S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ ኪዓብይ፡ ኣነ ኽንእስ (4ይ ሰንበት: ቊ.፬/4, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

 እቲ መርዓት ዘላቶ (ክርስቶስ) ንሱ መርዓዊዩ። እቲ ንእኡ ደው ኢሉ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ (ዮሃንስ መጥምቕ) ግና፡ ብድምጺ ናይ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።ዮሃ 329,30

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ 40 መዓልታት፡ ብግእዝአባ ዮሐኒ ጽጌተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣባ ዮሃኒ ሶርያዊ መበቈል ዝነበሮም ናይ ግብጺ መነኰስዮም። ኣብ ኤርትራ እምነት ክርስትና ዝሰበኹ፡ ነታ በዅሪ ገዳማት ኤርትራ ዝዀነት ገዳም ደብረ ሲና ዘቘሙ፡ ሃዋርያዊ ኣቦዮም። ክሳዕ ደቡብ ኤርትራ ተጓዒዞም ዝሰበኹ ኣቦ ስለ ዝነበሩ ንጸሎት የዘውትርዎ ከም ዝነበሩ ዚንገረሎም ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ብተለምዶጎቦ ኣባ ሓኒተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ቦታ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣብ ሃገርና እምነት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝፈጸምዎ ሃዋርያዊ ኣበርክቶ ክብሪ ንምሃብ፡ እዚ ቕንያት ብስሞም ኪጽዋዕ ገይራ ኣላ።

እዚ ቕንያትዚ፡ እቲ ብሰሪ ንጉስ ሄሮድስ ጐይታና ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ምስ ኣዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ምስ መጕዚቱ ቅዱስ ዮሴፍን ናብ ግብጺ ዝኸዶ ናይ ስድደት ዘመን ዚዝከረሉ ቅንያትውንዩ። ጾመ ቍስቋምዚፍለጥ ናይ ፍቓድ ጾም ዚጽወመሉ ጊዜዩ። ምእንታና ስጋ ብምልባሱ፡ ኣብ ብዅሉ ኸኣልነቱ ዝፈጠራ ዓለም፡ ከም ኸማና ስድደትን ሳዕቤናቱን ጥዒሙዩ። እቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “(ብዘይካ ብሓጢኣት) ብዅሉ ኸም ኸማና ዝተፈትነዝበሎ ቓልውን ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልናዩ።

እዚ ቕንያት ፍረ ምድርና ተዓጺዱ ዝእከበሉ ናይ ቀውዒ ወቕቲ ስለ ዝዀነ፡ዘመነ ጽጌተባሂሉውን ይጽዋዕዩ። እቶም ኣብ ዘመነ ጽጌ ዚዝመሩ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባካት ኵላቶምውን ፍረ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎምዮም።

ነዚ ዕለት ዝተመደበ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙርትወድሶ መርዓትዘርእስቱዩ። ትርጕም ናይ መዝሙር መርዓት ቤተ ክርስቲያን ንመርዓዊኣ ክርስቶስ እተቅርበሉ ናእዳ (ውዳሴ) ኣድናቖት ዚገልጽ እዩ።  እዚ በዚ መዝሙር መሰረት ዝተሰርዐ ንባባት ድማ፡ ብዘይካ ናይ ግብሪ ሃዋርያት፡ ነቲ ናይ መርዓውን መርዓትን (ሰብኣይን ሰበይትን) ኪዳናዊ ዝምድና ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። እቲ ናይ ዕለቱ ምስባክውን ከምኡዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ዝሓቘፈ ናይ ዮሃ 325-36 ንባብዩ። ነቲ መርዓዊ እትውድሶ እታ መርዓቱያ። ኣብ መዝሙር ኰነ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ መርዓዊ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉዩ። ጐይታና ባዕሉ፡ስለምንታይዮም ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧ተባሂሉ ብናይ ዮሃንስ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተሓትተ፦

መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪሓዝኑ ይኽእሉዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ኻብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእያ፡ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙዮም።” ኢሉ ብምምላስ፡ ንሱ መርዓዊ ምዃኑ፡ እቶም ተወፍዮም ዜገልግልዎ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣዕሩኽ መርዓዊ ምዃኖም ተኣሚኑ ኣሎ (ማቴ 914,15 .) ንምንታይኣዕሩኹከም ዝገበሮም ድማ ኣብ ዮሃ 1513-15 ገሊጹልና ኣሎ። መርዓት ክርስቶስ ድማ ቤተ ክርስትያን (ኤፌ 521-33) እዚ ማለት እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ህንጻ ዘይኰነስ፡ እቶም ንቤተ ክርስትያን ዘቘምና ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና ኣገልገልትን ምእመናንን ኢና (1ቈረ 1212,13,27 1017 ሮሜ 124,5) ንመርዓ ናይ ገንሸልን መርዓቱን ኣመልኪቱ ድማ፡ እቲ ብዓይኑ ዝረኣያ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ናይ ራእይ መጽሓፉ ገሊጹልና ኣሎ (ራእ 195-9 201,2,9-11 2217) እምበኣር ንሕናውን ከም ኣካላትን ኣባላትን ናይ ኣድማሳዊት ቤተ ክርስትያን መጠን፡ ብኸመይ ንገዛእ ርእስና ኸም እነንእስን፡ ብኸመይ ድማ ነቲ መርዓዊናን ጐይታናን ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም እነዕብዮን ብልዑል ተገዳስነትን ብዕዙዝ ተመስጦን ክንመሃር፡ ከምኡውን ክንትግብሮ ክርስትያናዊ ሓላፍነትናዩ።

ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ነዚ ኣገዳስን ዓብይን ሃይለ-ቃል ኺዛረቦ ዝደረኾ እንታይዩ፧ ካብ ባዕላትና ዘንበብናዮን ብካህናትና ዝተነብበልናን ክፍሊ ቕዱስ ወንጌል ከም ንግንዘቦ፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ዋላ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ከይተረፈ፡ ንዮሃንስ ገዲፎም ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይውሕዙ ነበሩ። ናይ ዋሕዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ዮሃንስ መጥምቅ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ዚህቦ ዝነበረ፡ ንጐይታና ዜዕብይ ምስክርነትዩ። እንድርያስ፡ ሓዉ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ወደ መዝሙር ናይ ዮሃንስ መጥምቅ ዝነበረ፡ ሓደ እዋን ዮሃንስ መጥምቅ ምስ ደቀ መዛምርቱ ደው ኢሉ ከሎ፡ ጐይታና ኪሓልፍ ከሎ ረኣዮ።እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽኢሉ ድማ መስከረሉ። እቶም ነዚ ምስክርነቱ ዝሰምዑ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ደድሕሪ ጐይታና ሰዓቡ (ዮሃ 135-37) ዕብየት ናይ ጐይታና ኸም ዮሃንስ መጥምቅ ገይሩ ዝገለጸ ኻልእ ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልንዩ። ኣብ ዝነበሮ ሓጺር ጊዜን ኣብ ዝተዛረቦ ውሑድ ቃላትን ብዛዕባ ጐይታና ዝገለጾ ምስጢራት ኣዝዩ ዓብይዩ። ዮሃንስ መጥምቅ፡ ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ፡ ብህዝቢ ዓብይ ተቐባልነት ዝረኸበ ነብዪ ምንባሩ ቅዱስ ወንጌል መስኪሩልና ኣሎ። እቲ ተቐባልነቱ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምንባሩ ዝተላዕለ፡ እቶም ንዝመጸ ሓድሽ ነብይን መምህርን ምቕታልን ምስዳድን ዝልማዶም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቅ ኣሉታዊ ቓል ከይዛረቡ ይፈርሁ ነበሩ (ማቴ 2123-27) ነቲ ንሱ ዝሃቦ ቓል ብምሉእ ልቡ ይቕበሎ ስለ ዝነበረ ነቲ ብዛዕባ ጐይታና፡ንሱ ኻባይ ይሕይል፡ ቅድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዚመጽእዩ፡ ኣነ ብማይ ንሱ ግና ብሓውን ብመንፈስ ቅዱስን ዜጥምቕዩ፡ ንሱ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽዩ፡ ወዘተእናበለ ብዚህቦ ንጐይታና ዜዕብይ ምስክርነታት ተደሪኹ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ጐይታና ይኸይድ ነበረ። እቶም ነዚ ዝተዓዘቡ ናይ ዮሃንስ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ናብኡ መጺኦም፡መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ (ኢየሱስ) እንሆ ንሱ የጥምቕ (ኣሎ)ኵሉ ሰብ ከኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎኢሎም ተዛረብዎ። እዚ ኣዘራርባ ኻብ ቅንኣት ዝተበገሰን፡ ንዮሃንስ መጥምቅውን ቅንኣት ኪስምዖ ዚድርኽንዩ። እንተ ዀነ ዮሃንስ ኣዝዩ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ዝተወለደሉን ዝተላእከሉን ዕላማ ብቐንዱ ንክርስቶስ ምዕባይን ንእኡ ዚኸውን መገዲ ምጽራግን ስለ ዝነበረ፡ እዚ ዘረባ ብስራት ኰይኑ ዜሐጕሶምበር፡ ቅንኣት ዜለዓዕለሉ ኣይነበረን። በዚ ዘረባኦም ተደሪኹ ድማ፡ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎን ካልእን ንዕብየት ጐይታና ዜጕልሕ ቃላት ወሲኹ ተዛረበ። በዚ ኣርኣያዊ ባህርዩን ተግባሩንዚ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ንጐይታና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣናውን ክንከደሉ ዚግባእ መገዲ ጸሪጉልናዩ። ሰብ ኴንና ናይ ምፍጣርና ዀነ ብእኡ ኣሚንና ክርስትያን ናይ ምዃንና ዕላማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዕባይን ምኽባርንዩ።

