S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጂ ድማ፡ ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶምውን ሓወዩ።ግብ 429,30 512,16

ብረድኤት ኣምላኽ፡ እንሆ ናብ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም በጺሕና ኣለና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ሰንበትዝን ብድሕሪኡ ዚስዕብ ሰሙንን፡መፃጕዕ” (መጻጕዕ) ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመት መጻጕዕዚጽውዓ ክልተ ሰናብትን ቅንያትንየን ዘለዋና። እታ ሓንቲ እዛ ዘለናያ ኽትከውን ከላ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ፡ ኣብ ጾመ ነብያት ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘላ ሳልሰይቲ ሰንበትን ሰሙንንያ። መጻጕዕ ብግእዝ ኰነ ብትግርኛ ሓደ ትርጕም ዘለዎ። ትርጕሙ ድማልሙስማለትዩ። ኣብ ዘለናዮ ዘመን፡ እዚመጻጕዕዚብል ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲሩ ኣብ ዜንብብ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ ዳርጋ ኻብ ቋንቋና እናጠፍአ ዚኸይድ ዘሎ። ለምሲ ወይ ምጽጓዐ (Paralysis) ኣዝዩ ኸቢድ ሕማምዩ። ንዅሉ ኻልእ ሕማማት፡ ከም ወካሊ ዀይኑ ኼገልግል ደኣ ተመሪጹምበር፡ ብፍላይ ብዛዕባ ሕማም ጥራሕ ዚምልከት ቅንያት ኣይኰነን። ኣብ ቕንያት ብዛዕባ ንዅላትና ደቂ ሰብ ዜጋጥመና ዅሉ ዓይነት ሕማማት ኢና ኽንሓስብን ክንጽልይን ተሰሪዑልና ዘሎ። ፍሉይ ቅንያት ዝተሰርዓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ቀንዴል (ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት) ክንመሃር፡ ብዛዕባ ከኣልነትን ፈዋስነትን ናይ እግዚኣብሄር እምነትና ኽነዕብይ፡ ጸሎትና ኸነዕዝዝ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምፍጻም ምስጢረ ቀንዴል ኪግደሱን ኪተግሁን፡ ምእመናንውን ብዛዕባ ጥዕናዊ ጸገማቶም ኣብ ዘመን ኣምጽኦ ሰብኣዊ ዓቕምን ጥበብን ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ኣብ ልዕሊ ሕማምን ጥዕናን ምሉእ ስልጣን ዘለዎን ንኣካላትና ዝፈጠረን ኣምላኽ ኪውከሉ ንምግባር ዝዓለመዩ። እቲ ኣብ ቅንያት መጻጕዕ ዝሃነጽናዮ መንፈሳዊ እምነትን ሓይልን ከኣ ዓመት ምሉእ ብውቃዊ ዀነ ሓበራዊ ጸሎት እናዘውተርና፡ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ሓይልን ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ሕብረተ ሰብናን ኪገሃድ ሰናይ ገድሊ እምነት ክንጋደል ኪሕግዘና ይግባእ።

በዚ ዕለት ዚዝመር መዝሙር ኰነ፡ ኵሉ ብእኡ መሰረት ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባካትን ምስ ተሰሪዑ ዘሎ ቕንያት ዚሰማማዕዩ። ናይ ቅዱስ ወንጌልን ናይ ግብሪ ሃዋርያትን ንባባት፡ ብዛዕባ ብተኣምር ዝተፈወሱ ክልተ መጻጕዓት ዚገልጽ፡ ኣብ ውሽጥና ተስፋ ዜሕድርን እምነት ዚሃንጽን ንባባትዩ። እቲ ናይ ያእ 514-20 ንባብ ድማ፡ ዝሓመመ ሰብ እንተልዩና ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ከኣልነት ተኣማሚንና ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ክንጽውዕ፡ እቶም ኣገልገልቲ ድማ ብምሉእ እምነት ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት (ምስጢረ ቀንዴል) ኪፍጽሙ ዚእዝዝን ዜተባብዕን ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዝሓዘዩ። እቲ ኻብ መዝሙር ዳዊት ዝተወስደ ኽልቲኡ ኣማራጺ ምስባካትውን ብናይ እግዚኣብሄር ፈዋስነት ዚእመን ግሩም መዝሙርዩ።

