S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይምዅራይ፡ ዜጽድቕ ብልህነት (6ይ ሰንበት: ቊ.፮/6, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

 ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ነዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግብርንዩ። ስለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።ያእ 119,20

እዚ ሰንበትዚ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዘመን ጽጌዩ። ኣብ ዕለት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ወመኑ መሐሪ ዘከማከዘርእስቱ ዀይኑ፡ እግዚአብሔር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ምዃኑ ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ከም እግዚአብሔር ዝበለ መሓሪ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ዜረጋግጽዎ ሓቂዩ። ዋላ ንሕና ባዕላትናውን ናይ ሓቂ ህያውን መስኻኽር ኢና። ነቲ ከቶ ዘየቋርጽ ሓጢኣትና በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ እንተ ዚጸባጸበናን እንተ ዚፈርደናን፡ ይትረፍ ንሕና፡ እዛ እንነብረላ ግእዝቲ ዓለም ኽሳዕ ሕጂ ኣይምጸንሐትን ነይራ። ከም’’ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ባርያኡ፦ “.....ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማህጸን ኣዴኻ ጀሚሮምገበነኛኢሎም ከም ዚሰምዩኻን (እፈልጥ) (ግናኸ) ስለ ስመይ ኢለ ቝጥዓይ አደንጕይ፡ ከየጽንተካ ድማ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣለኹ።” ዝበለ፡ ብምሕረቱ ርእሱ እናገትአ ክሳዕ ሕጂ ዜናብረና ዘሎ (ኢሳ 488,9) እግዚአብሔር፡ ብዛዕባ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ሊቀ ነብያት ሙሴ፦

እግዚአብሔር፡ እግዚአብሔር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ ንዅራ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕልው፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርእይ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ” ብምባል ንባህርዩ ባዕሉ ገሊጽዎ (ዘጸ 346,7) ህላወ ናይ ዅሉ ዘርኢ ኣዳም ድማ ኣብ ባህርዩ ዚምርኰስዩ። እግዚአብሔር ንዅራን ንፍርድን ዚህወኽ እንተ ዚኸውን፡ ታሪኽ ደቂ ሰብን ታሪኽ ዓለምን ምተለወጠ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመሰረቱ ኺትረኽ ዚኽእል ህላወ ኣይምነበረን። እቲዝኸም ልበይዝተባህለሉ ቕዱስ ዳዊት፡ ነዚ ሰታሪና ዝዀነ ባህርይ ኣምላኽ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎሎ።

እግዚአብሔር ርሕሩሕን መሓርንዩ። ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፡ ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምንዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን። ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናንዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ኣብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።መዝ 1038-11

እምበኣር እግዚአብሔር ከም ዝተጠቕሰ ገይሩ በቲ ቕዱስ ባህርዩ ገይሩ ዚጓስየና ዘሎ። ሓጢኣትን በደልን እንተ ዘይነብር ነይሩ፡ እዚ ኣገዳሲ ባህርይ ኣይመድለየን ነይሩ። በደልና ኸም ዓይኒ ማይ ብዘይ ምቍራጽ ስለ ዚውሕዝ ግን እዚ መሓርን ንዅራ ደንጓይን ዝዀነ ባህርዩ፡ ንኣና ንኣበሰኛታት ደቂ ሰብ፡ ኣዝዩ ዜገድሰናዩ። እቲ ነዚ ብዕምቈት ዝተገንዘበ ቅዱስ ያሬድወመኑ መሐረ ዘከማከኢሉ ምዝማሩምበኣር፡ ንኣምላኽ ዜስምር ንኣናውን ዜስተምህር ተግባሩዩ።

