S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍቓዱ ምግባር ብልዐይ’ዩ (7ይ ሰንበት: ቊ.፯/7, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

 ኢየሱስ ከኣ፡ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣሎኒበሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንሓድሕዶምሰብዶ ዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ብልዐይሲ ፍቓድ ናይ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) ምግባር፡ ዕዮኡውን ምፍጻም” (በሎም)”  ዮሃ 432-34 .

እዚ ቕዱስ ዕለትዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዘመን ጽጌዩ። ደጊም ክልተ ሰናብቲ ናይ ዘመነ-ጽጌየን ዚተርፋና። ናይ ሰንበት መዝሙር ቅዱስ ያሬድበጊዜሁ ኀለፈ ክረምትዘርእስቱ ዀይኑ፡ ዘመን ክረምቲ ሓሊፉ ኣብ ምህርትና እንእክበሉ ዘመን ቀውዒ ኸም ዘለና ኣስተውዒልና፡ ብዛዕባ ዘሕለፍናዮ ኽረምቲ ንኣምላኽ ከነመስግን ዚድርኸናዩ። ካብቶም በዚ መዝሙር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እቲ ናይ ዮሃ 434-42 ንባብ ቅዱስ ወንጌልዩ። ኣብ ንባባ ድማ፡ እዚ ኸም ምንጪ ኣርእስትና ተጠቒምናሉ ዘለና መሪሕ ጥቕስና ይርከብ።

ብፍቓድ ርእሱ ተመሊኹ ደስ ከም ዝበሎ ዀይኑ ንዚመላለስ ሰብ፡ እዚ ሓሳብ ኣዝዩ በዳሂዩ። እዛ ግእዝቲ ምድሪ ዘርኢ ተቐቢላ ማይ ዝናም ሰትያ ካዕበት ከም ዝፈረየትልና፡ ንሕና ህያዋን ግራት ናይ ኣምላኽ ድማ፡ በቲ ኣብ እዝንናን ልብናን፡ ዝተዘርአ ቓል፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ሚእትን ሱሳን ሳላሳን ክንፈርይ ልዑል ትጽቢት ዚግበረልና (ማቴ 133-23 1ቈረ 39) ነቲ ንባብና እንተ ኣቕሊብናሉ፡ ልክዕ ከም መዝሙርን ከም ምስባክን፡ ብዛዕባ ዘርእን ፍረን፡ ማለት ብዛዕባ ክረምትን ቀውዕን ዚዛረብ። ብዛዕባ ብልዒ ኣብ ዝተዘራረቡሉ ኣጋጣሚ፡ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ብልዒ ኣሎኒእንተ በሎም፡ንሕና ዘይንፈልጦ ደኣ፡ እንታይ ዝዓይነቱ ብልዒ ዀን ሃልይዎዩ፧ኢሎም ኣብ ክንዲ ዚሓትቱ፡ሰብዶ ዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ኢሎም ሓሰቡ። ሰብሞ፡ ካብ ንሳቶም ዚፈልጥዎን ዜምጽእዎን ምግቢ፡ ካልእ ዝተፈልየ ምግቢ ኼምጽእ ኣይክእልንዩ። ዝተፈልየ ምስጢር ይዛረብ ከም ዘሎ ኼስተውዕሉ ግና ይግብኦም ነይሩ።

እንደገና ድማ ብዛዕባ ወቕትታት ዝነበሮም ፍልልይ ጐይታ ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ብዛዕባ ናይ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ወቕትታት፡ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ፍልልይ ኪህልወካ ኸቢድዩ። ጐይታቀውዒ ኣትዩእናበለ ኸሎ፡ ንሳቶም ግናገና ኽረምቲውን ኣይጀመረንይብሉ ነበሩ። ክንድ ዚኣክል ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ኪህልዎም ፈጺምካ ዘይትጽበዮዩ። እዚ ፍልልይ ዚፈጥሮ ዝነበረ፡ ንሱ ብዛዕባ ሰማያውን መንፈሳውን ጉዳያት ኪዛረብ ከሎ፡ ንሳቶም ብዛዕባ ስጋውን ምድራውን ጕዳያት ጌሮም ይርድእዎ ምንባሮምዩ። እዚ ዝርርብ ብዛዕባ ምድራዊ ወቕትታት ዘይምዃኑ ርዱእዩ። ንሱ ብዛዕባናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረይዛረብ ነበረ (ዮሃ 436-38) ናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ድማ ብምድራዊ ዘራእቲ ዘይኰነስ፡ ብዘራእቲ ወንጌል ዚርከብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ጐይታና፡ህዝቢ ብወንጌል ናብ ኣምላኽ ዚእከበሉ ጊዜ ኣኽሊዩ፡ ንስኻትኩም ግና ገና ትብሉ ኣለኹምዚብል መልእኽቲ ዝሃቦም። ድሕሪ ድማ በብኽልተ ገይሩእኽለይ ኣክቡለይኢሉ ለኣኾም (ማቴ 105-15) ቅድሚኡ ግና ነቲ ናይ ዓጺድ ተልእኾ ድልው ልቢ ምእንቲ ኺህልዎም፦