እግዚኣብሄር፡ (ብሕማም) ማህሚነሞ፡ መሓረኒ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣዕጽምተይ (ብሕማም) ተሸቢረንየንሞ፡ ኣጥዕየኒ፡ ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ (ኣላ) ......” መዝ 62,3

ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ፡ ንስኻ (ኣብ ጊዜ ሕማሙ) ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ፡ ጐይታየ፡ በዲለካሞ፡ ምሓረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያበልኩ።መዝ 413,4

እዚ ምስባክዚ፡ እቲ ዝወረደና ሕማም፡ ንጸሎትና ማዕረ ኽንደይ ኬዕዝዞ ኸም ዚግባእ ዜመልክትዩ። መለኮታዊ ሕውየትን ጸሎትን ኪነጻጸሉ ዘይክእሉ መጻምድትን መካይድትንዮም። ሕማማት ብዝተኸስተ መጠን፡ እቲ ሕሙም ባዕሉ፡ ኵላቶም ስድራቤቱን ፈተውቱን፡ ኵሉ ማሕበረ ምእመናንን ኣገልገልትን ኣብ ጸሎት ኪጽመዱ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ብዘይካ ጸሎተ ቀንዲል ክትፍጽም ከላ፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ዘይንጽልይ እንተ ዄንና፡ ኣብ እምነት ኣለና ክትብል ኣዝዩ ዜጸግምዩ። ብዘይካ ነታ ምስጢር ዚፍጽም ካህን፡ ካልእ ኵሉ ናይ ጸሎት ተዓዛቢ ጥራሕ ኰይኑ ዚተርፍ እንተ ዀይኑ፡ እግዚኣብሄር ማዕረ ኽንደይ ይዕዘበና ኸም ዘሎ ርዱእዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን፡ ብዛዕባ ናይ ምጽላይ ሓላፍነትና ንኼመልክተና ዝተመርጸዩ። ናይ እግዚኣብሄር ናይ ፈውሲ ጸጋ ብሓይሊ ጸሎት ከም ዚዓዝዝ ዜመልክተና፡ ናይ በዅሪ ቤተ ክርስትያን ሃዋርያዊ ተመክሮዩ። ከም ኣመንትን ሰዓብትን ናይ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን መጠን፡ ኣገልገልቲ ዀንና ምእመናን ነዚ ሃዋርያዊ ኣርኣያን ጥበብን ብዕቱብ ከነቕልበሉን ክንስዕቦን ተሓታትነት ዘለዎ መንፈሳዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኽንዝንግዕ ኣይግባእንዩ።

ንሕውየትን ጸሎትን ዜዛምዶም እንታይዩ፧ ንምንታይ ናይ ግድን ብዛዕባ ምሕዋይ ሕሙማትና ኽንጽልይ ዚግብኣና፧ ነቲ ዚሓምምን ዜሳቕየናን ኣካላትና ዝፈጠረ፡ እቲ ኸኣል-ኵሉ እግዚኣብሄርዩ። እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጥዕናዊ ጸገማት ኣበይን እንታይን ምዃኑ ብዘይ ዝዀነ ምርመራን ምርምርን ዚፈልጥ ከኣ፡ ባዕሉ ፈላጥ-ኵሉ እግዚኣብሄርዩ። ክንጥዕይ ዲና ክንሓምም፡ ምስ ሓመምና ኸኣ ክንሓውይ ዲና ኽንመዉት ወይ ከኣ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ምስ ሕማምና ኽንነብር ዚውስን ከኣ፡ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገር ምልክን ስልጣንን ዘለዎ ልኡላዊ እግዚኣብሄርዩ። ነቶም ምስ ሓመምና ሕክምናዊ ረድኤት ዚገብሩልና ሞያውያን ሊቃውንቲ፡ ነቲ ዚገብርዎ ኣገልግሎት ዚገልጸሎምን ዜስልጠሎምን እግዚኣብሄርምበር ባዕላቶም ኣይኰኑን። ነቲ መንፈሳዊ ሃለዋት ናይ ህዝብታት፡ ብመልክዕ ሕማም ኣብ ዝገለጸሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ እግዚኣብሄር ከም ዘይትሓውይ ገይሩ ኸም ዚወቅዕ፡ ንዅሉ ኣፋውስ ከንቱ ኸም ዚገብሮ ደጋጊሙ ገሊጹ ኣሎ።