ናይ እግዚአብሔር ንዅራ ደንጓይን መሓርን ምዃንሞ፡ ምስ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ዘለዎ ዝምድና እንታይዩ፧ ከም ኣምላኽ ክንከውን ትጽቢት ይግበረልና ማለት ድዩ፧ ብርግጽ ይግበረልናዩ። ንምንታይ ድዩ ካብ ባህርዩ ኸፊሉ ብመልክዕን ብምስሉን ዝፈጠረና፧ ምስ ኣምላኽ ናይ መልክዕ ገጽ ወይ ናይ ቍመና ኣካላት ምምስሳል ኣይኰነን ዘሎና። እግዚአብሔር ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ከም ናትና መልክዕን ቍመናን የብሉን። ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ምስ ገበሮ፡ ኡፍ ኢሉ ካብ መንፈሱ ብምክፋል፡ ነቲ ተወራሲ ዝዀነ ዅሉ ባህርያቱ ኣካፈሎ። ስለ ሰብ ኪፍጠር ከሎ፡ ብባህርዩ ንኣምላኽ ዚመስል ኰይኑ ተፈጢሩ። ስለ ኸኣ ልክዕ ከም ኣምላኽ መሓሪ፡ ፈቃር፡ ንዅራ ደንጓዪ፡ ርሕሩሕ ወዘተ ናይ ምዃን ምሉእ ዓቕሚ ኣለዎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ባህርያት ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ናይ ምንጽብራቕ ሓላፍነት ኣለዎ። ከምኡ ኻብ ምግባር ምስ ዚበኵር ድማ፡ ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ ስለ ዘይነበረን ስለ ዝይተግበረን፡ ተሓታትነት ኣለዎ።

ንሕና ሰባት ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ዘውረሰና ቕዱስ ባህርያት ተሓሲምና፡ ነቲ ሰይጣን ዘስረጽልናን ዘውረስናን ዘይናትና ባህርያት እናዘውተርና ዘይምሱል መሲልና ንርከብ። ዘዝተወልደ ዘበለ ካብቶም ዝወለድዎን መዋልድቱን ኣብ ከባቢኡ ካብ ዘሎ ዅሉ ሰብን እናተማህረ ስለ ዚበላሸው፡ መሓርን ንዅራ ደንጓዪን ምዃን ከም ዘይንቡር ባህርይ፡ ከም ሕመቕ፡ ኰራይን ተቐያምን ፈዳይ ሕነ ምዃንን ግን ከም ቅቡልን ንቡርን ባህርይ ይርዕሞን ይቕበሎን ኣሎ። መንፈሳዊ ሰብ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ንዅራ ንቝጥዓ ከም ንስሓ ዘየድልዮ ሓጢኣት ገይሩ ናብ ምቝጻር ገጹ የንቈልቍል ኣሎ። እዚ ጊንጢ ተርእዮዚ፡ ነቲ ብሂጉ ብዕላማ ኻብ እንስሳታት ዝተፈለና ገይሩ ካብ ባህርዩ ተማቐልቲ ገይሩ ዝፈጠረና እግዚአብሔር፡ ከቢድ ጥልመትን ዕልወትንዩ። ነዚ ዝወረስናዮ ዘለኣለማዊ ባህርያት ስለ ዝደርበና ኢና፡ ብናይ ሓጺር ዕድመ በደላት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይ ክንድርበይ ዚፍረደና።

