S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንክልተ ጐይቶት ኣይትገዝኡ (5ይ ሰንበት: ቊ.፭/5, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

 ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምንዩ።ማቴ 624

እንሆ ዘለናዮ ሰንበት፡ ናይ ኣትናዮ ዘለናዘመነ ጽገካልኣይ ሰንበትዩ። ኣብ ቐዳማይ ሰንበት ከም ዝተገልጸልና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 ዘሎ 40 መዓልታትኣባ ዮሐኒ ጽጌተባሂሉ ዚጽዋዕዩ።ጽጌዚብል ቃል ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ ትርጕሙዕምበባማለትዩ። ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ ኻልኣይ ናይ ዘመነ ጽጌ መዝሙር ከኣ፡ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብዘርእስቱ፡ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ፍጥረቱ ዘግሃዶ ጥበቡ ዜድንቕዩ። ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ነባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናይ ወንጌል ማቴዎስን ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስን ንባባት፡ ዕምባባ መሮር ዚጠቅስ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። እቲ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስክባክውን፡ ዕምባባ ጠቀስዩ።

ናይ ሎሚ ዝተሰርዓልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል ማእከላይ መልእኽቲ እንታይዩ፧ ጐይታ ነዚ ናይክልተ ጐይቶትሓሳብ ምስ ጭንቀት ኣተሓሒዙ ዝጠቐሰሉ ምኽንያትከ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ማቴ 69-ፍጻሜ) ጐይታና ኻብ ጭንቀት ኬናግፈና፡ ኣብ ልብና ሰላም ኬንግሰልና ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዝሓዘዩ። እዚ ኣጕልን ዘይምኽንኑይን ጭንቀትዚ፡ ሰላምን ቅሳነትን ዚኸልእ ጥራሕ ኣይኰነን። ካልእ ሰራም ሳዕቤንውን ኣለዎ። ነቲ ጭንቀትና ፍታሕ ዚዀነልና መሲሉና ንኻልእኣማራጺ ይዀነናዝበልናዮ ጐይታ ኽንግዛእ ዚደፍእ፡ ናብ መንፈሳዊ ምንዝርና ገጹ ዚድርኽ ግናይ ሳዕቤን ኣለዎ። ጭንቀት፡ ክትጻወሮ ዚኸብድ ሳቓዪ ስምዒት ዚፈጥር። ካብኡ ንኽንናገፍ ገለ ፍታሕ ክንረክብውን ብርቱዕ ድፍኢት ይገብረልና። ንሕና ብፍርሃት እግዚአብሔር ርእስና እንተ ዘይገቲእና፡ ብእምነትውን ኣብ ኣምላኽ እንተ ዘይተወኪልና፡ ረቢሹን ሃዊጹን ናብ ዝኸፍአ መጻብቦ ኼእትወና ይኽእልዩ። ከም ኣብ ሃገርና፡ዝጨነቖ ሰብኣይሲ መቓብር ኣቦኡ ፈሓረዚብል ምስላ ዘሎና፡ ጭንቀት ናብ ዘይከውን፡ ብዝሰኸነ ኣእምሮ ፈጺምካ ናብ ዘይትሓስቦ ኣጕልን ሓዲግን ምርጫታት ዜጽድፈካ። ኣብ መቓብርሲ ዝዀነ ዓይነት ፍታሕ ኣይርከብንዩ። ሓድሽ እንተ ዀይኑ ዝበስበሰ፡ ገምቢ ዚሽትት ሬሳ ዜጽንሓልካ። ነዊሕ ዝገበረ መቓብር እንተ ዀይኑ ድማ ብዘይካ ዝደረቐ ኣስከሬን ካልእ ትሕዝቶ የብሉን። ጭንቀት ሕሱም ግን ዘይሕሰብ ኣሕሲቡ፡ ናብ ዘይትረብሓሉ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናብ ጐዳኢ ምርጫ የእትወካ። ብጭንቀት ዝተናወጹ፡ ተስፋ ዝቘረጹ፡ ጣዕሳን ሕፍረትን ነእምሮኦም ዘጸልመቶ ሰባት፡ ዚገላገሉ መሲልዎም ህይወቶም ብገዛእ ኢዶም ዜሕልፉ፡ ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ብዙሓትዮም። ድሕሪ ሞትን ኪኖ መቓብርን እንታይ ይጽበዮም ከም ዘሎ ግን ኣይሓስብዎንዮም። ኪግመት ብዘይክእል ዕጽፍታት ናብ ዚገድድን ዕረፍቲ ናብ ዘይብሉን ስቓይ ከም ዝተሳገሩ፡ ዝኸፍአ ኸም ዝመረጹ ግን፡ ኣብኡ ኽሳዕ ዚበጽሑ ኣይፈልጥዎንዮም። ጭንቀት፡ ናብ ኪቝጸር ዘይክእል ካልእ ጐዳኢ ኣማራጺታትውን ይደፍኣናዩ። ልዕል ኢልና ኸም ዝኣንፈትናዮ፡ ናብ ናይ ክልተ ጐይቶት ምርጫውን የጽድፈናዩ።