ዚልከይ ፈውሲዶ ኣብ ጊልዓድ የልቦን፡ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦንዩ፡ ስለምንታይ ደኣ ቝስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፊፉ ዘይሓውይ፧ ..... መውቃዕቲኺ ዘይሓውይ፧ ቍስልኺ ድማ ብርቱዕዩ፡ ...... ዜሕውይ ፈውሲ ኸኣ የብልክን። ..... ቃንዛኽስ ዘይሓውይዩ፡ ብሰሪ ዕብየት ኣባሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ እዚ ገበርኩኺ። ...... ንኸንቱ ፈውሲ ተብዝሒ ኣለኺ፡ ኣየሕውየክንዩ። ..... ብድንገት ወዲቓ ተሰብረት። ብኸዩላ፡ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ኸኣ ፈውሲ ኣምጽኡላ። ...... ከነሕውያ ደለና፡ ግናኸ ኣይሓወየትን፡ ሕደግዋ።ኤር 822 3012,13,15 4611 518,9

ብዛዕባ ኣካላዊ ሕማምውን፡ ካብ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ክንሓምም ኰነ ኽንጥዕይ፡ ክንነብር ኰነ ኽንመውት ዚውስን በይኑ እግዚኣብሄርዩ። ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳንውን፡ ነዚ ሓቂ ስለ ዝተገንዘብዎ፡ ደጋጊሞም ይእመንዎዮም፡

“(እግዚኣብሄር) የቝስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ፡ ኣእዳዉ የሕውያ።እዮ 185

እግዚኣብሄር ይቐትል የሕውይ ከኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ የውጽእ ድማ፡ እግዚኣብሄር የድክይ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።” 1ሳሙ 26,7

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን እግዚኣብሄር ኣብ ምሕዋይ ኰነ ኣብ ሕማም ዘለዎ ልኡላዊ ስልጣን ኣብ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት ኣቢያ ወዲ ንጉስ የሮብዓም ምስ ሓመመ፡ ሰበይቱ ጋሻ ተመሲላ፡ ናብ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከይዳ ክትሓትቶ ለኣኻ። እግዚኣብሄር ነቲ ነብዪ ስለ ዝገለጸሉ ኸኣ፡ ናታ መንነት ቀሊዑ እቲ ቘልዓ ከም ዚመውትን እታ ዚሞተላ ጊዜን፡ ነቲ ንጉስን ንዅሉ ዓሌቱን ካብ ገጽ ምድሪ ዀስቲሩ ኸም ዜጥፍእ መርድእ ነጊሩ ኣፋነዋሞ፡ ከም ዝበሎ ዀነ (2ነገ 141-13) ንንጉስ ህዝቅያስ ከም ዚመውት ዝነገሮ፡ ኣምሪሩ ምስ ጸለየ ኸኣ ኣሕወዮ፡ 15 ዓመታት ዕድመ ዝወሰኸሉ እግዚኣብሄር (2ነገ 201-11 ኢሳ 381-11)

እምበኣር እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ብዛዕባ ጥዕናናን ሕማምናን፡ ብዛዕባ ምንባርናን ሙማትናን ኣብ እግዚኣብሄር ክንውከልን ጸሎትና ኸነዕዝዝን ኣይግባእንዶ፧ ኣብ ፈጣርን ልኡላውን ኣምላኽ ምውካል ገዲፍና፡ ነቲ ትውክልትና ዚገልጽ ጸሎት ሓዲግና፡ ኣብ ቍጠባዊ ዓቕምናን ኣብ ናይ ሰባት ሞያዊ ዓቕምን ጥራሕ ክንውከል ከለና፡ ግብራዊ መልእኽቱ ኽሕደታዊ ዚኸውን። ዋላ ብምሕረቱ ተደሪኹ ነቲ ናይ ሰብ ጻዕሪ ኪመስለልና ኽንሓውየሉ እንተ ፈቐደ፡ ብዛዕባ ብዘይምጽላይና ንኸኣልነቱን ንልኡላውነቱን ዘርኣናዮ ንዕቀትን ክሕደትን ግን ኣብ ምዱብ መዓልቱ ኺሓትተናን ክንፍረደሉን ምዃንና ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ። እቲ ስጋዊ ባህግና ሰሚሩልና ኻብ ኣካላዊ ሕማምና ጊዝያዊ ሕውየት እንተ ረኸብናኳ፡ ዝኸፍአን ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ኸቢድ መንፈሳዊ ሕማም ብድሕሪት ሓዲግናን ተሪፉናን ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። እንተ ብህይወት ከለና፡ ወይከኣ ብሞት ኣብ መቓብር ደቂስና ጸኒሕና፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ምባልና ፈጺሙ ዘይተርፍ ግድነታዊ ጽሕፍቶናዩ። እዚ መንፈሳዊ ሓቂ ብዛዕባ ዅሉ ጥዕናዊ ዅነታትና ናብ ዕቱብን እምነታውን ጸሎት ኪድርኸና ኸም ዚግብኦ ከይሰሓትና ንእግዚኣብሄር ብጸሎትና ኸነስምሮ ኽንጋደል ይግብኣናዩ።

