዘይወጾ ፍትሓዊ ኣምላኽ ምዃኑ መሸም፡ ዝዀነ ኣማኒ ክርስቲያን ዘይክሕዶ ሓቂዩ። ሰብ ኣብ ዓለምዚኣ ንሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራሕ ዚነብር። ዕድሚኡ ምሉእ፡ ብዘይምቊራጽ ንሰብ እናበደለ እንተ ዜሕልፎኳ፡ ንዘለኣለም ምሉእ ኣብ ሓዊ ገሃነም እናተሳቐየ ኪነብር ምፍራዱ ኣይበዝሐንዶ፧ ከም ዘመሰለ ዘይተመጣጣኒ ዚመስል ከቢድ ፍርዲ ምፍራዱኸ ንኣምላኽፍትሓዊኼስምዮ ዚኽእል ድዩ፧ እቲ ጸገም፡ እቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይዩ። ንሕና ንሓላፊ (ንመዋቲ) ሰብ ስለ ዝበደልና ሓላፊ ፍርዲ ኺብየነልና ኢና ንጽበይ። እቲ በቲ ዝበደልናዮ ሰብ ጌርና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ እነውርዶ በደል ግና ኣይንፈልጦን ኢና።

ከም እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕልናኦምውን እናኣቚሰልኩም ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም። ስለ ከኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ ወይ ምእንቲ ከይዕንቕፎ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕንየ።” 1ቈረ 811-13

በደልና ኣብ ሓላፊ ሰብ ጥራሕ ተደሪቱ ዚተርፍ እንተ ዚኸውን፡ ብርግጽ ፍርድናውን ሓላፊ ምዀነልና ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ንብድል ስለ ዘለና ግን፡ ፍርድናውን ከቢድን ዘለኣለማውን ኪኸውን ናይ ግድንዩ። ንኽብደት ናይ ዚወሃበና ፍርዲ ዚውስኖ፡ ዓይነት ናይ በደል ዘይኰነስ መንነት ናይ ተበዳሊዩ። ንጉስ ዳዊት፡ ኣብ ልዕሊ ባትሴባ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ኡርያ ድማ ቅትለት ፈጺሙ ሓንቲ ስድራ ቤት ምስ ኣፍረሰ፡ እግዚአብሔር፦

እምበኣርስከ (ንኣይ) ስለ ዝነዓቕካኒ፡ .....ሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለኣለም ኣየግልስንዩ። .....እንሆ፡ ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካየ።

ኢሉ፡ ኡርያን ባትሴባን ዘይኰኑ ንሱ ኸም ዝተበደለ ኣፍለጦ (2ሳሙ 1210,11) መንፈሳዊ ኣዒንቲ ናይ ንጉስ ዳዊት በዚ ፈዋሲ መለኮታዊ ቓል ስለ ዝተኸፍታ፡ ሓይሉን ኣርኣያኡን ከቶ ዘይሃስስ ጸሎተ-ንስሓ ብኸም ዚስዕብ ጸለየ።

ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ ኣለኹሞ፡ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይዩ። ብዘረባኻ ጻድቕ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።መዝ 513,4

ስለ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት እነውርዶ በደል፡ እቲ እንኮ ተበዳሊ እግዚአብሔር ጥራሕ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣዝዩ ኣገዳሲዩ። ኣርእስትና ብዛዕባ ምቅብባል ክነሱ፡ ብዛዕባ ምብድዳል ኣስፊሕና ንዛረበሉ ዘለና ምኽንያት፡ ነቲ ዘይምቅብባልና ብምብድዳል ስለ ዚግለጽዩ። እዚ ሓሳብ ብመጠኑ ድሕሪ ምግላጽና ኺለዓል ዚግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ኸም ዚህልው እምበኣር ርዱእዩ።