ምዕባይማለት ግን እንታይ ማለትዩ፧ ሰብከ ኸመይ ገይሩ ንኣምላኽ ኬዕብዮ ዚኽእል፧ምዕባይዚብል ቃል ብዓይኒ መዝገበ ቓላት ኪረኣይ ከሎምውሳኽዚብል ትርጕም ዘለዎ። እቲ ምውሳኽ ኣካላዊ ምስ ዚኸውን ምንዋሕ፡ ምርጓድ፡ ምግዛፍ ኬስምዕ ይኽእልዩ። ብስልጣን ብፍልጠት፡ ብሓይሊ፡ ብሞያ፡ ብዝና፡ ብመንፈሳውነት ብኽብሪ ወዘተውን ምዕባይ ኣሎ። እግዚአብሔር ግን ብኵለንትናኡ ፍጹም ዕብየት ስለ ዘለዎ፡ ንሱ ባዕሉ ዀነ ካልእ ኣካል ኪውስኸሉ ዜድልዮ ነገር የብሉን። ስለ ሰብ ንእግዚአብሔር ኣዕብይዎኺበሃል ከሎ፡ንዕብየቱ ገሊጽዎ ተኣሚንዎ፡ ዕብየት ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ከም ዚገሃድ ገይሩማለትምበር፡ ካልእ ኣይኰነን።

በዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን መሰረት፡ ቅዱስ ዮሃንስ ግሩምን ኣርኣያውን ብዝዀነ መገዲ ንጐይታና ኣዕብይዎዩ። እታንሱ ኺዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእእትብል ሓቀኛን ልባዊትን ተኣምኖ ንርእሳውን ንጐይታ እተዕብይ ኣበሃህላያ።ንሱ ምእንቲ ኺዓብይ፡ ኣነ ኽንእስ ፍቓደኛ ንሱ ሃረርታይ፡ ንሱ ተልእኾ ህይወተይዚብል ኣሰሩ ዘይሃስስ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎዩ። እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ነቶም ኬፈንጥርዎ ዝመጹ ልኡኻት ኣይሁድን ነቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ሓፋሽ ህዝብን ዝተዛረቦም ቃላት፡ ዕብየት ጐይታና ዚገልጹን ግሩም ጌሮም ዜዕብይዎንዮም። ጐይታውን በቲ ዮሃንስ ዘዕበዮ ዕዙዝ ዕብየት ስለ ዝተሓጐሰ፡ካብ ነብዪ ዚበልጽዩ፡ ..... ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ ኣይተንስአንብምባል መስኪሩሉ ኣሎ (ማቴ 117-11) ጐይታ ድማ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ሰብ ከከም ግብሩ ስለ ዚፈድዮ፡ ነቲ ኣዝዩ ዘዕበዮ ዮሃንስ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ኣዕበዮ።