ስለ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጥና ንዅራ ደንጓዪ ናይ ምዃን ዕቑር ዓቕሚ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይከውን፡ ኰረይቲ ብምዃንና ኣይምተፈረደናን ነይሩ። እንስሳታት ነፍሳዊ ባህርይምበር፡ ከማና መንፈሳዊ ባህርይ ስለ ዘይብሎም፡ ተሓታትነት የብሎምን። እቶም ሰባት ክነስና ከም እንስሳታት እንዋሳእ ግን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ተግባርና፡ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ፡ ክንፍረድ ኢና። ብኣኽናፍ ምብራር ናይ ኣዕዋፍ ሰማይ ባህርያዊ ትዕድልቲዩ። ኣኽናፍ እናሃለወን፡ ናይ ምንፋር ዓቕሚ እናሃለወን፡ ነዚ ገዲፈን፡ ከም ኵሉ ኻልእ እንስሳ በእጋረን ኣብ ምኻድ ጥራሕ እንተ ዚድረታ፡ እንታይ ምበልና፧ ሰብን ካልኦት ኣርባዕተ ዝመሓውሮም እንስሳታትን፡ መሓውሮም ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ብእኡ ኺጐዓዙ እናኸኣሉ፡ ከም ለመምታ፡ ከም ተመን፡ ብፍሕዅታ ንምኻድ ኪጋደሉ እንተ ንርእዮምከ እንታይ ምበልና፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ተኽእሎዩ፡ ግን ድማ ኣዝዩ ምገረመና፡ ካብኡ ሓሊፉውን መናደደና ነይሩ። ንሕና ድማ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኴንና ተፈጢርና ኸነብቅዕ፡ ንእኡ ደርቢና ተማቐልቲ ሰይጣናዊ ባህርይ ኴይና ኽንርከብ ከለና፡ ንኣምላኽ ኰነ ነቲ ብቕንኣት ኣምላኽ ዝተመልአ ሰብ፡ እንታይ ኪስምዖ ኸም ዚኽእል ርዱእዩ።

እንተ ዀነ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንኣና ኼጕህየና ዚግባእ። እንተ ብሓደጋ እንተ ብባህርያዊ ሕማም፡ ገለ ኻብ ኣካላትና ነቲ ንቡር ስርሑ ምግባር ምስ ዚሰኣኖ፡ ከመይ ከምንጕህይን ከምንሻቀልን ንፈልጥ ኢና። ብምኽንያት ወቕዒ ሓንጐል ፍርቂ ሰብነትና ለሚሱ፡ ነቲ እነዘውትሮ ዝነበርና ዅሉ ንጥፈታት ምግባር ክንስእን ከለና፡ ንኣናን ንስድራናን ንዅሉ ፈላጢናን ኣዝዩ ዚኸብድ። ናብ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ለምሲ ኣቲና፡ ነቲ ንቡር መንፈሳዊ ባህርያትን ግብርታትን ካብ ምግባር ክንበኵር ከለና ዚስምዓና ጓሂ ዘይምህላው ግን፡ ሰይጣን ንጥፍኣትና ኢሉ ኸም ዘደንዘዘና፡ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ልዕሌና ይነጥፍ ከም ዘሎውን ዜመልክተናዩ። እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝተሰርዓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ከም ዝበለ ሰይጣናዊ ድንዛዘን ማእሰርትን ለምስን ንኼናግፈናዩ።

እዚ መሪሕ ጥቕስና ዀነ ብዛዕባ ዅራ ዚዛረብ ካልእ ጥቕስታት፡ኣይትዀርዩምባል ገዲፉ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን ዚብለሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ደንጕኻ ምዅራይ ይፍቀድ ኰይኑ ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ደንጕኻ ኰነ ተሃዊኽካ ምዅራይ ኣይተፈቕደልናን። ምዅራይ ክሳዕ ዝሃለወ፡ እንተ ቐልጠፈ ዝያዳ ጐዳኢ፡ እንተ ደንጐየ ግና ዘይጓዳእ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። እቲ ዜዀርይ ኵነታት ጊዜ እንተ በሊዑ፡ እቲ ናይ ኵራ ስምዒት እናደኸመን እናጠፍአን ዚኸይድ። እቲ ዅነታት ምስ ተኸስተ ብኡንብኡ ኵራኻ ትገልጽ እንተ ዄንካ ግን፡ እቲ ናይ ኵራ ስምዒት እናሓየለ ኸይዱ ጸርፍን ማህረምትን ካልእን ወሊዱ፡ ናብ ነባሪ ዅራ ገጹ ዚምዕብል። ስለ ዝደንጐኻ እቲ ናይ ናይ ኵራ ስምዒት ካብ ውሽጥኻ ዘይጠፍእ እንተ ዀይኑ ግን፡ እቲ ዅራ ናብ ሕዱር ቂምታ ናብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ከም ዝማዕበለምበር፡ ከም ዝደንጐኻ ኣየስምዕንዩ። ስለ ንዅራ ደንጓዪ ምዃን፡ ኵራኻ በኒኑ ንኺጠፍእ ዕድል ንምሃብምበር፡ ኵራኻ ንምግላጽ ዚጥዕም ጊዜ ንኽትረክብ ኣይኰነን። ነቲ ዝደንጐኻሉ ጊዜ ቃላትካን መልሓስካን ከም ካራ ንምስሓል፡ ሕሉፍ በደላት ነጥቢ ብነጥቢ ኣዳሊኻ ሰሪዕካ ንምቕራቡ እትዳለወሉ ጊዜ ጌርካ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ምስ ደንጐይቲ ኣየስርዓካንዩ። ቃል እግዚአብሔር ንዀረይቲ ሰባት፡ ኵራኦም ንምግላጽ ንዚህወኹ ሰባት፡ ቍልቍል ኣፋዓያሱኢሉ ዚጽውዖም።