ንምንታይ ኢና ንሓድሕድና ኽንቀባበል ዜድልየና፧ ዕላማ ናይ ሓድሕዳዊ ምቅብባልከ እንታይዩ፧ ዕላማ ናይ ምቅብባልና፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ናይ ኵሉ ተግባር ኣርኣያና መሸም፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፍሉጥዩ። ስለ ኸኣ፡እቲ ጻድቕ ክርስቶስ ንኣና፡ ኣዚና ሓጥኣን ንዝዀንና ሰባት፡ ገና ሓጥኣንን ጸላእቱን ድኹማትን ሰባት ከለና፡ ኪቕበለና ዝገበሮ ምኽንያት (ዕላማ) እንታይዩ፧ ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና (ሮሜ 56-10) ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ ዝተቐበለና። ስለ ንሕናውን ካብኣ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ዕላማን ኣማራጽን ኪህልወና ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ኣርኣያ ዝሓደገልና (1ጴጥ 221) እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ፡ ንሱ (ኢየሱስ) ጥራሕ ዝረኣዮን ዚፈልጦን እግዚአብሔር ኣቦ፡ ብኸመይ ከም ዚኸብርን ከም ዚሕጐስን ካብኡ (ካብ ኢየሱስ) ወጻኢ ኺነግረና ዚኽእል ካልእ ኣካል የልቦን (ዮሃ 311,32) እግዚአብሔር ከኣ ምቅብባልና ጥራሕ ኣይኰነን ዜገድሶ። ልዕሊ ኵሉ እቲ ዕላማ ናይ ምቅብባልና ዜገድሶ። ምኽንያቱ ብመሰረቱ፡ ወዲ ሰብ ንኽብሪ ኣምላኽ ተፈጢሩ። እግዚአብሔር ነዚ ሓቂዚ፦

ነቲ ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን (ህዝቢ) ኣምጽኣዮ፡ ....እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንትውዩ።

ብምባል ኣፍሊጡና (ኢሳ 436,7,21) ናይ ኵሉ ክርስቲያን ጽውዓ ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣቕሓ ኽብሪ ኪኸውን ምዃኑ ተነጊሩናዩ። ስለ ኸኣ ንዅሉ ተግባርና ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ክንገብሮ ተኣዚዝና ኣለና።

እምበኣርሲ ሓደ ርእሱ ካብዚኣቶም (ኣቕሓ ውርደት ካብ ምዃን) እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር በዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውንዩ።  2ጢሞ 221