ብዘይካ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ካልኦት ንኣምላኽ ናይ ዘዕበይዎ ቅዱሳት ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎናዶ፧ ብርግጽ ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉና። ብቐዳምነት እንጠቕሳ ኣብነትና ድማ፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምያ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትወልድ ምዃና ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብቕድስቲ ኤልሳቤጥ ድማ ምስጢረ-ስጋዌ ድሮ ኣብኣ ኸም ዝተፈጸመ ምስ ኣበሰራ፡ ካብ ኣፋ ዝወጸት ቀዳመይቲ ቓል፡ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮትብል ነበረት። እዚ ድማ ንእግዚአብሔር ምዕባይ ኣብ ኣእምሮኣን ኣብ ህይወታን ቅድሚ ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ሰሪዓቶ ኸም ዝነበረት ዜመልክተና ግሩምን ነባርን ኣርኣያዩ። ድሕሪ ቓል ኣስዒባ ድማ ነቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናጸሎተ እግዚእትነ ማርያምኢላ ዝሰመየቶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማጸሎት ምስጋና ማርያምዝሰመዮ ኣብ ሉቃ 146-56 ዚርከብ፡ ንእግዚአብሔር ዜዕብዮ፡ ንዕብየቱ ምሉእ ኣፍልጦን ክብርን ዚህብ ግሩም ጸሎት ጸለየት፡ ክንዲ ናታ ዚምጥን እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ዘመን ህይወትና እግዚአብሔር ብዙሕን ዓበይትን ግብርታት ገይሩልናዩ። ብኸም ዝበለ ኣርኣያዊ ኣገባብ ንእግዚአብሔር ዘዕበናሉ፡ ንዕብየቱ ዝተኣመንናሉ ኣጋጣሚታት ፈጺሙ ኸም ዘየለ ግና፡ እንተ ዀነ ብኣፍና፡ እንተ ዘይኰነ ግና ብልብና እንእመኖን ዘይንኽሕዶን ሓቂዩ። ምኽንያቱንእግዚአብሔር ምዕባይእንታይ ማለት ምዃኑ ዝዀነ ኣምር የብልናን። እንተሎናውን ከምኡ ዝበለ ልማድን ባህርይን ኣየማዕበልናን። ካብ ድሙቕ ኣርኣያኣ ኽንመሃሮ ዚግብኣና ትምህርቲምበኣር ኣዝዩ ዓብዪዩ።

እቲ እግዚአብሔርዝኸም ልበይኢሉ ዝሰመዮ ቕዱስ ዳዊትውን ብብዝሑ ዀነ ብዓይነቱ ማእለያ ዘይብሉ ንእግዚአብሔር ዜዕብይን ዕብየቱ ዚእመንን መዝሙራት ዝዘመረ ኣርኣያዊ ኣቦዩ። እቲ ንእግዚአብሔር ዘዕብየሉ ቓላት ምሒር ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ፡ ነየናይ ጠቒስካ ነየናይ ከም ትሰግሮ ኽትውስን ዜሽግርዩ። እቲ ባዕሉ ኣዘውቲሩ ዜዕብዮ እኹል ኰይኑ ስለ ዘየዕገቦ፡ ነቶም ብኣካል ምስኡ ዀይኖም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ዀነ፡ ነቶም ሕጂ እነንብቦ ዘለና፡ ምስኡ ዄንና ኸነዕብዮ፡ ክቡር ዕድመ የቕርብ ነበረ።

ንእግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይዩ። .....ንእግዚአብሔር ምሳይ ኣዕብይዎ፡ ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ። .....” መዝ 341,3

ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ ልዕል ከብለካ፡ ንስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድሶየ። እግዚአብሔር ዓብዪሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡ ዕብየቱ ዘይተመርማሪዩ። .....(ህዝብኻ) ብዛዕባ ሓይሊ ናይ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡዮም፡ ኣነውን ዕብየትካ ኸዘንትውየ።መዝ 1451-3,6

እዚ ጥቕስታት ንኣብነት ኪኸውን ደኣ ተጠቒሱምበር፡ ተጻሒፉ ዘሎስ ኣዝዩ ብዙሕ (መዝ 301 953,6 9649 955 1041 11828 1355 ወዘተ) ሊቀ-ነብያት ሙሴን ህዝቢ እስራኤልን፡ እግዚአብሔር ንባሕሪ ኤርትራ ሰንጢቑ ካብ ኢድ ፈርዖን ንሓዋሩ ምስ ኣናገፎም።