እቲ እኽሊ ብዙሕዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደትዮም፡ ስለ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ።” ኢሉ ተዛረቦም (ማቴ 936-38) ኣብ ሃዋርያዊ ተልእኾም ኺዕወቱ እንተ ዀይኖም ግን፡ ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ፍቓድ ናይ ዝለኣኾም ኣምላኽ ምግባርን ዕዩኡ ምፍጻምን ከም ብልዖም፡ ከም ብህይወት ንምንባር ዜድልዮም መሰረታዊ ድልየት ጌሮም ናብ ምርኣይ ኪዓብዩን ኪበስሉን የድልዮም ነበረ፡ ሰብ ምግቢ ተመጊቡ ኸም ዚዓግብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዕዮ ኣምላኽ ብምፍጻሙ ሓለፋኡ ዘይዓግብ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱን ኣገልግሎቱን ዕዉት ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ከም ዝበለ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ከነማዕብል ድማዩ፡ እዚ ወርቃዊ ኣርእስቲዚ፡ ኣብ ኽቡር ዕለተ ሰንበት ክንመሃሮ ተዳልዩልና ዘሎ።

ፍቓድ ኣምላኽ ግን እንታይ ማለትዩ፧ ብሓፈሻፍቓድ ኣምላኽ ማለት፡ እቲ እግዚአብሔር ንሕና ኽንገብሮን ክንኰኖን ክንሓልፎን ዚደልየና ዅሉኢልና ኽንትርጕሞ ይከኣልዩ።ፍቓድማለትድልየት፡ ባህጊ፡ መደብማለትዩ። እቲ ተፈጺሙ፡ ተማሊኡ፡ ተተግቢሩ ኽትርእዮ እትደልይ ኵሉ፡ ፍቓድካዩ። ህያው ዘበለ ዅሉ ፍጥረት፡ ከከም ደረጃ ፍጥረቱ፡ ከከም ዓቕሙ ነናቱ ፍቓድ ኣለዎ። ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣብ ሰማይን ዘለዉ ዅሎም ፍጥረታት፡ ፍቓድ ኣለዎም። ብህይወት ኪነብሩ ፍቓድ ኣለዎም። ካብ ምንባር ኪዕንቅፎም ካብ ዚደልይ ሰብ ይኹን እንስሳ፡ ወይ ይሃድሙ ወይ ድማ ይገጥሙሉ። ኪምገቡ ኺጸግቡ ፍቓድ ኣለዎም። ስለ በቲ ዝተዋህቦም ዓቕምን ጥበብን ምግቦም ኪምእርሩ ይወፍሩ። ገሊኣቶም እንስሳታት ተገሪሖም (ተዓሊሞም) ፍቓዶም ገዲፎም ንፍቓድ ሰብ ኬገልግሉ ዚኽእሉዮም፡ ገሊኦም ግን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ኺግዝኡ ዘይደልዩን ዚጻብኡንዮም። እዞም ንሕና ንጥቀመሎም ተገራሕቲ እንስሳ-ዘቤት፡ ፍቓዶም ንፍቓድ ወናኒኦም ኬግዝኡ ዚኽእሉዮም። ካብ እንስሳ ዘቤትኣይግዛእንኢሉ ዚኣብይ ክናብ ፍጥረትውን ኣሎ። ይኹን ደኣምበር እንሳሳታት ብዛዕባ ፍቓዶም ተሓታትነት የብሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ድማ ኣይቀርቡንዮም። ፈራዲኦምን መሓሪኦምን ሰብዩ።

