S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ (8ይ ሰንበት: ቊ.፰/8, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

እቲ ዚጣራጠርሲ ኸም ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ ዚመስልሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነንሞ፡ እቲ ኸም ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።ያእ 16-8

እዚ ዕለት ሓምሻይ ሰንበት ናይ ንሓልፎ ዘለና ዘመነ-ጽጌ (8ይ ሰንበት ናይዚ 2016 ዓመት ግዕዝ)ዩ። ኣብ ሰንበት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰንበት ዝተዛረቦ መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙርዩ። ሰንበት፡ ክርስቶስ ብስጋ ኸይተገልጸ ኸሎ ኣብ ዘመን ነብዪ ሙሴ ዝተሰርዐዩ። ኪስራዕን ኪሕገግን ከሎውን ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድዩ። ኪስራዕን ኪሕገግን ከሎውን ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድ ዝተሰርዐ። ምኽንያቱ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ንዝተገብረ ዅሉ ግብርታት እግዚአብሔር፡ ገባሪኡ ንሱ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዜረጋግጸልና ሓቂዩ።

ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብ ዝዀነ ዘበለ ድማ፡ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል፡ ነዚ ሓቂ ብኣጽንዖት ዜረጋግጸልና (ዮሃ 13) ስለ ምስራዕ ሰንበትውን ብእኡ ዝተገብረ። ቅዱስ ጳውሎስውን ነቲ ኣብ ፍጥረት ኰነ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ብእግዚአብሔር ወልድ ዝተገብረ ዅሉ ደጋጊሙ ዚጠቕሶ።

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚረኣይን ዘይረኣይን፡ ዝፋናት ኰነ ወይስ ጐይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን ዝተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይኑ ኣሎ።ቈሎ 116

ኵላቶምውን ነቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮምሞ፡ እቲ ኸውሒ ኸኣ ክርስቶስ

ካብ ሃዋርያዊ መግለጺታት ኸምንርድኦምበኣር፡ ኣብ ፍጥረት ኰነ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዝተገብረ ዅሉ፡ ገባሪኡ እግዚአብሔር ወልድ ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ኵሉ ሕግታትን ስርዓታትንውን ብእኡ ተሓጊጉን ተሰሪዑን። ንነብዪ ሙሴ ኣብ በረኻታት ሚድያን ብመልክዕ እትነድድ ቈጥቋጥ ተገሊጹ ዝተዛረቦን ዝጸውዖን እግዚአብሔር ወልድ (ዘጸ 32-5) እቲ ሓዊ ናይ መለኮቱ፡ እቲ ቈጥቋጥውን ናይ ዚለበሶ ስጋ ትምእርቲ ዝነበረ። እታ ቘጥቋጥ በቲ ሓዊ ኸይነደደት ብህይወት ከም ዝቘመት፡ እቲ ኸም ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነ መለኮት፡ ኣብ ስጋ ሓዲሩን ተዋሂዱን ኬብቕዕ፡ እቲ ስጋ ኸይጠፍአ ብህይወት ቀጺሉ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ዜመልክት (እብ 1223,24 ኢሳ 532,3) እቲ ንነብያትን ጠቢባንን ጸሓፍትን ዝልእከሎም ዝነበረ፡ ንደቂ እስራኤል ኪእክቦም ዝገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣብ ማቴ 2334-37 ገሊጽዎሎ። እምበኣር ኣብ ብሉይ ኪዳን ብነብዪ ሙሴ ሰንበትን ሕጋጋቱን ዝሰርዐ፡ እግዚአብሔር ወልድ (ዘጻ 208 3115 ዘዳ 512) ስግው-ቃል (Incarnate Logos) ኰይኑ ብኣካል ስጋ ምስ ተገልጸ ድማ ንዅሉ ናይ ሰንበት ምስጢራት ባዕሉን ብቕዱሳን ሃዋርያቱን ዝገለጸልናውን ንሱ (ሉቃ 65 እብ 49-10) ነቶም ንሰንበት ዘይመልክዓ ዘልበስዋ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ነቲ ዚሰምዖ ዝነበረ ዅሉ ኣይሁዳውን፡ እቲ ቕኑዕ ትርጕምን ኣከባብራን ናይ ስንበት ባዕሉ መሃሮም። ሰራዕ ሰንበት፡ ጐይታ ሰንበት ንሱ ምዃኑ ድማ ኣግሂዱ ኣፍለጦም (ማቴ 121-8) ብቕዱስ ጳውሎስ ሃዋርያኡ ገይሩ ድማ፡ ምድራዊት ሰንበት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሰማያዊት ሰንበትውን ኣዳልዩልና ኸም ዘሎ ኣበሲሩና ኣሎ። ነታ ሰንበትቲኣ ኺርእይዋን ኪኣትዉዋን ዚበቕዑ፡ እቶም ንእኡ ዚኣምኑን ዚእዘዙን ምዃኖም፡ እቶም ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ዝመረጹ ግን ናብ ዘለኣለማዊት ዕረፍቲቲኣ ከም ዘይበቕዑ ኣፍሊጡና ኣሎ (እብ 41-11)