እግዚአብሔር ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ ኽዝምረሉ ...... እግዚአብሔር ሓይለይዩ፡ ኣነ ኸኣ ክዝምረሉየ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ። ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝዀነ ከኽብሮየ። ኣምላኽ ኣቦይሞ፡ ልዕል ከብሎየ።” ብምባል ብመዝሙሮም ንእግዚአብሔር ኣዕበይዎ (ዘጸ 151,2) ታሪኽ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣዴታትናን፡ ንምህሮን ንመለበምን ኪዀነልና ዝተጻሕፈ (1ቈረ 106,11,15 ሮሜ 154 2ጢሞ 316,17) እምበኣር ንሕናውን ነዚ ዅሉ ብኣብነታውያን ሰባት ዝተባህለ ንእግዚአብሔር ዜዕብይ ቃላት ኣንቢብና፡ ኣሰሮም ብምስዓብ፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ህይወትና ኸነዕብዮ ይግብኣና።

ንእግዚአብሔር ኣብ ህይወትና እነዕብየሉ እንታይ እንታይ መገድታት ኣሎ፧ ነቲ ኽንገብሮ ዝተመደበልና ዅሉ፡ ብኸመይ ከም ንገብሮ ዘይንፈልጥ እንተ ዄንና፡ ካብንዕወቶንፈሽሎ ዚበዝሕ። ስለ እቶም ንእግዚአብሔር ኣብ ምዕባይ ዝተዓወቱ ቅዱሳን ዝተጠቕሙሉ ኣገባባት ኣጽኒዕና፡ ኣሰሮም ብምስዓብ ክንዕወት ንኽእልን ይግብኣናንዩ። እቶም ንእግዚአብሔር እነዕብየሎም ኣገባባት ከኣ እዞም ዚስዕቡዮም።

1. ጸሎት፦ ካብቶም ንእግዚአብሔር ከነዕብየሉ ዚግብኣና መገድታት ሓደ ጸሎትዩ። ኣብ ጸሎትና ብዛዕባ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝገበረልና ዅሉ ግብሪ ሕያውነት፡ ዕዙዝ ምስጋና ብምቕራብ፡ ብዛዕባ ዅሉ መለኮታዊ ባህርያቱን ብዛዕባ ኣምላኽነቱን ድማ ብምሉእ ልቢ ብምውዳስ ከነዕብዮ ይግባእ። ጸሎትና፡እዚ ግበረለይ፡ ከም ድማ ሃበኒካብ ምባል ወጻኢ ንእግዚአብሔር ንምኽባርን ንምዕባይን ዘይንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ብቐንዱ ዀነ ነቲንገብሮ ዘለና ጸሎት ከም ዘይፈለጥናዮ ዜቃልዓናዩ። እቲ ናትና ኣተሓሳስባን ቃላትን ጥራሕ ተጠቒምና ንኣምላኽ ከነዕብዮ ኣኻሊ ኣይኰነን። ስለ ኸኣ ብኣፍ ነብዪ ሆሴእ ገይሩ፡

ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚአብሔር ድማ ተመለሱሞ፡ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከኣ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢናበልዎ።” ኢሉ ዝመዓደን (ሆሴ 142) ስለ ብጸሎት ክንቀርብ ከለና፡ ነቲ ንእግዚአብሔር ዜዕብይ ቃላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕና ኽንቀርብ ይግባእ። ከምኡ ስለ ዘይንገብር ኢና፡ ንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ተምበርከኽና ወይ ምስ ተደፋእና፡ እንታይ ኢልና ኸም ንጽልይ ዚጨንቀና። ስለ ናብ ስፍራ ጸሎትና ቕድሚ ምኻድና፡ ብቑዕ ጸሎት ክንጽልይ ዜኽእለና ምድላዋት ክንገብር ይግብኣና። ከምኡ እንተ ገበርና፡ ኣብ ጸሎትና ንእግዚአብሔር ኣብ ምዕባይ ክንዕወት ኢና።