ደቂ-ሰብ ድማ ደረጃ ፍጥረትና ኻብ ናይ እንስሳታት ልዕል ዝበለ (እዮ 3510,11) ካብ ናታቶም ሕይል ዝበለ ናይ ፍቓድ ዓቕሚ ኸኣ ኣሎና። እግዚአብሔር ድማ ብደረጃ ዓቕምና፡ ናይ ፍቓድ ነጻነት ሂቡ ዝፈጠረና ኢና (መክ 119 ዘዳ 3019) ብዛዕባ ፍቓድናን ብዛዕባ ዝገበርናዮ ዅሉን ግን፡ ልዑል ተሓታትነት ኣሎና። ናይ ህይወት ተልእኾና ድማ ብልብና ፈቲና ፍቓድና ንፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝእ ምኽኣልናዩ። ነዚ ተልእኾና ኸም ዚግባእ ምስንፍጽም፡ ኣብ መዓልቲ ሓተታ ወይ መዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ንቕበል።ፍቓድና ኣይነግዝእንኢልና፡ ንርእስና ኸም ኣማልኽቲ ቘጺርና፡ እንተ ሓከልናን እንተ ኸነብናን ግን፡ ካብኡ ፍዳና ንቕበል። እዚ ናይ ነጻ ፍቓድ መሰል ዝተዋህበናምበኣር፡ መፈንጠራ ኪዀነና ዘይኰነስ፡ ብፍታውና ንፍቓድና መስዋእቲ ብምግባር፡ ናብ ሰማያዊ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኽንጽንበርዩ። እዚ ዕድል ንኣና ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ንዝተፈጠርና ክቡራት ፍጥረትምበር፡ ንእንስሳ ዀነ ንዝዀነ ኻልእ ፍጥረት ፈጺሙ ኣይተዋህበን።

እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ዝኸበረን ልኡላዊ ፍቓድ ዘለዎ ግና እግዚአብሔርዩ። ፍቓዱ ዅሉ ጊዜ ሰናይ፡ ጻድቕ፡ ቅዱስ፡ ፍጹምዩ። ኵሉ ዚፈልጥ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ መንቅብ ኪወጾ ዘይክእልንዩ። ኵሉ ጊዜ ሰናይ፡ ሕያዋይ፡ ፈቃር፡ መሓሪ ስለ ዝዀነ፡ ንረድኣዮ ኣይንረድኣዮ፡ ፍቓዱ ዅሉ ጊዜ ጽቡቕዩ። ብርግጽ፡ ካብ ጽቡቕ ዚብሃል ናይ ሰብ ፍቓድ ዝተፈልየን ዘይሳነይን ኪኸውን ይኽእልዩ። ሰብ ንናይ ኣምላኽ ፍቓድ ኪምርምሮን፡ ጽቡቕ ወይ ክፉእ እናበለ ኪድርጆን ኪፈርዶን ኣይክእልንዩ። ከምኡ ንኺገብር፡ ልክዕ ከም ፈጣሪኡ እቲ ዘይውረስ መለኮታዊ ባህርያት ገንዘቡ ዝገበረ ኪኸውን ኣለዎ። ማለት ኵሉ ዚኽእል፡ ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ዘለኣለማዊ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኪግምግምን ኪመዝንን ዜኽእሎ ዝዀነ ዓይነት ብቕዓት የብሉን። ስለ ነቲ ልኡላውን ሰናይን ቅዱስን ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታውን ብምልኣትን ተኣዚዙ ኻብ ኣምላኽ ዓስቡ ተቐቢሉ፡ ኣብ ሓጐስን ክብርን ናይ ፈጣሪኡ እንተ ተጸንበረ ዜሕሾ።

ንፍቓድ ኣምላኽከ ብኸመይ ኢናንፈልጦ፧ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምሉኡ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ንእኡ ዚበቅዕን ዚጸውርን ተፈጥሮ የብልናን። እቲ ንሕና ኽንፈልጦን ፈሊጥና ኸኣ ክንፍጽሞ ዝተመደበልና ፍቓዱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝርን ብንጹርን ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ሓቀኛን እሙንን ክርስትያን፡ ንእኡ ብልዑል ተገዳስነትን ተመስጦን ኣንቢቡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብመምህራና ገይራ ኣብ ዘዳለወቶ መኣዲ-ትምህርቲ ተሳቲፉ፡ ብኣፍልጦን ፍቓድን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዳለዉ በብዓይነቶም ጽሑፋትን፡ ብዚስማዕን ብዚረኣይ ተንቀሳቓሲ ፊልምታትን (ኦድዮ-ቪዥዋል) ዝተዳለዉ ትምህርታት ብምክትታል ኪፈልጦ ይኽእልዩ።