ነዚ ናይ ዕለት መዝሙር መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ያእ 11-12 ሃዋርያዊ ንባብዩ። እዚ ንባብዚ፡ ብዛዕባ ክልተ ዝልቦም ሰባት ከቢድ ሃይለ-ቃል ኣቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ክልተ ዝልቦም ሰባት ካብ ጐይታ-ሰንበት፡ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዚቕበልዎ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይብሎምዩ። እዚ ድማ ነቲ ብጸሎት ዚልምንዎ ኣመልኪቱ ዝተባህለዩ። እቶም ሰብ ክልተ ልቢ ነታ ጐይታ ኣዳልይዋ ዘሎ ዘለኣለማዊት ናይ ዕረፍቲ ሰንበት ኣይኪረኽብዋንዮም። ስለ ሳዕቤኑን ሓደጋኡን ከም ዚግባእ ፈሊጥና፡ ብኸመይ ሰብ ማንታ-ልቢ ኻብ ምዃን ከም ንድሕን ክትፈልጥ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እንሆ ትምህርቲ ሰሪዓትልና ትርከብ።

ክልተ ዝልቡእንታይ ማለትዩ፧ ሰብዶ ኻብ ሓደ ልቢ ንላዕሊ ኣለዎዩ፧ ንመን ኢናኸብዓል ክልተ ልቢ” ‘ንብሎ፧ ብርግጽ፡ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ፡ ምስ ደም እትጭንጕዕ፡ ኣብ ኣፍልብና ተሰዂዓ ዘላ፡ ገና ድቂ ኸለና ጀሚራ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ከየዕረፈት እትሰርሕ ናይ ስጋ ልቢ ዝተተሓሓዘ ኣይኰነን። ንሳ እንተ ትኸውንሞ፡ ከምኣ ዝዓይነታ ልቢ ብዘይካ እግዚአብሔር ሰብ ኪሰርሓ ስለ ዘይክእል፡ ኵላትና ሰብ ሓንቲ ልቢ ስለንኸውን፡ እዚ ኣርእስቲ ኣይመድለየን፡ ኣይምሃለወን ከኣ ነይሩ። ስለ እቲ ኣርእስትና ብዛዕባ መንፈስና፡ መንፈሳዊ ልብናን ሕልናናን ኣተሓሳስባናን ዚምልከት ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ኣነጺሩ ንምብራህ ዚጥቀመሉ ናቱ ፍሉይ ኣብነታት ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ፡ናይ ውሽጢ ሰብን ናይ ወጻኢ ሰብንኢሉ ዚገልጾ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማኣረጊት ሰብን ሓድሽ ሰብንኢሉ ዚሰምዮ (ሮሜ 722 2ቈረ 1416,17 ሮሜ 66,7 ኤፌ 421-24 ቈሎ 39-10)ናይ ወጻኢ ሰብዚብሎ፡ ነዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋናዩ።ናይ ውሽጢ ሰብዚብሎ ድማ ነቲ ውሽጣዊ መንፈስና፡ ሕልናና፡ ልብና፡ ኣእምሮናዩ።