እዚ ፈተና ዚበዝሕ ጊዜ ነቶምኣብ እምነት፡ ኣብ መንፈሳውነት ኣለናኢልና እንኣምን ሰባት ዚፈታተነና። እቲ ቐዳማይ ኣምላኽና፡ እግዚአብሔር ብዓብዩዩ። ምስኡ እናሃለናስ፡ ካብ ናይ ጭንቀት ነገር ብዜዕግብ መገዲ ኼናግፈና ኸም ዘይከኣለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ከም መተካእታ ዘይኰነስ ከም መመላእታ ዚዀነና ሓደ ኻልእ ጐይታ ኽንድርበሉ ንቕሰብ ማለትዩ። ከም ተደራቢ ኻልኣይ ጐይታ ጌርና ኣዘውቲርና ኻብንጥቀመሎም ሓደ፡ እቲ ጐይታና ባዕሉ ዝጠቐሶገንዘብዚበሃል ጐይታዩ። ካልኦትውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ሰባት፡ ስልጣን፡ ሓይሊ፡ ጥበብ፡ ፍልጠት፡ ማሕበራዊ ደረጃ፡ መበቈል (ዓሌት) ሃይማኖት፡ ዜግነት ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ከም ጐይታ ዀይኖም ኪገዝኡናን ክንግዝኦምን ዝመረጽና ጣኦታትዮም። ካብ እግዚአብሔር ወጻኢ፡ ከም ኣምላኽ ወይ ከም ጐይታ ዀይኑ ዚገዝኣና ዅሉ ድማ ጣኦት ምዃኑ ኽንዝንግዖን ክንክሕዶን ኣይግባእንዩ። ድሕሪዞም ንኣሽቱ ጣኦታት ኰይኑ ዚገዝእ ቀንዲ ጐይታ ግን፡ እቲ ጐይታና ባዕሉገዛኢ ዓለምዚኣኢሉ ዝሰመዮ ድያብሎስ (ወይ ሰይጣን)’ዩ። ጭንቀት ድማ እቲ ቐንዲ ዘርእን ህያብን ናይ ሰይጣንዩ። (ዮሃ 1430 1611 2ቈረ 44) እግዚአብሔር ነቶም ንእኡ ጥራሕ ዚግዝእዎ እሙናቱ፡ ሰላሙ ይጽግዎም። ሰይጣን ከኣ ነቶም ፈትዮም ዚግዝእዎ ናብ ዝኸፍአ ምርጫን ሃለዋትን ኣእትዩ ንዘለኣለም ኣብ ቐላይ ሓዊ መዋርስቱ ምእንቲ ኺገብሮም፡ ብጭንቀት ይቐልዎምን የዕብዶምን። ንሳቶም ከኣ፡ ከም ዝተጠቕሰ ምስላ፡ ዝኸፍአ ጸበባምበር፡ ራህዋ ዘይርከቦ መቓብራት ኪፍሕሩ ይነብሩ ማለትዩ።