እምበኣርሲ እንተበላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” 1ቈረ 1031

ብቓል ኰነ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ።  ቈሎ 317

እምበኣር ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ክብሪ ኣምላኽ ከም ዚበዝሕን ከም ዚዓዝዝን ምግባር ጥራሕዩ። እዚ ኸኣ ብዅሉ ቓላትናን ተግባራትናን ኽንገብሮ ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ትእዛዝ ነቲ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ዝዀነ ጒዳያትና ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን። ንዅሉ ማሕበራውን ስጋውን ጒዳያትና ዀነ ዅነታትናውን ዜጠቓልልዩ። ምቅብባል ዚኣክል ዓብዪ መለኮታዊ ተግባር ግዳ፡ ከመይ ጌርና ኻብዚ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ዕላማ ወጻኢ ኽንገብሮ ንኽእል፧ ንሓደ ኣቕሓ፡ ኣቕሓ ኽብሪ ዚገብሮ ብወርቂ ወይ ብብሩር ዝተሰርሐ ምዃኑ ዘይኰነስ፡ እቲ ነቲ ኣቕሓ መሊኡ ዘሎ ነገርን እቲ በቲ ኣቕሓ ዚዕየይ ስራሕንዩ። እታ ኣብ ራእ 174-6 ተጠቒሳ ዘላ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ኣብ ኢዳ ዝነበረ ጽዋእ፡ ጽዋእ-ወርቂ ዝነበረ። ነቲ ጽዋእ ወርቂ መሊእዎ ዝነበረ ትሕዝቶ ግና ዜፈንፍን ርኽሰት ምንዝርናኣ ነበረ። እዚ ሒዛቶ ዝነበረት ጽዋእ ወርቂ፡ኣቕሓ ክብሪኺስመይ ዚበቅዕ ድዩ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ንሕና ድማ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ኽቡራት ኣቓሑ ኽነስና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ብዜፈልፍል ሰናይ ግብርን ዝምድናታትን ገዲፍና፡ ንኣምላኽ ብዜዋርድ ዓይነታት ናይ ሓጢኣት ተመሊእና እንተሊና፡ ኣቓሑ ውርደትምበር ኣቓሑ ክብሪ ኽንስመይ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ፡ ዓይነት መንነቶምን ባህርዮምን ግብሮምን ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ሰብ ብሓጐስን ብፍቕርን ኪቕበል ዜጸግሞ ሰብ፡ ንኣምላኽ ውርደት ኬስትይ ዚጋደል ጽዋእ ውርደትን ርኽሰትን ምዃኑ ዜጠራጥር ዋላ ሓንቲ የልቦን። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኰይኑጸማእኩምስ በለ፡ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ ወይኒ ኣብ ሰፍነግ (ስፑኞ) ገይሮም ኬመንግግዎ ተጋደሉ። እዚኣቶም ከምኡ እንተ ገበሩ ጸላእቱዮም፡ ኣብ መስቀል እተሰቕለ ገበነኛ ዀይኑ ኸኣዮም ዚርእይዎ ዘለዉ። ክርስቲያን ተባሂልካ ኸተብቅዕ፡ ብሰሪ ዘይምቅብባልካ ንጽዋእካ ንኣምላኽ ዚኸውን ውርደት ምምላእ፡ እሞ ኸኣ ብትንሳኤ ናብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ንዝዓረገ ንጉስ-ነገስታት ከም ጌርካ ምድፋር ኣዝዩ ኸቢድ፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዚውሕዶ ናይ ዓያሱ ምርጫ ጥራሕ ኺበሃል ዚከኣል!! ጽዋእ ርኽሰትና መሊኡ ምስ ኣንጀርበበ ድማ ዕሽነትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ኺገሃደልናዩ። ንዘይምቅብባል ቅቡል ዚገብር ዝዀነ ይኹን ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘየለ ኣጸቢቑ ይሰቈረና። ንግብርና ዜበላሽው፡ ንዝምድናታትና ዜዕንው ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪኽሰት ከሎ፡ ዋላ ቕትለትውን ይኹን፡ ቅድም ንኣምላኽ ንዘክር። ኣብ ፈታኒት እዋንቲኣ፡ ንእኡ ዚኸውን ክብሪ ኸነዕዝዝ፡ ኣዒንቱ ኣተኲሩ ይዕዘበናን ይጽበየናን ከም ዘሎ ንዘክር። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስ ድማ ንኣና ኣቕሓ ውርደት ገይሩ ኼበላሽወና ብኣና ብፍጡራቱ ገይሩ ድማ ንኣምላኽ ኪወቅዕን ኬዋርድን ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ይጽበይ ዘይኰነስ ይደፍኣናን ይህውጸናን ከም ዘሎውን ኣይንዘንግዓዮ። ካብ ዘለኣለማዊት ሓደጋዚኣ እተድሕነና እንኮ መድሃኒትና፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ነቲ በዳሊና፡ ጸላኢና ብኽብርን ብፍቕርን ብምሕረትን ምቕባል ጥራሕያ።