ኣረጊት ሰብን ሓድሽ ሰብንዚብሎ ግን፡ ክልቲኡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ሰብና፡ ማለት ንመንፈስና፡ ሕልናና ወዘተ ማለትዩ። እዚ ሕልናና፡ መንፈስና ወይ ውሽጣዊ ሰብና፡ ንኣምላኽ ንጽድቂ ዘይግዛእ፡ ሓጢኣት ጥራሕ ዜፍቅርን ዜዘውትርን ምስ ዚኸውን፡ኣረጊት ሰብኢሉ ይሰምዮ። ብኣንጻሩ እዚ ውሽጣዊ ሰብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዎ፡ ጽድቂ ዜፍቅር፡ ሓጢኣት ዚጽየፍ ምስ ዚኸውን ድማሓድሽ ሰብኢሉ ይጽውዖ። ኣብ 2ቈረ 517

ደጊም ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ብስጋዊ ኣረኣእያ (ወይ ብመገዲ ስጋ) ንሓደ ኣይንፈልጥን ኢና። (ዋላ) ንክርስቶስ ብስጋዊ ኣረኣእያ (ብመገዲ ስጋ) ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለ ሓደ ብክርስቶስ እንተልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረትዩ፡ እቲ ብሉይ (እቲ ኣረጊት ሰብ) ሓሊፉ፡ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኰይኑዩ።ብምባል ግሩም ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። ንዅሉ ነገር ብስጋዊ ኣረኣእያ ንርእይ እንተ ዄንና፡ እቲ ውሽጣዊ መንፈስና ወይ ሕልናና፡ ገና ኣይተሓደሰን ገና ኣረጊት ወይ ብሉይ ሰብ ዘሎ። ናይ ኸም ዝበለ ሰብ ሓሳብ፡ ዘረባ ዀነ ግብሪ፡ ኵሉ ሓጥእ ዚኸውን። ብክርስቶስ ኣሚኑ፡ ኣብ ክርስቶስ ድማ ዚነብር እንተ ዀይኑ ግና፡ ነቲ ሕልናኡን መንፈሱን፡ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ይሕድሰሉሞ፡ ሓደሽ ሰብ ይኸውን። ኵሉ ኣተሓሳስባኡን ኣረኣእያኡን ኣሰራርሓኡን ድማ ናይ ጽድቂ ነገር ጥራሕ ይኸውን። ከመይ ጌርና ካብ ኣረጊት ሰብ ተናጊፍና ሓድሽ ሰብ ከም ንኸውን፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ሃዋርያዊ መግለጺ ትርጕምን ተግባርን ውጽኢትን ናይ ምስጢረ ጥምቀት ብስእላዊ መገዲ ኣነጺሩ ዜብርሃልናዩ።

ስለ ኸም ሓጢኣት ሞት ብምምጻእ ዝነገሰ፡ ጸጋ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪነግስዩ። እሞኸ እንታይ ንበል፧ ጸጋ ምእንቲ ኽበዝሕሲ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር፧ ንሕና ኻብ ሓጢኣት (ብሞት) ተፈሊና እናበልናስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ ሕጂ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር፧ ወይስ እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ብሞቱ ኸም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ከም ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዲስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር (ማለት ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽንከውን) ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን። ..... ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ኣረጊት ሰብ) ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡዩ። ......” ሮሜ 521 61-4,6,7 .

እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ፡ ነቲ (ሓጥእ) ሰብኣዊ ባህርዮም (ነቲ ኣረጊት ሰቦም) ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎዮም።ገላ 524 .