ካብ ሓደ ንላዕሊ ጾታዊ መጻምድቲ ንዝገብረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲኣመንዝራኢልና ኸምንሰምዮ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጐይቶት ዘለዉዎ ሰብውን ብርግጽ ኣመንዝራዩ። መንፈሳዊ ምንዝርና፡ ካብ ጾታዊ ምንዝርና ዝኸፍአ ምዃኑ፡ ፈጺሙ ዘየጠራጥር ሓቂዩ። መንፈሳዊ ምንዝርና፡ ናይ ኣምልኾ ምንዝርና ስለ ዝዀነ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ዚፍጸም ግህሰታዊ ኣበሳዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔርብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የለን፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹኢሉ ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ኣዚዙን ኣጠንቂቑን (ዘዳ 439 ዘጸ 2030 ኢያ 211 ኢሳ 455 2ቈረ 614) ህዝቢ እስራኤል ኰነ ህዝቢ ይሁዳ ነዚ ጽኑዕ ትእዛዛቱ ጥሒሶም ብኣምልኾ ጣኦት የጕህይዎን የቘጥዕዎን ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣበሳኦም ዝሃቦ መጸውዒምንዝርናዚብል ነበረ (ኢሳ 121 ኤር 38) ነታ ሃገር ብምልእታ ድማኣመንዝራኢሉ ይጽውዓ ምንባሩ፡ ኣብ ኵላቶም መጻሕፍቲ ነብያት ብብዝሕን ብስፍሓትን ዝተገልጸ ሓቂ (ኢሳ 573 ኤር 33) ኣብ ሓድሽ ኪዳን በጺሑ ኸኣ፡ እቲ ሓቂ ኣዝዩ ይጸንዕምበር፡ ኪልወጥን ኪፈኵስን ኣይክእልንዩ። ነቲ ሓጢኣት ስም ስለ ዝለወጥካሉ፡ ቅልል ዝበለ ቓላት ስለ ዝተጠቐምካ፡ ክብደት ናይ ሓጢኣት ኣይቀልልንዩ። ምናልባት ንንስሓ እንተ ጠቐመና፡ በቲ ሓቀኛን ዚምጥኖን ስሙ እንተ ጸዋዕናዮ ዚምረጽ። ነቲ ጐይታና ዝተጠቕመሉ ናይ ገንዘብ ኣብነት ተጠቒምና ኽንርድኦ ንፈትን። ንሓደ ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ፈታው ገንዘብ ኢኻእንተ በልናዮ፡እንታይሞ፡ መንከ ገንዘብ ዘይፈትው፧እናበለ ዝዀነ ዓይነት ክብደት ከይተሰምዖ ብቐሊሉ ኺምልስ ይኽእልዩ።ናይ ኣምልኾ ምንዝርና ትፍጽም ኣለኻወይውንኣብ መንፈሳዊ ምንዝርና ኢኻ ዘለኻእንተ በልካዮ ግን ከመይ ልዑል ክብደት ከም ዚስምዖ፡ ልብናውን ብቐሊሉ ዚርድኦ ሓቂዩ።

ጐይታ ግን ካብዞም ኵሎም ተደረብቲ (ደባል) ጐይቶት ንምንታይ ፈልዩ ንገንዘብ ከም ኣብነት መሪጽዎ፧ ብዘይቃል ዓለም፡ ነታ ዝበለጸት ኣብነት መሪጹልና። ምኽንያቱ፡ ገንዘብ ዘይጥቀምን፡ ብኣሉታ ይኹን ብእወታ፡ ብገንዘብ ዘይጽለውን ሰብ የብልናን። ብድሕሪ ገንዘብ ተሓቢኡ ዚገዝእ ቀንዲ ጐይታ፡ ሰይጣን ክነሱ፡ ነዚ ሓቂ ኸም ዚግባእ ስለ ዘይነስተውዕሎን ስለ ዘይንኣምነሉን፡ ኣግሂዱንኣምላኽን ንሰይጣንን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹምእንተ ዚብሉና፡ ፍኹስ ዝበለ ኣብነት ዝተጠቕመ ዀይኑ ምተሰምዓና ነይሩ። ዕድመና ምሉእ ብገንዘብ ክንገዝእን ክንግዛእን ስለንነብር፡ ናይ ገንዘብ ነገር ኪለዓል ከሎ ቀልብና ስለ ዚሰሓብ፡ ኣእምሮና ቆብ የብሎ ቀልጢፉ ዚርድኣና። ሰይጣን ግን ዘይረኣይ ዘይድህሰስ ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ እቲ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝነቝሐ፡ መንፈሳዊ ልቦናውን ዘጥረየ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ንህይወቱን ንእምነቱን ብሃሰሰ-ለባም ዚመርሕ ሰብ ፈጺሙ ኣይፈልጦን፡ ኣየስተውዕሎንውንዩ።

ጐይታናንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትክእሉን ኢኹምምስ በለ፦ እቶም ፈተውቲ ገንዘብ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ነዚ (ምስ ሰምዑ) የላግጹሉ ነበሩ። (ጐይታ ድማ)እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚረኣይ (ሰብ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ፍንፉንሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግን ኣምላኽ ይፈልጦዩ።”“ (በሎ) ብምባል ወንጌላዊ ሉቃስ ተሪኹልና ኣሎ (ሉቃ 1614,15) ምኽንያቱ ንሳቶም ነዞም ክልተ መጻርርቲ ጐይቶት ግርም ጌሮም ኣተዓሪቖምን ኣወሃሂዶምን ይግዝእዎም ከም ዘለዉ ዚሓስቡ ዕዉራት መራሕቲዮም ዝነበሩ። ጐይታና ግና፡ ብእግዚአብሔር ዝተፈንፈኑ ምዃኖም ኣግሃደሎም። እምበኣር ንሕናውን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ካልኦት ጐይቶት ደሪብና መንፈሳዊ ምንዝርና ኽንፍጽም ከለና፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ፡ ልክዕ ከምኣቶም ፍንፉናት ኢና ንኸውን።

ዝምድና ገንዘብን ጭንቀትንከ እንታይዩ፧ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝረኸበኸ ካብ ጭንቀት ይዓርፍ ማለት ድዩ፧ ንገንዘብ ከም ጐይታ ጌርና ኽንግዝኦ ዚገብረና ዘሎኸ እንታይዩ፧ ጐይታና ኣስፊሑ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ብዙሕ ጊዜ ንሰብ ዜጨንቖ እቲ መሰረታዊ ድሌየታቱዩ። መሰረታዊ ድልየታት (Basic needs) ማለት ድማ ምግቢ (ዚብላዕን ዚስተይን) ክዳን፡ መጽለሊዩ። እዚ ነገር ዘየተሓሳስቦን ዘየጨንቖን ሰብ ድማዳርጋ የለንኪበሃል ይከኣልዩ። ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ ዚበዝሕ ከኣ ብዛዕባ መሰረታዊ ድልየቱ ዚሽገር ድኻዩ። ነቲገንዘብ ኣለዎዚበሃልውን ዝበዝሐ ገንዘብ ኪረክብ ብዘይ ዕረፍቲ ኪሃልኽ ዚደፍኦ ድማ፡ በቲ ትሕዝቶኡ ስለ ዘይዓግብዩ። እቲ ጭንቀት በቲ ብዝሒ ገንዘብ ተደጕሉ ደኣ ዘሎምበር፡ ኣይጠፍእንዩ። ብቑዕ መርማርን ተንታንን (Analyst) እንተ ዚርከብ፡ እቲ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ውሽጡ ውሕስነትን ዕግበትን ከም ዘይፈጠረሉ፡ ገና ኣብ ውሽጡ ተቐቢሩ ዜዕገርግሮ ጭንቀት ከም ዘለዎ መግሃዶ ነይሩ። ብዛዕባ ሃብታማት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ዜግህድዎ ብዙሕ ሓቅታት ኣሎ።

ንሰብ ናይ ገንዘብ ነገር ብኸመይ ከም ዜጨንቖ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዎ ኣተሓሳስባ እንታይ ከም ዚመስል ጐይታ ገሊጹልናዩ። እናመሃረ ኸሎ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ፡መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ (ተዛረበለይ)” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ድማ እቲ ዜባእሰናን ዜሸግረናን እንታይ ምዃኑ፦

ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትንሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስሰዐ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ።” ብምባል ኣግሂድዎ ኣሎ (ሉቃ 1213-15) ህይወት ዚርከብ ብገንዘብ ጥራሕ ከም ዝዀነ ስለንሓስብ ኢና፡ ነቲ ዘጥረናዮ ገንዘብ ከም ጐይታና ጌርና፡ ንሕና ኸኣ ባሮቱ ዄንና ኽንግዝኦ ንነብር። እዛ ኣተሓሳስባዚኣ ድማ ገንዘብ ኣብ ዘለዎን ዘይብሉን ሰብ፡ ጭንቀት ትወልድ። እቲ ጸገም ናይ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ስለ ዘይርድኣና፡ ብዝሒ ገንዘብ ብምውሳኽ ከነህድኦ ንጋደል። ዋላ ንምልእቲ ዓለም ክንውንና እንተ ንኽእልውን፡ ነቲ ፍታሕ ኣይንረኽቦን ኢና። ነዚ ኣተሓሳስባ ገለ መንፈሳዊ ፈውሲ እንተ ዘይረኺብናሉ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢናውን ከም ዘይዕረይ ገይሩ ኼበላሽወልና ዚኽእልዩ። እዚ ድማ ኣብ ጐይታ ዝተጠቕመሉምስላ ግራቱ ዝቐደወሉ ሰብኣይብንጹር ተራእዩ ኣሎ (ሉቃ 1213-21) ነቲ ታሪኽ እንተ ኣስተውዓልናዮ፡ እቲ ዓሻ ሰብኣይ ኣብ ገዛእ ዓይኑን ኣብ ዓይኒ ሰባትን ኣዝዩ ሃብታም፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነስ ድኻ ዀይኑ ተረኽበ። ካብ ክልቲኦም ጐይቶት ሓዲግ ተረፈ። እቲ ዝተበደለ ሓቀኛ ጐይታ፡ ህይወቱ ኣሕደጎ። እቲ ጠባሪ ጐይታ ድማ ንህይወቱ ኼትርፍ፡ ወይ ናቱ ህይወት ኪህቦ፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ ኬድሕኖ ኣይከኣለን።

እቲ ሓቀኛን ግብራውን ታሪኽ ናይ ሃብታም ጐበዝ፡ ብዓል ድርብ ጐይታ ምዃን ዘለዎ ሓደጋ ጽቡቕ ገይሩ ዜርእየና (ማቴ 1916-24 ማር 1017-25 ሉቃ 1818-23) እቲ ሃብታም ሰብ፡ ካብ ጐይታ ንላዕሊ ንገንዘቡ ኺግዛእ ምምራጹ፡ ገንዘብ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ጐይታ ምዃኑ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና፡ ዜሕዝን ታሪኽዩ። እዚ ሰብ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ልዑል ባህግን ከም ዝነበሮ፡ ብዓቕሙውን ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኬኽብሮ ከም ዝተጋደለ ኣመስኪሩዩ። እቲ ፈላጥ-ኵሉ ጐይታ ግን ነቲ ኣብ ልቡ ተሓቢኡ ዚገዝእ ዝነበረ ኻልእ ጐይታ ኪቐልዓሉ ፈተወ። ዜሕዝን ኣጋጣሚ ዀይኑ ድማ፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንላዕሊ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ይገዝኦ ኸም ዝነበረ ተጋህደ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ገጹ ናብ ለካሚኡ ጐይታ፡ ናብ ገንዘብ፡ ዝባኑ ኸኣ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚህብ ጐይታ ገይሩ፡ ናብ ጥፍኣቱ ተዓዝረ። ጐይታና ኸኣ ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ኸይተረፈ ዘገረመን ዘሰምበደን ሓቂ ኣግሃዶ።

ደቀየ፡ ብጥሪቶም (ብገንዘቦም) ንዚእመኑ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂዩ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣትውስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።ማር 1024,25

ተጠንቂቕና ነስተውዕል!! ሃብታም ምዃን ሓጢኣት ኣይኰነን። ብሃብትኻ ምእማንን ኣብ ሃብትኻ ምውካልን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእታው ዚዕንቅፈና። ገንዘብ ግን ኣዝዩ ፈታንን ክፉእ መፈንጠራን ምዃኑ ኣይንስሓቶ። ኣብ ኢድካ እናሃለወ ከይተወከልካዮ ኽትተርፍ ዘሎካ ተኽእሎ ከም ዓይኒ መርፍእ ዝጸበበዩ። ስለ ኸኣ ነቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታው ተኽእሎኻ ኣዝዩ ዜጽብቦ። ሃብታም ናይ ምዃን ፈተና፡ እቲ ዝጠዓሞ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦዩ። ልቢ ሰብ ግን ኣዝዩ ሕሱምን ጐራሕን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኽውን ሓቂ ኺስውረልና ይኽእል (ኤር 179,10) እዚ ዝተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይ፡ ንልቡ ይፈልጦ ኣይነበረን። ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ገንዘብ መሊኽዎ ኸም ዝነበረ፡ ጐይታ ብጥበቡ ዝቐልዓሉ። ንሱ ግን መገዱ ኣቕኒዑ ብንስሓ ኪምለስ ኣይከኣለን። ካብ ንኣምላኽ ተገዚኡ ብዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚነብር፡ ኣብ ሓጻር ዕድሚኡ ንገንዘብ ተገዚኡ ናብ ገሃነም ኪኣትው መረጸ። ፈትዩ ንዝተገዝኦ ሰብ፡ ገንዘብ ኣዝዩ ሕሱም ጐይታ ኪኸውን ከሎ፡ ኪገዝኦ ዓቕሚ ንዝረኸበ ሰብ ግን፡ ገንዘብ ንፉዕ ባርያዩ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ጸዓዱ ዜዘውትርዎ ምስላዩ። ከም ነብዪ ኢሳይያስ፦

እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ብጀካኻ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና (ኣለዉ) ግናኸ ኣምላኽ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።ዝበሎ፡ ንሕናውን ብዛዕባ ዚገዝኣና ኻልእ ጐይታ ብቕንዕና ተኣሚንናን ተነሲሕናን፡ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ኣምላኽና ኽንገብር፡ ነቶም ካልኦት ጐይቶት ግና ክንጽየፎምን ከነርሕቖምን ይግብኣና (ኢሳ 2613 .)

ብዛዕባ ገንዘብን ሃብትን ኪህልወና ዚግብኦ ኣተሓሳስባ ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧ እቲ ዝዓበየ ኺህልወና ዚግባእ ኣተሓሳስባ ድሮ ተጠቒሱዩ። ጐይታና፡ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትንብምባል ዝገለጾ መለኮታዊ ሓቂ፡ እቲ ገንዘብ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ይኹን ንገንዘብ ዘማእከለ ጕዳያት ኪለዓል ከሎ ኽንዝክሮ ይግብኣና። ነዚ ቓል እንተ ዘኪርናዮን እንተ ተመሪሕናሉን፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ብሰላም ኬንብረናዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኸም ዓይኒ መርፍእ ዝጸበበ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተኽእሎና፡ ኣዝዩ ኼስፍሖዩ።

ቃል እግዚአብሔር ከም ዚነግረና፡ ሃብታም ክትከውን ምብሃግ፡ ናብ ጸበባ ናብ መፈንጠራ ኽትኣትው ምብሃግዩ። ስለ ኸኣ፦ ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዓር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎብምባል ንጉስ ሰለሞን ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 234) ሓደጋኡ ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ ኣስፊሑ ዝገለጸልና ግን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስዩ።

ይኣክለኒ ምባል ዝሰፈኖ ሃይማኖት (ወይ እምነት) ዓብዪ ረብሓዩ። ከመይ ናብ ዓለም ዘምጻእናዮ ሓንቲ የብልናን። ከምኡውን ካብ ዓለም ክንወስዶንኽእል ሓንቲ የብልናን። ቀለብን ክዳንን እንተ ረኸብና (ንሱ) ይኣኽለናዩ። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ናብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ናብ ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒትዮም ዚወድቑ። ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣትዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ ኺብሉ፡ ካብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ፡ ንስኻ ግና፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ካብ ዅሉ ህደም። (ደድሕሪ ገንዘብ ዘይኰነስ) ደድሕሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን እምነትን ፍቕርን ትዕግስትን ሕያውነትን ሰዓብ።” 1ጢሞ 66-11 .

ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ምውናኑ ዀነ ኣብ ምሕደራኡ፡ ብዙሕ ሓጢኣት ስለ ዜሰንዮዩ። ሃብቲ ብዘይ ሓሶትን ስስዐን ስርቅን ወዘተን ኪርከብን ኪውህለልን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብዩ። ስለ ኸኣ ባዕልኻ ፈቲኻ ናብ መፈንጠራ ዘሊልካ ኸም ምእታው ዚቝጸር። ነቲ ብጽድቂ ዘጥረዮን ዘመሓደሮን ግን ካብ ስጋዊ ሃብቲ ኽትብሎ፡ መንፈሳዊ ጸጋ ኽትብሎ ዚምጥኖ። እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኣብ ያእ 19-11 51-6 .ት፡ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝነብሩ ሃብታማት ዝጸሓፎ ሃይለ-ቃል ብዛዕባ ገንዘብን ሃብትን ንዘለካ ኣተሓሳስባ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ዚድርኽዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ደጋጊሞም ከም ዜረጋግጹልና፡ ሃብትን ድኽነትን ካብ ኣምላኽምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን (1ጢሞ 6:17-19) ካብኡ ዘይኰነ ሃብቲ እንተ ኣከብካ፡ ብበረኸት ኣምላኽ ዝተዋህበካ ዘይኰነስ ብዓመጻ ዝኣከብካዮዩ። ካብ ብገንዘብ ንላዕሊ ኸኣ ብሓጢኣት ሃብቲምካ ኸም ዘለኻ ክትርስዖ ኣይግባእንዩ። እግዚአብሔር ፈትዩ ብዝሃበካ በረኸት ሃብቲምካ እንተሊኻ ድማ፡ ናይ ዓመጻ ገንዘብ ወሲኽካ ከይትብክሎ ኽትጥንቀቕ ይግብኣካ። ብዘይ ዓመጻ ብበረኸት ኣምላኽን ብጻድቕን ንጹህን ኣሰራርሓ ዝተኣከበ ገንዘብ እንተ ዀይኑ፡ ግን ድማ ብጽድቂ እንተ ዘይተመሓዲሩ ኸኣ ካልእ ዝኸፍአ ሓደጋ (1ጢሞ 617-19 ሉቃ 1619-31 ያእ 215,16 1ዮሃ 317) እቶም ምስ ገንዘብ ዝተተሓሓዘ ሓጢኣት እነዘውትር ሰባት፡ ንገንዘብ ከም ጐይታ፡ ከም ኣምላኽ እነምልኾን እንግዝኦን ሰባት ምዃንና ግሁድዩ። ተደራቢ ጐይታ ሒዝካ፡ መንፈሳዊ ምንዝርና እናዘውተርካ ድማ፡ብኣምላኽ ዝኣምን ናይ ኣምላኽ ሰብየ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትው ተስፋ ኣሎኒኽንብል ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ፡ እቲቐናእ ኣምላኽዝበለ ጻድቕ ጐይታ፡ ዘይበሎን ዘይቅበሎን ነገር፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእተዎ ጌርና ዘይናቱ ነጥብቐሉ ኢና ዘሎና። ካብ ከምኡ እናበልና ብዘየለን ብዘይተዋህበን ተስፋ ኽንጥበር ንነብር፡ ናብ ቅኑዕ ንስሓ እንተ ኣተና ዚሓይሽ። ነብዪ ኤልያስ፡ ነቶም ንኣምላኽ ምስ ጣኦት በዓል ደሪቦም ኬምልኹ ዚደልዩ እስራኤልውን፦

ክሳዕ መዓስ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ እግዚአብሔር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፡ (ጣኦት በዓል) እንተ ደኣ ዀይኑ (ኣምላኽ) ከኣ ንእኡ ሰዓቡ” ከም ዝበሎም፡ ንሕናውን እዚ ቓል ስለ ዚምልከተና፡ ናብ ክልቲኡ ወገን ምሕንካስ ገዲፍና ኣብ ኣምላኽና ቀጥ ኢልና ንጽናዕ (1ነገ 1821) ናይ ገንዘብ ጣኦት፡ ነቲ ሕሩይ ሃዋርያ ኻብ ሕቝፊ ጐይታ መንዚዑ ኸም ዝወስዶ ኣይንዘንግዕ።

ድሕሪ ዚተርፈና ነቶም ከም ጐይቶት ክንግዝኦም ኣብ ህይወትና ኣንጊስናዮም ዘለና ጣኦታት፡ ካብ ህይወትና ነቒልና ምድርባይ ጥራሕዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸየቑናን ዝተጻወቱልናን ይኣኽሎም። ንበይኑ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ንገዛእ። እግዚአብሔር ብሓዊ ቕንኣቱ ኺለዓለናን ኬጥፍኣናን ኣይንፈታተኖ። ንገንዘብ ከም ንፉዕ ባርያ ዀይኑ ኼገልግለና ደኣ ንጠቐመሉምበር፡ ኣብ ርእስና ኸም ሕሱም ጐይታ ተቐሚጡ ኼበላሽወና ኣይንፍቀደሉ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

15 ጥቅምቲ 2023 | ጥቅምቲ 4, 2016 ግዕዝ (5 ሰንበት: ቊ.፭/5)

ምስባክ

 መዝ.፻፪(፻፫)፡፲፬-፲፭ 

“ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።”

“ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ኤፌ 6፡1-9 ዲያቆን
1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ ንፍቅ ዲያቆን
ግብ 17፡23-ፍጻመ ንፍቅ ካህን
ማቴ 6፡19-ፍጻመ ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝሙር፦ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div