ኵራ ዓሻ ብኡንብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሓብእ። ...... እምኒ ኸቢድዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚንዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና እንጽርጽሮት (ኵራ) ዓሻ ይኸብድ። ...... ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ መሕደሪኡሞ፡ ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።ምሳ 1216 . 273 መክ 79

ስለ ዅራኻ ንምግላጽ ውሽጥኻ ኪህውጸካ ኸሎ፡ ዕሽነትካ ንምግላጽ ርእስኻ ንምውራድ ትህወኽ ከም ዘለኻ ከተስተውዕል ይግባእ። እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብ መብዛሕትኡ ኸም ኸማና ንዅራ ምህዋኽ ከም ጅግንነትምበር፡ ከም ዕሽነት ስለ ዘይቈጽሮ፡ ንተግባርና ብዓይኒ ሰብ ክንመዝኖ ኣይግባእንዩ። እቲኣይትዀርዩኢሉ ዝኣዘዘን ኣብ መወዳእታ ዚፈርደናን ባዕሉ እግዚአብሔር ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን ንነገራት በቲ እግዚአብሔር ዚርእየሉ ዓይኒ ኽንርእዮ ዜርብሓና። ስለ ብዝዀነን ብዘይኰነን ምኽንያት እናዀረና፡ ንመንፈሳዊ ሚዛንና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንተ ዘየቕለልና ዜሕሸና። ብኣንጻሩ እቲ ንዅራ ዘይህወኽን መንፈሱ ገቲኡ ዚኽእልን ሰብ፡ ሃብቲ ኣእምሮ ዘለዎን ጥበበኛ ሰብን ምዃኑ ቓል እግዚአብሔር ገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ (ለባም) ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ። ......ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጉሖ፡ ጥበበኛ (ለባም) ግና ይዓግቶ የህድኦውን።ምሳ 1429 2911)

እቲለባምወይዓሻዚብል ቃል፡ ሰብ ጥራሕ ዚብሎ እንተ ዚኸውን ኣፍኲስና ኽንርእዮ ንኽእል ንኸውን። እቲ ዚብሎ ዘሎ፡ እግዚአብሔር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ልቦናን ዕሽነትን ዚፈርድ ኣምላኽ ምዃኑ ግን፡ ምባል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዚገብሮ ፍርዲ ኸም ዘለዎ ፈሊጥና ዕቱባት ክንከውን ዚጠልበናዩ። ይትረፍ ንርእስና ኰረይቲ ኽንከውን፡ ምስ ኰረይትን ተቘጣዕትን ሰባት ከይንቐርብውን ተነጊሩና ኣሎ (ምሳ 2224,25 1ቈረ 1533) ምኽንያቱ ኵራ ኺምህረናን ኬለማምደናን ይኽእልዩ።