በዚ ሃዋርያዊ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ብሓጢኣት ዚመላለስ ሰብ፡ እቲ ንኣረጊት ሰቡ ምስ ክርስቶስ ዘይሰቐለ ሰብዩ። እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ ድማ ንኣረጊት ሰቡ ሰቒሉ ዝቐተለ፡ ንግስነት ሓጢኣት ስዒሩ ንጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዘንገሰ፡ ሓድሽ ሰብ ዝለበሰ ማለትዩ። ስለ ድማ ኣብ ኤፌ 417-24 ቈሎ 31-10,12-15 ኣረጊት ሰብና ቐንጢጥና፡ ነቲ ሓድሽ ሰብ ለቢስና እንታይ ከነርሕቕን እንታይ ከነዘውትርን ከም ዚግብኣና ንጹር መምርሒ ተዋሂቡና ኣሎ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተ ዀነውን፡ ነዚ ሓሳብ ብዝተፈልየ ኣገላልጻ ኣቐሙጡልና ኣሎ።ናይ እምኒ ልብን፡ ሓድሽ ናይ ስጋንብምባል ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ፦

ሓድሽ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎምየ። ካብ ሰብነቶም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦምየ። ሽዑ ብትእዛዛተይ ኪመላለሱ ንትእዛዛተይ ከኣ ኺሕልውዎን ኪገብርዎንዮም፡” .......”ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ሓጢኣትኩም (ግህሰትኩም) ደርብይዎ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን (ሓድሽ መንፈስን) ኣጥርዩ። ! ህዝቢ እስራኤል፡ ስለምንታይከትሞቱ፧ ኣነ ሓደ ኺመውት ኣይፈትውንሞ፡ ሓጢኣት ምግባር ሕደጉ፡ ብህይወት ድማ ንበሩ፡ ...... ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩምየ። ሓድሽ ልቢ ኽህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ነቲ ዕቡይ፡ ከም እምኒ ተሪር ዝዀነ ልቢ ኻባኻትኩም ከውጽእ፡ ዚእዘዝ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩምየ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ (ቃላይ) ከሐልወኩምን ከግብረኩምንየ።ህዝ 1119,20 1831,32 3625-27 .

በዚ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን መግለጺ መሰረት፡ ብዓል ክልተ ልቢ ዝዀነ ሰብ ናይ ኣረጊት ሰብን ናይ ሓድሽ ሰብን ባህርያት ኬንጸባርቕ ዚፍትንዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ወይ ኣረጊት ወይ ከኣ ሓድሽ ሰብ ጥራሕ ኪኸውን ዚኽእል። ብዓል ክልተ ልቢ እንተ ዀይኑ ግና እቲ ሓቀኛ መንነቱ ናይ ኣረጊት ሰብ ክነሱ፡ ዝተተምየነ ናይ ሓድሽ ሰብ መንነት ኬርእይ ዚጋደልዩ። ከም ዓይነት ሰብ ንስም ኣምላኽ ዜጽርፍ፡ ምስልን ክብርን ናይ ቤተ ክርስትያን ዚድውን ሓደገኛ፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከኣ ፍንፉን ሰብዩ። ስለ ድማ መሪሕ ጥቕስና፡ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎብምባል ዘቕበጸ።