ፍቓዱ እንተ ዀይኑ ድማ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፡ ብራእይ፡ ብሕልሚ፡ ብትንቢት ፍቓዱ ኼፍልጠና ይኽእልዩ። ብርግጽ ከምዚኣቶም ዝበሉ ምግላጻት በኣምሮ ሰብ ኰነ ብሰይጣን ኪትምየኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ብልዑል ጥንቃቐን ፍርሃትን ኪተሓዙ ዚግብኦምዮም። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ስራሑ ስለ ዘይበዀረ፡ እዚ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ፡ ኣብ ዘመንና በጺሑ ኸም ዘቋረጾን፡ ሕጂ ብእኡ ይጥቀም ከም ዘየለ ምሕሳብን ምዝራብን ግን፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ኣምላኽ ዚፍጸም ድፍረታዊ ኣበሳ ዚኸውን።

ብዘይካ ንዅላትና ዝተገልጸ ዅላትና ኽንእዘዞ ዝተዋህበና ፍቓድ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጸሙ ሓያሎ ገጻት ናይ ህይወት ኣለዉና። ከም ኣዘራርባ ሰብ እንተ ተዛሪብና፡ ገሊኦም እወታውያን፡ ገሊኦም ከኣ ኣሉታውያንዮም።ኪዀኑልና ንደልዮምን ዘይንደልዮምንምባልምበር፡ ኣብ እግዚአብሔር ኣሉታዊ ወይ ዘይጽቡቕ ፍቓድ ዚበሃል ፈጺሙ የልቦን። እቶም እወታ እንብሎም መርዓ፡ ውላድ፡ ጥዕና፡ ሃብቲ፡ ኣሳልጦ፡ ዕብየት፡ ሰላም፡ ምዕባለ ወዘተ የጠቓልሉ። ኣሉታ እንብሎም ከኣ ሕማም፡ ማእሰርቲ፡ ውግእ፡ ድኽነት፡ ሞት፡ ስድደት ወዘተ ዝኣመሰሉዮም። ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ነገር ኣብ ህይወትና ኸም ዘይበጽሓና፡ ርጉጽን ውዱእን ሓቂ (ማቴ 1029,30) እንታይ ከም ዚገጥመና፡ መዓስን ክሳዕ መዓስን ምዃኑ ወዘተ ግን፡ እግዚአብሔር ብጽቡቕ ምኽንያት ፈትዩ ብሕያውነቱ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኣየድልየናን ከኣዩ። ናትና ሓላፍነት ነታ ብልኡላዊ ፍቓዱ ዝመደበልናን ዘውረደልናን ውህብቲ ዅነታት፡ በቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ፍቓዱ መሰረት ጌርና፡ ነታ ዅነታትና ብጽድቂ ኸነመሓድራ ጥራሕዩ። እዚ ድማ ካብ ንፍቓድ ኣቦኡ ምግቡ ዝገበረ ፍጹም ኣርኣያና፡ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ንመሃሮ (ማቴ 2639-44)