ኵራ ኽሳዕ ክንዲ ዓብይ ሓጢኣት ዚዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይዩ፧ ዜፍርድ ሓጢኣት ጌርካ ምርኣዩ፡ ምግናንዶ ኣይከውንን፧ ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት፡ ብግሉ ኸቢድ ወይ ቀሊል ምዃኑ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕን ናብ ሞት ዘየብጽሕን ሓጢኣት ከም ዘሎ ገሊጹልና ኣሎ። ብዛዕባ ዅራ ኸምኡ ኢሉ ዚገልጽ ጥቕሲ እንተ ዘይብልናኳ፡ በቲ ብዛዕባ ዅራ ተጠቒሱ ዘሎ ዅሉ ቓል እግዚአብሔር ግን ቀሊል ኣበሳ ዘይምዃኑ፡ ብዙሕ ትንተና ዘየድልዮ ሓቂዩ። ናይ ኵራ ኽብደት ብዝያዳ ዚገሃድ ግና ንኻልእ ብዙሕን ከቢድን ዓይነታት ሓጢኣት ኣፍደገ ዚኸፍት ፈራዪ ሓጢኣት ምዃኑዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ነዚ ሓቂ ዜብርህ ግሩም ቃል ጽሒፉልና ኣሎ።

ኵራ ግደፍ፡ ሓርቖትውን ሕደግ፡ ኣይተንጸርጽር፡ እዝስ ናብ እከይ ጥራሕ ዜብጽሕ።መዝ 378 .

ኵራ ንርእሱ እኩይ ምዃኑ ኸይኣኽሎ፡ ናብ ካልእ እከይ ዜሰጋግር ምዃኑ፡ ብጥንቃቐ ርእስና ኽንሕልው ዜገድደናዩ። ዝዀረየ ሰብ ናብ ቈየቛ፡ ጸርፊ፡ ባእሲ፡ ቅትለት፡ ቂምታ፡ ሕምየት ወዘተ ብቐሊሉ ዚወድቕ። እዚኣቶም ድማ ቀለልቲ ኣበሳታት ኣይኰኑን። ንዝዀነ ዓይነት ዝምድናታት ናይ ምሕርፋፍን ናይ ምብታኽን ዓቕሚ ዘለዎምዮም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብስም ቅድስቲ ስላሴ ምሒልካ ዝኣተኻዮ ኪዳን፡ ብሰንኪ ኵራ ብፍትሕ ከም ተፍርሶ ኺገብረካ ይኽእልዩ። ናብ ባእስን ማህረምትን ኣእትዩ፡ ንሰብ ናብ ምጕዳእ፡ ናብ ምስንካል፡ ናብ ምፍሳስ ደም፡ ናብ ቅትለት ኬብጽሓካውን ዚኽእልዩ። ቂምታ ወሊዱ፡ ንዝምድናታት ንሓዋሩ ኺበትኮ፡ ናብ ምፍዳይ ሕነውን ኬብጽሕ ዚኽእል ሰራም ኣበሳዩ። ነባሪ ጽልኢ ገዲፉልካ እንተ ኸይዱ፡ ዋላ ትንዕ ኢልካ እንተ ዘይተዋቓዕካ፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ከም ቀታል ነፍሲ ምፍራድካ ዘይተርፍ (1ዮሃ 315) እዚ ዅሉ ዝዘርዘርናዮ ጕድኣቱ፡ እቲ ምድራዊ ሳዕቤኑዩ። እቲ ዘለኣለማዊ ሳዕቤኑ ኸኣ ብማንካ ኸይጐደሎ ከም ባርዕ ጫካ ገሃጽሃጽ እናበለ ይጽበይ ዘሎ። ነብዪ ዳዊትን ሃዋርያ ጳውሎስን፡ ነዚ ሰራም ሳዕቤን ናይ ኵራ ጽቡቕ ገይሩ ዚእምተልና፡ ሓደ ዓይነት ሓሳባት ጽሒፎምልና ኣለዉ።

ኰይርዩ፡ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ፡ ኣብ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፡ ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎ።ኤፌ 426,27

ኰርዩ ኣይትኣብሱ፡ ኣብ መደቀሲኹም መርምሩን ስቕ በሉን። (ሽሕ እንተ ተቘጣዕኩም ኣይትኣብሱ፡ ኣብ መደቀሲኹም ኴንኩም ድማ፡ ብህድኣት ብዛዕባ (ዘቘጥዓኩም ጕዳይ) ኣዕሚቝኩም ሕሰቡ) መዝ 44 (.+.)