መሪሕ ጥቕስና፡ ነዚ ናይክልተ ልቢሓሳብ ብኸመይ ገሊጽዎ፧ እቲ መበገሲ ሓሳብ፡ ጥበብ ኪወሃበካ ብዛዕባ ምጽላይ ዚምዕድዩ። ክንጽልይን ክንልምንን ከለና ግን ከይተጠራጠርና ብምሉእ እምነት ክንልምን ድማ ተነጊሩና ኣሎ (ማቴ 2121,22 ማር 1122-24) ነዚ ኺገብር ዚኽእል ግን፡ እቲ ብዓል ሓንትን ጥዕይትን ልቢ ዝዀነ ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ብዓል ማንታ ልቢ ግና፡ ኣብ ግናይ ልቡ መሊኡ ዘሎ ምጥርጣርዩ። ስለ ኸም ግቡእ፡ ኪጽልይውን ኣይነበሮን። እታ ኻልኣይቲ ልቡ ግን፡ ዋላ እንተ ዘይረኸበኳ፡ ነቲ ምልማን እንተ ዘየቋረጾ ኸም ዜሕሾ ተእምኖ ምጽላይ ይቕጽል ማለትዩ። ስለ እቲ ዓይነት ናይ ህይወቱ እምብዛ ተገላባጢ ስለ ዚኸውን፡ ጽንዓት የብሉን። ልክዕ ከም ንፋስ ናብ ዝደለዮ ዜላኽዖ ማያት ባሕሪ ዚኸውን። ሰላም ዝረሓቖ ማዕበል ዚበዝሖ ህይወት ይመርሕ ማለትዩ። ልሳናዊምበር፡ ግብራዊ ህይወት የብሉን። ብመልሓሱ ዚብሎ ኻልእ፡ ብግብሪ ዚፍጽሞ ድማ ብኣንጻሩ ይኸውን። ከም ኣብ ሃገርናእግርን ከበሮን በበይኑዚበሃል ዓይነት ምስላ ይኸውን። ህርመት ከበሮን ኵድዳ እግርን ጣቕዒት ኣእዳውን እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ እቲ ዝተተኽለ ጓይላ ፋሕ ብትን ከም ዚኣትዎ፡ ናይ ሰብ ክልተ ልቢ ናብራን ህይወትን ድማ ልክዕ ከምኡዩ። እዚ ዝርጋን ኸኣዩ፡ እግዚአብሔር ንሰብ ክልተ ልቢ ኣዝዩ ኺጽየፎም ዚገብሮ። ናይ ሰብ ክልተ ልቢ ጸሎት፡ ንእግዚአብሔር ጸርፍን ላግጽንዩ። ከም ንመብዛሕትኡ ሰብ ዜታልልዎ፡ ንእኡውን ከምኡ ኼታልልዎ ዚኽእሉ ስለ ዚመሰሎም፡ በቲ ቐንዲ መለኮታዊ ባህርያቱ የላግጹሉ። ፈላጥ ኵሉ ኽነሱ፡ንኣይ ግን ኣይፈልጠንንኢሎም ነቲ ባህርዩ ይኽሕድዎ። በቲ ጸሎት ናይ ምምላስ ዓቕሙን ጽቡቕ ፍቓዱን ኪጠራጠሩ ኸለዉ ድማ፡ ነቲ ኸኣል-ኵሉን ነቲ ሰናይ ባህርዩን ይኽሕድዎ ማለትዩ። መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ዓይነት ወስታ (Gesture) ናይ ብዓል ክልተ ልቢ፡ ኣብ ልዕሊ መንነትን ባህርያትን ናይ እግዚአብሔር ዘተኰረ ኽሕደታዊ መጥቃዕቲዩ። ንኽልተ ጐይቶት ዚግዛእ፡ ናብ ክልተ ወገን ዚሕንክስ፡ ናይ እምነት ኣመንዝራዩ።

ቅዱስ ዳዊት ብዓል ሓንትን ቅንዕትን ልቢ ዝነበረ። እግዚአብሔር ብዛዕባ ልቢ ናይ ባርያኡ ቅዱስ ዳዊት፡ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ዝኸም ልበይ ሰብኣይ ረኸብኩኢሉ ብልዑል ሓበን መስከረሉ (ግብ 1322 1ሳሙ 1314) ቅዱስ ዳዊት ባዕሉውንልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ንገጸይ ድለይዎይብለኒ ኣሎ፡ እግዚአብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።ብምባል መስተንክር ተኣምኖ ሂቡና ኣሎ (መዝ 278) ልቢ ዳዊትሲ ንዳዊት ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ እትውክል ልቢ ነይራ ማለትዩ። እዚ ኣበሃህላ ናይ ሰብ ሓንቲ ልቢ ቛንቋዩ።