ንብጻይና ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ብምሉእ ልብና ኸም ዝተቐበልናዮ ብምንታይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ ከይተሓትተ ብንጹር ዝተመለሰ ኣገዳስን ክቡርን ሕቶዩ። ጐይታና፡ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹምእትብል ኣልማዛዊት ምልክትን መለለዪትን ሂቡና ኣሎ (ማቴ 716,20) ኦም ጥራሕ ዘይኰነ ሰብውን ብፍሪኡ ዚልለይ (ማቴ 1233-35) ስለ ኣብ ኵሉ ዝምድናታትና ንኣምላኽ ብዙሕን ነባርን ክብሪ ንፈርየሉ ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ ማለትዩ። ንኣምላኽ ዜኽብር ፍረ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኪህልወና መሸም ፈጺሙ ዘይከኣልዩ። ወዝቢ እንተ ተረኺቡና ኸኣ፡ እንሆ፡ ክንዲ ውቅያኖስ ዚኸውን ቃል እግዚአብሔር ኣብ ኢድና ኣሎ። እቲ ንእግዚአብሔር ዜኽብር ኣብ ዝምድናታትና ኺንጸባረቕ ዚግብኦ ፍረታት ኣብኡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ኣብ ዚግበር ሓድሕዳዊ ምቕብባል፡ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ሓድነት፡ ንጽህና፡ ቅድስና፡ ሰላም፡ ይቕሬታ፡ ልግሲ፡ ምእዛዝ፡ ሓቂ፡ ቅንዕና፡ ድንጋጸ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፍረታት ንፈርይ እንተሊና፡ ኣብ ቕኑዕ መስመር ከም ዘለና፡ኣቓሑ ኽብሪምዃንና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ብኣንጻሩ ይትረፍ ንዝምድናታት፡ ብቐንዱ ንሰባትውን ዜዕንው ኣጋንንታዊ ፍረታት ንፈርይ እንተሊና ድማ፡ ንርእስና ኸነጥፍእ ንኣምላኽን ነቶም ኣብ ጥቓና ዘለዉ ዅሎምን ድማ ኸነዋርድ፡ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ግና ከነኽብር መሪጽና ኣለና፡ ማለትዩ። እቶም እዚ ዝመትከሎም፡ ዝምድናታት ምዕናው ዝተልእኾኦም ከኣ ዓመጻ፡ ሕሰም፡ ስሰዐ፡ ስርቂ፡ ክፍኣት (ተንኰል) ቅንኢ፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕምየት፡ ጽልኢ፡ ግፍዒ፡ ኵርዓት፡ ንዕቀት፡ ጃህራ፡ ዘይምእዛዝ፡ ጥልመት፡ ጭካነ፡ ቂምታ፡ በቐል (ምፍዳይ ሕነ) ሻራ፡ ኣድልዎ ወዘተ ይፈርዩ። ንምቅብባል ተጸዪፎም ምብልላዕ ዚመርጹ ሰባት፡ ህይወቶም ነዚ ዚመስል። ነቶም ከም ዝፍሪኦም ዝተመደበ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ከኣ፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ጥራሕዩ። ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ህይወት ብመንፈስ እንተልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ፡ ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለይ።....ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን እንተ ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ኢሉ ኣጠንቂቑና ኣሎ (ገላ 515,25,26)

እምበኣር ሕጂ ዚተርፈና፡ ሕሉፍ ኣካይዳናን ህልዊ ዝምድናታትናን ኣተሓሕዛኡን ብዕቱብ ምፍታሽን ምምርማርን፡ ብንስሓ ምሕዋይን፡ ንመጻኢ ድማ ዘይንዕንቀፈሉ ዕሩይ መገዲ ምምራጽን ጥራሕዩ። ልክዕ ከም ጐይታና ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ንሓድሕድና ንቀባበል ምህላውና ነረጋግጽ። እቶም ንምቅብባል ክውን ዚገብርዎን ንዝምድናታት ዚሃንጽዎን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ቃል እግዚአብሔርን ፍረታት ኣብ ህይወትና ምህላዎምን ንጥቀመሎም ምህላውናን ርግጸኛታት ንኹን። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዝምድናታትና ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ጸብጻብ ከነቕርብ ስለ ዝዀንና፡ ጽቡቕ ዜፍድየና ንኣምላኽ ዜኽብር ታሪኽ ምቅብባል ንሃንጽ ምህላውና ብዘይ ዝዀነ ምምታእ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  ፳፻፲፬  ግዕዝ (16 ጥሪ 2022 ). መበል 19 ሰንበት.26/፳፮

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 15፡1-13

1 ዮሃ 4፡14-ፍጻመ

ግብ 13፡32-43

ማቴ 4፡16-32

ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ ፻፴፩(፻፴፪)፡፮,፯ "ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ። ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም። ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር።"

"እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።"

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div