ኰርዩ ኣይትሕጥኡማለት ብኻልእ ኣዘራርባኵራ ናብ ካልእ ሓጢኣት ስለ ዜእትወኩም፡ ኣይትዀርዩማለት ምዃኑ ርዱእዩ። ነፍሲ ወከፍና ብዙሕ ናይ ምዅራይ ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ ኰሪና ኸነብቅዕ በቲ ንሱ ዚወልዶ ሓጢኣት ከይተበላሸና ዝተረፍናላ መዓልቲ ንዘክር። ንጉስ ሰለሞን ንዅራን ቈየቋን ኣመልኪቱ ዝጸሓፈን ክልተ ኣገደስቲ ጥቕስታት ንመልከት።

ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል (ሰብ) ግና ባእሲ የህድእ።.... ምጅማር ቈየቛ መንደቑ ኸም ዝጠሓሰ ቐላይዩ፡ ስለ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሐ (ኸሎ) ካብ ቈየቋ ርሓቕ።ምሳ 1518 1714 .

ኵራ ናብ ቈየቛ፡ ቈየቛ ድማ ናብ ምሕርቃም ስኒ እንተ በጺሑ፡ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዚስዕብ ምሕታት ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂዩ። ኣብ ምሳ 274 ኸኣ፡

ቍጥዓ ጨካንዩ፡ ኵራውን ውሒዝ.....” ኢሉና ኣሎ። ንውሒዝ ምዕጋት ቀሊል ከም ዘይኰነ፡ ኵራውን ብመሰረቱ እንተ ዘይገቲእካዮ፡ ሓንሳእ ምስ ተበገሰ ነቲ ንሱ ዝወለዶ ሓጢኣት ምዕጋስ ቀሊል ኣይከውንንዩ። ስለ ከም ቕዱስ ጳውሎስ፡ኰርዩሞ፡ ሓጢኣት ኣይትግበሩድሕሪ ምባሉ፡

ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። ብዘሎ (ምርረትን) ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባኻትኩም ይርሓቕዝበሎ ቓል ኪዝንጋዕ ኣይግብኦን (ኤፌ 43031) ስለ ኵራ ካብቶም ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህይዎ ሓጢኣት ሓደን ቀንድን ካብ ኰነ ኺርሕቕ ጥራሕ ዘለዎ። መሪሕ ጥቕስና፡ኵራ ጽድቂ ኣየግብርንብምባል ብንጹር ኣፍሊጥናዩ። እምበኣር ብሓጢኣት ኬበላሽወናምበር፡ ጽድቂ ኽንፈርይ ዘየኽእለና እንተ ዀይኑ፡ ፈጺምና ኸነወግዶምበር፡ ሸለል ክንብልን ከነናሕስየሉን ኣይግባእንዩ።

ኵራ ግን ከተርሕቖ ስለ ዝደለኻ ጥራሕ ስቕ ኢሉ ይርሕቀካ ድዩ፧ ንዅራ ኸነርሕቕ ዜኽእለና እንታይ ምስጢር ኣሎ፧ ብዘይ ቃልዓለም፡ ንዅራ ኻባኻ ከተርሕቖ ቀሊል ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ዳርጋ ምሉእ ዕድመና ናይ ኵራ ስልጠናን ልምምድን ዘሎና ሰባት ኢና። ኵራ ኣጸቢቕና እንመልኮ ሓጥእ ሞያ ስለ ዝዀነ፡ ንኸነርሕቖ ልዑል ቈራጽነትን ዕቱብ ተገዳስነትን ይሓትተናዩ። ኵራኻ ናይ ምግታእ ስልጠናን ልምምድን ግን የብልናን። መብዛሕትና፡ አረ ዅላትናውን፡ ንዅራ ዚምልከት መንፈሳዊ ይኹን ስነ ልቦናዊ ትምህርቲ ረኺብና ኸም ዘይንፈልጥ ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂዩ። ስለ ከም ንዅራ ብዘይወግዓዊ ስልጠና ብብዙሕ ልምምድ ዝመለኽናዮ፡ ንምግታእ ርእስኻውን ናይ ግድን ክንለማመዶን ክንመልኮን ይግብኣናዩ። እንተ ወሓደ ነዞም ኵራና ኣብ ምግታእ ዚሕግዙና ኣገደስቲ ነጥብታት ጠቒስናዮም ክንሓልፍ ንኽእል ኢና።