መጽሓፍ ቅዱስና፡ ነዚ ናይክልተ ልቢሓሳብ ንምግላጽ ዚጥቀመሉ መለሳ-ቓላት ኣለዎዶ፧ ከምኡ ኻብ ምዃን ደኣ ይባልሃናምበር፡ መለሳ ቓልሲ ብርግጽ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ እቲ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ዜፈንፍኖን ዜቘጥዖን ዝነበረ፡ግብዝነትዚበሃል ሓጢኣትዩ። ጐይታና ብኣዝዩ ዜፍርህ ከቢድ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበሉ ሓጢኣት እንተልዩ፡ ግብዝነትዩ።ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ ናይ መንደላይ ተመን፡ ኣቱም ዕዉራት፡ ኣቱም ደናቍርቲዚብል ቃላት ኣብቶም ግብዝነት ዝመለለዪኦም ፈሪሳውያን የዘውትሮ ነበረ። ናይዞም ግቡዛት ቀንዲ መለለዪኦም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጻድቕ ናይ ሃይማኖት ሰብ መሲልካ ምቕራብያ። እቲ ኣምላኽ ጥራይ ዚፈልጦ ናይ ውሽጢ ሰቦም ግን ዓመጻን ግብዝነትን ዝመልአዩ። ስለ ድማ፡ልቕሉቓት መቓብርእናበለ ይጽውዖም ነበረ (ማቴ 232-7,16-33)

ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳንውን፡ ብቕዱሳት ነብያት ገይሩ፡ ነዚ ሰራም ኣበሳ ናይ ደቂ እስራኤል ይቐልዖ ነበረ።

እዚ ህዝቢ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ። ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕዩ። ንኣይ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገይሮምዮም ዜኽብሩኒ ዘለዉ። ....” ኢሳ 2913

“(ህዝብኻ) ንሓድሕዶም፡እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚአብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ንስማዕይበሃሃሉ ኣለዉ። ስለ ህዝበይ (ንስኻ) እንታይ ከምትብል ኪሰምዑ፡ ናባኻ ዕጕጕ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ከም ዝበልካዮም ኣይገብሩን ኣለዉ። ብኣፎም ፍቕሪ ዝመልኦ ዘረባ ይዛረቡ፡ ብልቦም ግና ህርፋኖም ኬርውዩ ይጐይዩ። ንስኻስ ከም ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚገልጽ ደርፍታት ዚደርፍ፡ ምህራም መሰንቆ ድማ ዚኽእል ሰብ ኰንካዮም። ቃልካ ይሰምዑ፡ ግናኸ ኣይፍጽምዎን።ህዝ 3330-32 .

እምበኣር ክልተ ዝልቡ ግብዝ ሰብ ምዃን ከም ገይሩ ዜበላሽወካ። ኵሉ ኣበሳ ሕሱምን ለካምንሞ፡ ከም ግብዝነት ዚሓስም ግን የልቦን። ምኽንያቱ ኸም ኣዝዩ ልዑል ጥበብን ከም ዝተራቐቐ ብልህነትን ጌርካ ስለትርእዮ፡ ንስሓ ዜድልዮ ሓጢኣት ኰይኑውን ኣይረኣየካንዩ። ይትረፍ ንሰብ ንኣምላኽውን ከተሽክዖ (out smart) እትኽእል ኰይኑ ስለ ዚርድኣካ፡ ንስሓ ኸም ኣጕል ሕመቕ ኰይኑ ዚስምዓካ። እቲ ዕድመኻ ምሉእ ዘይተፈለየካ ዑረትካን ድንቍርናኻን፡ ናብ ሲኦልን ገሃነምን ምስ ተደርበኻ ዚረኣየካ። ኣብኡ ግን ኣስናንካ እናሓርቀምካን መልሓስካ እናሓየኽካን ምንባርምበር፡ ናይ ንስሓ ዕድል ከቶ የልቦን። እቲ ንሳዕቤን ክልተ ልቢ ኣጸቢቑ ዝተረድኦን ኣዝዩ ዘሰክሖን ቅዱስ ዳዊት፡ ከም ዚስዕብ ኢሉ ጸልዩ ኣሎ፦