ንፍቓዱ ብልዕኻ ምግባር ማለትከ እንታይ ማለትዩ፧ መልእኽቱ ኣዝዩ ንጹርዩ። ሰብ ብዘይ ብልዒ ፈጺሙ ብህይወት ኪነብር ኣይክእልንዩ። ስለ ብልዒ ንወዲ ሰብ ናይ ህላዌኡን ናይ ቀጻልነቱን መሰረትዩ። ይትረፍ ምግቢ ፈጺሙ ተሳኢኑ፡ እንተ ተዋሒዱ ጥራይኳ፡ ከመይ ከም ንናወጽን ንሓድሕድና ኸይንባላዕ ከም ዜስግእን ንፈልጥ ኢና። ብሰሪ ጥምየት፡ ደቀንን መዳሕንተንን ዝበልዓ ኣዴታት ከም ዘለዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተሪኹልና ኣሎ። ምእንቲ ሓላፊ ብልዕን ሓላፊ ህይወትን፡ ሰብ ክንድ ዚምጠጥን ኣርሒቑ ዚኸይድን እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ንዘለኣለም ዜንብር ፍቓድ ናይ ዘለኣለማዊ ኣምላኽከ ደኣ፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ኪህልዎ ይግባእ ማለትዩ፧ ስለ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ካብ ብዛዕባ ብልዒ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ኪግለጽ ብዘይክእል ዕጽፍታት ኣዝዩ ዝበለጸን ዝዓበየን ኪኸውን ይግባእ። ካብ ኣርባዕተ ሰዓታት ንላዕሊ ንዘየገልግል ምግቢ፡ ከመይ ጌርና ኻብ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ዝዀነ፡ ንዝፈጸምዎ ኸኣ ዘለኣለማዉያን ዚገብር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብሊጽና ኽንርእዮ ንኽእል፧ ከም ዝዓይነቱ ድኹም ኣተሓሳስባ፡ ንእግዚአብሔር፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ኣብ ገጹ ኸም ምጽፋዕ ዘቝጽር ውርደተኛ ኣተሓሳስባዩ። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ ዚኣምን ክርስትያን ሰብ፡ ናብ ከም ዝበለ ኣጋንንታዊ ባህርይ ኪወድቕ ኣይግብኦን፡ ኣይምጥኖን ከኣዩ። እግዚአብሔር ንገሃስትን ረገጽትን ናይ ልኡላዊትን ቅድስትን ፍቓዱ፡ ኣዝዩ ብዜስክሕን ዕረፍቲ ብዘይብሉ ዘለኣለማዊ ስቓይን ሕነ ዚፈድየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ስለ ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ነዛ ክርስቶስ ጐይታና ዝበላ፡ ንሎሚ ድማ ምንጪ ትምህርትና ጌርናያ ዘለና መሪሕ ቃል፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ዘይትዕጸፍ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይትኣትው መትከልናን መምርሒናን ቋንቋ ናይ ልሳንናን ክንገብራ ይግብኣና።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኸም ፍቓድ ርእስና ዝዓንደርናሉ ናይ ዕብዳን ዘመን ንስሓን ምሕረትን ሂቡ፡ ኣብ መጻኢ ህይወትና ግን በዛ ንሱ ብቓልን ብግብርን ዘርኣየና መገዲ ንኽንመላለስ ኬለብመናን ኬቅንዓናን ኢሉ ስጋና ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኰይኑን ዝተጋህደ። እቲ ብዛዕባ ፍቓድ-ርእሱን ፍቓድ ኣቦኡን ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ዅሉ ቓላት ኣዝዩ ዜስተንክርዩ።

ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልንየ። ፍቓድ ናይ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን .....” ዮሃ 530

ኣነ ፍቓድ ናይ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን፡ ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።ዮሃ 638

ንሱ ......ተምበርኪኹ፡ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ (ናይ ውርደትን ናይ ሞትን) ጽዋእዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹንእናበለ ጸለየ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ሕማቕ ፍቓድ ስለ ዝነበሮዩ፡ ክሳዕ ክንድ ንፍቓዱ ኣንኢሱ ንፍቓድ ኣቦኡ ዘዕበየ፧ ካብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ብዋላ ሓንቲ ዘይንእስ፡ ብዅለንተናኡ ምስ ኣቦ ሓደን ማዕረንዩ። ነዚ ዚጠምይ፡ ዚጸምእ፡ ዚደክም፡ ዚመውት ስጋና ለቢሱኳ፡ ካብ መለኮታዊ ባህርዩን ክብሩን ፈጺሙ ኣይጐደለን። በቲ ናይ ልሳኑ ቓል ኰነ ብዅሉ ግብርታቱ ፍጹም ኣርኣያና ዀይኑ ንኣና ናብ ቀልብና ኺመልሰና ኢሉምበር፡ ሕማቅ ፍቓድ ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። ንሕና ግን ካብ ጽቡቕና ኽፉእና ዚበዝሕ ደቂ ኣበሳ ኽነስና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ካብ ግዕዙይ ፍቓድ ርእስና ኣትሒትና ኽንርእይ ምድፋርና፡ ኣብ ስፍራ ድሕነትን ቅድስናን ቌምናኳ፡ ገና ኻብ ጥፍኣት ከም ዘይንርሕቕ ይገብረና ኣሎ። ካብ ጥፍኣትዚኣ እንኮ መዋጽኦና፡ ነዛ ጐይታና ብግብሪ ዘርኣየና ቅድስትን ቀዳሲትን ምርጫ ምልዓልን ምትግባራን ጥራሕዩ።