1. ብዛዕባ በደላትን በደልትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተሓሳስባ ኽንሃንጽ ይግብኣና። ምስ ሓጥእ ባህርይ ዘለዎም ሰባት ንነብር ስለ ዘለና፡ በደል ኪበጽሓና ንቡር ምዃኑ፡ ንርእስናውን በደልቲ ምዃንና ኽንዝክር ይግብኣና። ብዛዕባ በደልና እግዚአብሔር ኰነ ሰባት ኪዅርዩልና ከም ዘይንደልይ፡ ንሕናውን ንበደል ሰባት ብዅራ ኽንምልስ ኣይግባእንዩ። ነቲ ጐይታና ኣብ ማቴ 712 (ሉቃ 63) ዝሃበና ወርቃዊ መምርሒ ወርትግ ክንዝክሮን ከነተግብሮን ሓላፍነትናዩ።

2. በደል ሰብ ኣብ ልዕሌና ንዜውርዶ ጊዝያዊ ጕድኣት ዘይኰነ፡ እቲ በደል ኣብ ፈጻሚኡ ዜውርዶ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ብዝያዳ ኼተሓሳስበና ኬስግኣናን ይግብኦ። እዚ ብሱልን መንፈሳውን ኣተሓሳስባዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ቕንኣት (ተሓላቕነት) ገዲፍና፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ብበደሉ ዝተጐድአ ሰብናን ክንግደስን ክንቀንእን ስለ ዚገብረና፡ ነቲ ናይ ኵራ ስምዒትና የህድኦን ናብ ረብሓ ዅላትና የማእዝኖንዩ። እዚ ግብረ መልስና ድማ ነቲ በዳሊና ብዛዕባ በደሉ ኺጠዓስን ይቕሬታ ኺሓትተና ኬተባብዖን ይኽእልዩ።

3. ንኽንቍጣዕን ናይ ቃል ኰነ ግብራዊ መልሲ ኽንህብን ዚድርኸና ርሱን ስምዒት ምስ ዚህልወና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ንርእዮ ዘለና በዳሊና ዘይኰነ፡ ነቲ ዘይንርእዮ ግን ከኣ ኣዒንቱ ተኺሉ ዚዕዘበና ዘሎ ኣምላኽ ክንዝክር ይግብኣና። ኵሉ በደላት ንኺጐድኣና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንረብሓና ንኼዐውተና ዝመጸ ዕድልን ሓለፋን ምዃኑ ኽንዝክር ይግባእ። በደላት፡ ትዕግስቲ፡ ምሕረት (ይቕረ ምባል) ፍቕሪ፡ ሰናይ ሕልና ንኸተርእይ ወርቃዊ ዕድላት ዚፈጥረልካ። ስለ ብዝተበደልና መጠን ንፍቓድን ባህግን ናይ ሰይጣን እነገልግል ባሮቱ ኸይንኸውን ንጠንቀቕ። ትዕግስትን ምሕረትን ፍቕርን ወዘተን ተሓሲምካ፡ ቍጥዓን ባእስን ጽልእን ቂምታን ወዘተን ምምራጽ፡ ወርቂ ደርቢኻ ጐሓፍ ምልዓል፡ ድሕነት ደርቢኻ ጥፍኣት ምልዓል ዚዀነና። ይስሃቅ ንደፈንቲ ዔላታቱ፡ ዮሴፍ ነቶም ዚጸልእዎ ኣሕዋቱ፡ ዳዊት ንሳኦል፡ እስቲፋኖስ ንቐተልቱ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ብዙሕ ክንመሃረሉን ክንስዕቦን ዚግብኣናዩ። ብዓብዪ ኸኣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣርኣያታት ዚስራዕ ጐይታና ኣሎ (1ጴጥ 220-24 .) እቲ ኣብ ስብከታቱ ዝገለጾ ኣብ ማቴ 521-24,38-48 71-5 1815-17,21-35 ዚርከብ ንበደላት እነመሓድረሉ መምርሒታትውን ክንጥቀመሉ ይግባእ።