እግዚአብሔር፡ ቅኑዕ ሰብ ተሳኢኑ፡ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ሰባት ጠፊኦምዮምሞ፡ ኣድሕን። ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፡ ብጠባሪ ኸናፍርን ብኽልተ መልሓስን (ብኽልተ ልብን) ይዛረቡ ኣለዉ።

ምስ ሓጥኣንን፡ ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፡ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትዀንነኒ።መዝ 21-2 283 .

ነዚ ብዓል ክልተ ልቢ ምዃን፡ ከም ጌርና እንተ ዘይፈሪህናዮን እንተ ዘይተጸዪፍናዮን፡ ንመፈጸምታና ብገዛእ ምርጫና ከም ዘይሓውይ ጌርና ኸነበላሽዎ ኢና። ናይ ዕለት ኣርእስትና፡ ካብክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፡ ሕግኻ ግና ፈተኹዚብል ናይ መዝ 119113 ጥቕሲ ዝተወስደዩ። እዚ ኣበሳ ይትረፍ ምስ ኣእምሮናን ቀልብናን እናሃለናን ዓይንና እናረኣናን ኪጠብቀና፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ክንርእዮ ኸለናኳ፡ ንኣታቶም ደንጊጽናሎም፡ ንእኡ ግን ክንጽየፎ ዚግብኣና። እዚ ኸኣ ናይ መንፈሳዊ ጥዕናን ብስለትን መርኣያዩ።

ነዚ ጽዩፍ ኣበሳ መዋጽኦ ይርከቦ ድዩ፧ ንንስሓ ሰብ ክልተኸ እግዚአብሔር ብርግጽዶ ይቕበሎዩ፧ ካብ ሰራም ሕማም ንኽንፍወስ እግዚአብሔር ዚገብረልና ረድኤትከ ኣሎዶ፧ ከመይ ደኣ መዋጽኦ ዘይርከቦ!! ሓጢኣት ክንዲ ዝደለየ እንተ ኸበደን እንተ ዓበየን፡ ካብ ጸጋን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ንላዕሊ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ዓቕሚ ሓጢኣት ንዓቕሚ ጸጋ እንተ ዓብሊልዎኮ፡ ሰይጣንሲ ንእግዚአብሔር ስዒርዎ ማለትናዩ። ሓንትስ መስፈር ዓመጻና ኸየንጀርበበ፡ ዘመን ምሕረትና ኸይተጸንቀቐ ኸሎ ሓቀኛን ልባውን ዘይንጠዓሰሉን ንስሓ ንእተውምበር፡ ብምሕረቱ ኽንግረምን ክንሕበንን እንተ ዘይኰይኑ ኣይክንሓፍርን ኢና። እግዚአብሔር ኣቦ፡ ምእንቲ ምሕረትና ኺብል፡ ነቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ መስዋእቲ ዝገበረ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ካብ ብጽድቂ ናይ 99 ሰባት ንላዕሊ፡ ብንስሓ ሓደ ሓጥእ ኣዕዚዙ ዚሕጐስ ኣምላኽ ዘሎና (ሉቃ 157,10) ንንስሓና ምሕረት ዘይረኸብና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ብዛዕባ ርእስናን ብዛዕባ ዓይነት ንስሓናን ደኣ ንጠራጠርምበር፡ ብዛዕባ ምሕረቱን ጸጋኡን ኣይኹን። ከም ቅዱሳን ኣቦታትና፡ደም ክርስቶስሲ፡ ንኣመንዝራ ናብ ድንግል ዚልውጥኢሎም ዘረጋገጹልና፡ ናይቶም ሓቀኛታት ተነሳሕቲ ተኣምኖውን፡ ካብ ዝተፈልየ ኪኸውን ፍጹም ዘይከኣልዩ። ብዛዕባ ምሕረቱ እንተ ተጠራጢርና፡ ካብ ንስሓ ንደልየሉ ዘለና ሓጢኣት ዝኸፍአ ሓጢኣት ኪዀነናዩ። ንሱ ብምሕረት እምብዛ ሃብታም (ኤፌ 23,4) ኣብ ኣበሳ ዝበዝሖ ጸጋኡ ብዘይ ልክዕ ኣዕዚዙ ዜውሕዝ ኣምላኽ (ሮሜ 520) በዚ ናይ ክልተ ልቢ ኣበሳ ኸይተለኽፈ ብንጽህና ኺሓልፍ ዝኽእል፡ እቲ ኸይተሓንኰለን ከይተወላወለን ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ዚውከል ሰብምበር፡ ብገዛእ ዓቕሙ ዘይተኣማመን ሰብዩ። ምኽንያቱ፦