2. መዝሙር፦ መዝሙር ዳዊት ብምስትውዓል ዘንበበ ሰብ፡ መዝሙር ንእግዚአብሔር ኣብ ምዕባይ ዘለዎ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኪስወሮ ኣይክእልንዩ። ኣብ ምድሪዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ምስ ኣተናውን፡ ንዘለኣለም ብመዝሙር ከም እነዕብዮ ኻብ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተጠቒሱ ዘሎ ወርቃዊ ኣብነታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና (ራእ 57-14 79-12 142-3 152-4) ስለ እቲ ንእግዚአብሔር ናይ ምዕባይ ሓላፍነቱ ኸም ዚግባእ ዝተገንዘበ ክርስትያን፡ ነዚ ብመዝሙር ንእግዚአብሔር ምዕባይ ኪመልኮን ኪተግሃሉን ይግባእ። ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ መዝሙር ሊቃውንቲ፡ ለይትን መዓልትን ማህሌት ቈይሞም ዚዝምሩ፡ ንእግዚአብሔር ምዝማር ዝተማህሩ ሞያውያን ዘመርቲ ስለ ዝዀኑዮም። ክንዲ ናታቶም እንተ ዘይኰነ፡ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ንእግዚአብሔር ዜዕብየሉ መዛሙር ኪፈልጥን ኪመልኽን ይግብኦዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንውን ህዝባ ኣብ ኣባይቱን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ንእግዚአብሔር ዜዕብየሉ መዛሙር ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ኣለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ መዛሙርን ቅኔታትን ብምድራስ ከነገልግል ከም ዚግብኣና ብኣጽንዖት ኣዚዙና ኣሎ (ኤፌ 518,19 ቈሎ 316)

3. ምስክርነት፦ ንእግዚአብሔር ንኣና ብዛዕባ ዝገበረልና፡ ወይውን ከም ዝገበሮ ብዛዕባ ዝሰማዕናዮ ዓበይቲ ግብርታት፡ ንኻልኦት ሰባት ብምምስካር (ወይ ብምንጋር) ከነዕብዮውን ይግብኣናዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ሓደ ኻብ ንኣምላኹ ዜኽብረሉን ዜዕብየሉን መንፈሳዊ ጥበቡ ገይሩ ይጥቀመሉ ነበረ። ስለ ኸኣ፦

ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅልኹም ንዑ፡ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ ስምዑ።” እናበለ ይዕድም ነበረ (መዝ 6616) እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ነቲ ንሱ ዝገበረሎም ኵሉ ተኣምራትን ዓበይቲ ግብርታትን ንሳቶም ከይርስዕዎ፡ ንደቆም ኬዘንትውዎ ኸምኡ እናበለ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ኺመሓላለፍ ይእዝዞም ነበረ (መዝ 784-8 2230,31 4010 10218) ቅዱስ ዳዊት ነዚ ኺገብር ምእንቲ ኪኽእል፡ ኣብ ጊዜ ሽምግልናኡ ከይፍለዮን ሓይሉ ኺህቦን ንእግዚአብሔር ይልምን ነበረ (መዝ 7118) እዚ ዅሉ ድማ ዕብየት እግዚአብሔር ኣብ ዅሎም ሰማዕትን ወለዶታትን ምእንቲ ኺገሃድዩ። ንሕናውን ንእግዚአብሔር ከነዕብዮ ልባዊ ድልየት ምስ ዚህልወና፡ ነዚ ፍቓድ ኣምላኽን ጥበብ ኵሎም ቅዱሳንን ዝዀነ ሓቀኛ ምስክርነት ምሃብ ተገዲስና ኸነዘውትሮ ይግብኣና።

4. ተኣዝዞ ንፍቓድን ትእዛዝን ናይ ኣምላኽ፦ ተኣዝዞ፡ ንኣምላኽ እነዕብየሉ ዝበለጸን ዝዓበየን ግብራዊ ጥበብዩ። ምሉእ መዓልትን ለይትን በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኣገባባት ከተዕብዮ ውዒልካ ኸተብቕዕ፡ ብግብሪ ግን ዘይትእዘዞ እንተ ዄንካ፡ ናይ መልሓስ ጥበራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝዀነ ኻልእ ትርጕም ወይ ፋይዳ ኣይህልዎንዩ። ልክዕ ከም ሊቀ መዘምራን ኣሳፍ-

ብኣፎም ኣቀባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰውሉ፡ (ግናኸ) ልቦም ናብኡ ኣይቀንዐን፡ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።” ዝበሎ ዚኸውን (መዝ 7836,37) እግዚአብሔር ከም ግብዝነትን ጥበራን ገይሩ ዜፈንፍኖ ካልእ ኣበሳ የለን። እቲ ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል ዝገለጸሉ፦

ንእግዚአብሔርሲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምእዛዝ ቃሉ ገይሩዶ የሐጕሶዩ። እንሆ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፡ ናብ ቃሉ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወት (ዘይምእዛዝ) ከም ሓጢኣት ጥንቍልናዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትዩ።

ዚብል ሓቂ ክንርስዖ ኣይግባእን (1ሳሙ 1522,23 .) ስለ ዘይእዘዝ ሰብ፡ ንኣምላኽ የነኣእሶምበር ኬዕብዮ ኣይክእልንዩ። ብግብራዊ ቛንቋ፡ንስኻ ንኣይ ዓብይ ኣይኰንካን፡ ካብ ፍቓድካ ፍቓደይ ይዓብየኒዚብል ሰይጣናዊ መልእኽቲ የመሓላልፍ ስለ ዘሎ፡ ልክዕ ከም ጥንቈላ ዜዘውትርን ንጣኦት ዜምልኽን ሰብ ዚቝጸር። አረ ኻብኡ ዝገደደውንዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብግህዶ ናብ ጠንቈልትን ጣኦትን ዚኸይድ እንተ ወሓደ፡ ነቲ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ተጸዪፍዎ ኣሎ። እዚ ዘይእዘዝ ሰብ ግን ምትላልን ግብዝነትን ቀንዲ መለለዪ ባህርዩ (ቲቶ 116) ንፍቓድ ኣምላኽ ካብ ፍቓድ ርእስና ኣብሊጽና ንርእይን ንእዘዝን እንተ ዄንና ግን፡ ሓቀኛታት፡ ንእግዚአብሔር እቲ ዚግብኦ ዕብየት ዚህቡ ሰባት ምዃንና ነግህድ ኣለና። እግዚአብሔር ንገበርቲ ፍቓዱ ዜኽብረሉ መሰረታዊ ምኽንያትምበኣር፡ እታ ብዝለዓለ ዚብህጋ ዕብየት ንሳ ስለ ዝዀነትዩ።

መጋብርናን ኣካይዳናን ጽቡቕ ጌርካ ስለ ንፈልጥ፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ምድፋርን ኣብ ምንእኣስንምበር፡ ኣብ ምዕባዩ ኸም ዘየለና፡ ከይተመርመረ ዝተጋህደ ነጋሪውን ዘየድልዮ ሓቂዩ። ብዘይ ነግፈረግን ብዘይ ምምታእን፡ ትኽ ኢልና ናብ ሓቀኛን ልባውን ግብራውን ንስሓ እንተ ተጓየና ዚምረጽ። እግዚአብሔር እንተ ዀነ፡ ንዘኽበርዎ ዜኽብር ንዘዕበይዎ ዜዕብይ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽዩ። ብደረጃ ህዝቢ እቲ ዚግብኦ ዕብየት ስለ ዘይሃብናዮ፡ እንሆ ብዜሰክሕ መገዲ ይደቝሰናን የንእሰናን ኣሎ። ራህዋ ዘለዎ መለሳ ዘመን ምእንቲ ኽንርእይ፡ ንሕሉፍ ጥልመትና ብንስሓ ኣሕዊና፡ ኣብ መጻኢ ግን ንእግዚአብሔር ምዕባይ ናይ ህይወትና ተልእኾ ንግበሮ። ባዕሉ ምእንቲ ኼዕብየና፡ ኣብ ቅድሚኡ ርእስና ነንእስ። ከም ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ኢየሱስ ኪዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእንበል። ኣርኣያን ኣሰርን ናይ ኵሎም ቅዱሳንና ንሰዓብ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ጥቅምቲ 2023 | መስከረም 27, 2016 ግዕዝ (4 ሰንበት: ቊ.፬/4)

ምስባክ

 መዝ.፻፳፯(፻፳፰)፡፪-፫

“ፍረ ፃማከ ተሴሰይ። ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።”

“ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ'ዮም።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቁረ 9፡1-12 (ኤፌ 5፡21-ፍጻመ) ዲያቆን
1ጴጥ 3፡1-9 ንፍቅ ዲያቆን
ግብ 21፡31-ፍጻመ ንፍቅ ካህን
ዮሃ 3፡25-ፍጻመ ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝሙር፦ ትዌድሶ መርዓት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div