እዚ ብጐይታና ዝተባህለን ዝተተግበረን ምርጫዚ፡ እምበርዶ ብደረጃ ሓጥእን ውዱቕን ሰብ ኪትግበር ዚኽእልዩ፡ ኪጥቀስ ዚኽእል ኣርኣያኸ ኣሎና ድዩ፧ ክንደይ ብዙሕ ደኣ!! እዞም ኵሎም ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ኣገልገልቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምዃን ክሳዕ ሞት ርእሶም ዝወፈዩ ዕዉታትዮም። ኵሎምቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ፡ ንኣምላኽ ዘስመሩ ቕዱሳን ንዕልወትና ምኽንያት ዚኸልኡን፡ ንምእዛዝ ድማ ዜተባብዑናንዮም። እቶም ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን በብስሞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዅሎም፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከም ዕለታዊ ምግቦም ዝረኣዩ ንፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ህይወቶም ዘኽበሩዮም። ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ዮሴፍ፡ ሙሴ፡ እያሱ፡ ሳሙኤል፡ ዳዊት፡ ኤልያስ፡ ኤልሳእ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ኣቦታትና፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣርኣያኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብድሙቕን ፍሩይን ፊደላት ሰኒዱልና ኣሎ። ብፍላይ ነቦና ቕዱስ ዳዊት ኣመልኪቱ፡ ዝተዋህበ፦

“......እግዚአብሔር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ (ረኺቡስ) ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ።” ዚብል ምስክርነት ኣዝዩ ዓብዪ (1ሳሙ 1314) ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ቕዱስ ዳዊት ዝሃቦ ምስክርነትውን ግሩምዩ።

“......ንዳዊት ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣተንስኣሎም። (ብዛዕባ ዳዊት ከኣ)ዳዊት ወዲ እሰይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ፡ ዝኸም ልበይ ረኸብኩኢሉ መስከረሉ። ..... ዳዊት ኣብ ዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱውን ተጸምበረ።ግብ 1322,36

እምበኣር ንሕናውን፡ ብድኻም ስጋና ኸየመኽነና ነዚ ድሙቕ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኵሎም ቅዱሳትን ኣርኣያ ንኸተሎ። ንፍቓድ ኣምላኽ ዚምልከት ዝተዋህበና ተስፋታት መጠንቀቕታን ኣዝዩ ብዙሕዩ። ንእኡ ኣንቢብና፡ ኣብ ልብና ዓቝርና ንመርሓሉ። ገዛእ ፍቓድና ንዒቕና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ምግብን ልዕሊ ህይወትን ኣኽቢርና ንምርኣይ ንጠቐመሉ (ማቴ 721 1249,50 2110-14 2214,15 ሮሜ 122 ቈሎ 412 ኤፌ 517 1ተሰ 43-5 እብ 1036 1320,21 1ጴጥ 419 1ዮሃ 217 514)

ንፍቓዱ ተኣዚዝና ንኸነኽብሮ፡ እግዚአብሔር ዚገብረልና ረድኤት እንታይ ይመስል፧ ካባና ንላዕሊ ንፍጥረትና ኣጸቢቑ ዚፈልጦ፡ እቲ ፈጣሪናን ኣዛዚናን እግዚአብሔር ባዕሉ ስጕምትና ኸነቕንዕ፡ ፍቓድ ርእስና ኽንንዕቅን ክንስዕርን ዘይንኽእል ምዃንና ይርዳእዩ። ጐይታናውን ኣግሂዱ፡ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምኢሉና (ዮሃ 155 ኤር 1023 መዝ 7839 10314) ስለ በቲ ንድኻምና ኺድግፍ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ መቕደሱ ዝገበረና መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዘየባትኽ ሓገዝ ይገብረልና (ዮሃ 1415-17 167-15 ሮሜ 826) ንእኡ ንምኽባር ዜድልየና ዅሉ ጸጋን ሓይልን ምርሒትን ብዘይስፍሪ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዚህበና። ኵሎም ቅዱሳን ድማ ነዚ ሓቂ ተኣሚኖሙሉዮም (መዝ 1830-33 271 328 461-3 ግብ 2622,23 1510 ፊል 411-13)