ልቢ (ሰብ) ካብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምንዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧ ኣነ እግዚአብሔር፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት (ንሓሳባት) ከኣ እፍትኖ።

ተባሂሉ ተነጊሩና (ኤር 179,10) እቶም በዚ ሓጢኣት ተለኺፍና ዝተጐዳእና ዅላትና ድማ፡ እቲ ግፍዐኛ ፈሪሳዊ ዝነበረ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጉን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ ምሕረት ረኸብኩ። ጸጋ ጐይታና ምስ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን (ኣባይ) ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እሙንዩ። ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእዩ። ግናኸ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ነቲ ኣርኣያ ናይ ዅሉ ትዕግስቱ ኣባይ ምእንቲ ኼርእይ፡ በዚ ምኽንያት ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ አመስግኖ ኣለኹ።ዝበሎ ቓል ንዘክር (1ጢሞ 113-16) እቲ ንሕሱም ገፋዒ ናብ እሙን ኣገልጋሊ ዝለወጠ ኣምላኽ ንኣናውን ኪልውጠናዩ። ቅዱስ ያእቆብውን ንስሓና ዕዉትን ምሕረት ዜውርድን ምእንቲ ኪኸውን

እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሃድምዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩምዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጕሃዩን ብኸዩን፡ ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩም ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩምዩ።

ብምባል፡ ብዛዕባበዓል ክልተ ልቢምዃን እንታይ ዓይነት ስምዒትን ኣተሓሳስባን ኪህልወና ኸም ዚግብኦ፡ ኣገባብ ንስሓናውን እንታይ ኪመስል ከም ዘለዎ ብመንፈስ ቅዱስ ኣነጺሩልና ኣሎ (ያእ 47-10) ክልተ ልቢ ሒዝካ ስሓቕን ሓጐስን ናይ ዓያሱ ስምዒትን ምርጫን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

እምበኣር ነዚ ኻብ ሕማሙ ባዕሉ ኺሓውይ ዘይክእል ኣዝዩ ሕሱምን ተንኰለኛን ልብና፡ ምስ ፈላጢኡ ኣምላኽ ኴንና ብዘይ ንሕስያ ንመርምሮ። ካልኣይ ልቢ ኣብቍሉ እንተ ጸኒሑና ድማ ምስ ረዳኢና ጐይታ ዄንና ንንቀሎ ካብ ናይ እምነት ምንዝርና ንፈወስ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሕዳር 2023 | ጥቅምቲ 25, 2016 ግዕዝ (8 ሰንበት: ቊ..፰/8)

ምስባክ

 መዝ. ፩፡፫

“ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ።እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ።ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።”

“ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 1፡1-11

ዲያቆን

ያእ 1፡1-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 28፡7-17

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 12፡22-34

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝሙር፦ ክርስቶስ ሠርዓ ሰንበተ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div