ስምዒት ኵራ፡ ነቲ ናይ ኣእምሮኻ ናይ ምምዝዛን ዓቕሚ ኣዝዩ ዚሃስዩ። ቃላትካ ዀነ ተግባርካ ብምስትውዓል ክትመርሕ ኣየኽእለካንዩ። እቲ ኣቐዲምና ኣብ መዝ 378 . ዘንበብናዮ ቓል ንዘክር። ናብ እከይ ጥራሕምበር ናብ ሰናይ ኣይመርሕን፡ ኣየብጽሕን ከኣዩ። ሊቀ ነብያት ሙሴ፡ ብዛዕባ ዓቕሉ፡ እግዚአብሔር፦

“.... ሙሴ ግና፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።” ብምባል ዝመስከረሉ ሰብ ዝነበረ (ዘሁ 123) እቲ ሕሱምን መዕዘምዘምን ህዝቢ እስራኤል ግና፡ ንዓቕሉ ጸንቂቖም ናብ ኵራን እንጽርጽሮትን ኣብጽሕዎ (ዘሁ 1110-15) ድሕሪ ኻልእ ተደጋጋሚ ምጕርምራማት፡ ዘይተደላዪ ዘረባ ኽሳዕ ምዝራብ ኣብጽሕዎ፡ ብሰሪ ዘረባዚኣ ድማ ንሱን ኣሮንን ናብ ከንኣን ከይኣትው ተፈርዶም (ዘሁ 202-13) ነቲ ናይ ዅራ ሳዕቤን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ፦

ኣብ ማይ መሪባ ድማ (ንእግዚአብሔር) ኣዀረይዎ። ሙሴውን ብሰሮም ተጐድአ። ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 10632,33) እዚ ብዓቕሉ ዝተመስከረሉ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ብሰንኪ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዅራ ኽንድ ዚኣክል ካብ ተጐድአ፡ እዞም ንዅራ ኸም ቅዲ ህይወት ወሲድናዮ፡ ዘመንና ምሉእ ኣብ ኵራ ተኣሊኽና ንነብር ዘለና ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኪጐድኣና ማለትዩ፧

እምበኣር ንዅራ ብዚምልከት ከመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ካብ ለካሚና ዝዀነ ሰይጣናውን እንስሳውን ባህርይ ርእስና ነንጽህ። ኣሰር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣሰር ኵሎም ዕዉታት ቅዱሳንና ንሰዓብ። ነዚ ናይ ኣረጊት ሰብ ባህርይ ዝዀነ ዅራ ምስናይ ግብሩን ፍሪኡን ካባና ቐንጢጥና ንደርብዮሞ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናዮን፡ ዳግማይ ብመንፈስ ቅዱስ እንጽገዎን ንዅራ ደንጐይቲ ዚገብረና፡ ናይ ብክርስቶስ ዝተሓደሰ ናይ ሓድሽ ሰብ ባህርያት ንልበስ (ኤፌ 420-24)!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

22 ጥቅምቲ 2023 | ጥቅምቲ 11, 2016 ግዕዝ (6 ሰንበት: ቊ.፮/6)

ምስባክ

 መዝ.፻፲(፻፲፩)፡፬-፭

“መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።”

“ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 11፡13-28

ዲያቆን

ያእ 1፡9-21

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 7፡23-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 20፡1-16

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝሙር፦ ወመኑ መሐሪ ዘከማከ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div