እግዚአብሔር ግን ነቶም ብጸሎት ዚሓትዎን ብምሉእ ልቦም ዚውከልዎን ዚድግፍ። ነቶም ብዓቕሚ ስጋኦም ዚወከሉ፡ ብዘይ ፍቓዶም ብምሃብ ንጸጋኡ ኣየሕስሮንዩ። ስለ እቲ ፍቓድ ስጋኡ ስዒሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ኬኽብር ዚደልይ ኵሉ ሓቀኛ ክርስትያን፡ ብምሉእ ልቡ ኣብ እግዚአብሔር ኪውከል ይግብኦ። ንትውክልቱ ድማ ብዘየቋርጽ ናይ እምነት ጸሎት ኪገልጾ የድልዮ። ንእግዚአብሔር ብጸሎት ኬዛርቦ ዘይግደስ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ይትረፍ ከም ምግቡ ኪቘጽሮ ከም ቍምነገር ገይሩ ኸም ዘይርእዮ ግሁድ መርኣያዩ። ሓደ ኻብ ኸነኽብረሉ ዚግባእ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ፡ከየባተኽኩም ጸልዩ ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ከይቀበጽኩም ኵሉሳዕ ጸልዩ ብዚብል ቃላት ገሊጹልና (ሉቃ 181 ሮሜ 1212 1ተሰ 517)

እቲ ዝዓበየ እግዚአብሔር ዚገብረልና ደገፍ ግና ብደም ቅዱስ ወዱ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንስሓን ሰናይ ሕልናን ምሃቡዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ረጊጽካ ፍቓድ ርእስኻ ምኽባር፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳዩ። ነዚ ገበን ፈጺምናዮ ኸነብቅዕ፡ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ዄንና ስቕ እንተ በልና፡ ንኽብደት ኣበሳና ንውስኸሉ ኸም ዘለና ግሁድዩ። ከም ዝዓይነቱ ባህርይ፡ ናይ ቃኤል ዝዓይነቱ ደረቐኛ ባህርይዩ። ነቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምጕሃይ ሓቀኛን ዘይጠዓሱሉ ንስሓ ዚኣትዉ ግን፡ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ንስሓን ምሕረትን ጸግይዎምዩ። ስለ ነቲ ምእንቲ ምሕረትናን ድሕነትናን ዝተሰርዓልና ምስጢረ ንስሓ ከየባተኽና ኸነዘውትሮ ይግብኣና።

ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ደም ክርስቶስ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብሪ (ካብ ሓጢኣት) ኬጽርይ ዚኽእል (እብ 914) ንፍቓድ ኣምላኽ ከይነኽብር ዚዕንቅፈና ዘሎ ድማ እቲ ዝተበከለ ርኹስ ሕልናናዩ። ነቲ ንሕልናና ሓጺቡ ናብ ሰናይ ሕልና ዚልውጥ ደም ክርስቶስ ድማ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ኢና ንረኽቦ። ስለ ነዞም ንድሕነትና ዝተሰርዑልና ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን እናፈጸምና፡ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ዜኽእል ጸጋ ንቀበሎ፡

እምበኣር ርእስና ንመርምርሞ፡ ምርጫናን ታሪኽና ነሕውይ። ብስሰዐ ደድሕሪ ሓላፊ ምግቢ ጥራሕ ዝዀብለልናሉ ዝሓለፈ ዘመን ድንቍርናን ዘመን ዕብዳንን ይኣክል፡ የብቕዕ ከኣ። ልክዕ ከም ጐይታናን ከም ኵሎም ቅዱሳኑን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ መዳርግትን መተካእታን ዘይንደልየሉ ምግብና ንግበሮ!! እታ ኣብ ሰማይ ዝተሰርዐት ልኡላዊትን ቅድስትን ፍቓዱ፡ ብኣና ኣብ ሓላፊትን ዓመጸኛን ዓለም ይፈጸም (ማቴ 610) ፍቓድ ስጋ ነውርና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ግና ክብርና ንግበር!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

29 ጥቅምቲ 2023 | ጥቅምቲ 18, 2016 ግዕዝ (7 ሰንበት: ቊ..፯/7)

ምስባክ

 መዝ. ፺፩(፺፪)፡፲፪,፲፫

“ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ። ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ። ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”

“ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 4፡1-11

ዲያቆን

ያዕ 2፡5-14

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 4፡31-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 4፡34-42

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝሙር፦ በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div