ናይ ፈውሲ ጸጋ፡ ሃዋርያውነት ናይ ቤተ ክርስትያንናን እምነትናን ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ግደኸ እንታይዩ፧ ሓቀኛን ጽፉፍን መሰረት እምነትን ስርዓተ ኣምልኾን ዘሎካ ምዃን፡ ሃዋርያውነት ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣዝዩ ልዑልን ብቐዳምነት ዚጥመት ምዃኑን ከቶ ዘየማትእ ውሁብ ሓቂዩ። ብእኡ ጥራይ ከም ዘይድረት ግን ዘይከሓድዩ። ጐይታና ነቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምሂሩ ኺሰብኩን ኪምህሩን ኪልእኮም ከሎ፡ ነቲ ኣገልግሎቶም ደገ ዚኸፍትን ዕዉት ዚገብርን ፍሉይ ጸጋ ኣዕጢቑ ዝለኣኾም። ንሱ ኸኣ ናይ ምፍዋስ ጸጋ፡ ማለት ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ነቲ ናይ ምስባኽ ኰነ ናይ ምፍዋስ ጸጋ፡ ማዕረ ማዕረ ኺፍጽምዎ ድማ ኣዘዞም። ቅድሚ ንኣታቶም ምልኣኹ ግን፡ ንሱ ባዕሉ ብዙሓት ሕሙማት ብምፍዋስ ግብራዊ ኣርኣያ ሂብዎምዩ።

ኢየሱስ ከኣ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ድናሰን እናሕወየ፡ ናብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።ማቴ 935 .

ምስ መሰየ፡ ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎም ብዙሓት (ሰባት) ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረዝተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።ማቴ 816,17 .

በዚ ንሱ ዝፈጸሞ ተኣምራዊ ፍወሳ ምኽንያት፡ ናብ እምነት ዝመጹ ሰባት ከኣ፡ ማእለያ ኣይነበሮምን። ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ኣርድእቱን ኪልእኾም ከሎ ድማ ነዚ ስልጣን ኣዕጢቑ ለኣኾም። ኬድኩም ድማ፡መንግስተ ሰማያት ቀሪባእናበልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ ብነጻ ኢኹም ተቐቢልኩምሞ፡ ብነጻ ሃቡ።ማቴ 107,8 .

ግሁድን ግብራውን ስልጣን ስለ ዝነበሮም ከኣ፡ ዕዉት ናይ ምስጢረ ቀንዲል ኣገልግሎት ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ተመስኪሩሎም ኣሎ።

ንሳቶም ወጺኦም ድማ፡ (ኵሉ) ሰብ ክንሳሕ ሰበኹ። ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።ማር 612,13

ምድራዊ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ናብ ሰማያት ኪዓርግ ከሎ ድማ ደጊሙ ነዚ ትእዛዝን ስልጣንን ሂቡን ኣጽኒዑን ተፋነዎም። በሎም ድማ፡ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበዅሉ። .... ነቶም ዝኣመኑውን እዚ ተኣምራት ኺስዕቦምዩ። ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ኪዛረቡ፡ (በእዳዎም) ኣትማን ኪሕዙዮም፡ ዚቐትል (መርዚ) እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምንዩ። ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ፡ ንሳቶምውን ኪሓውዩዮም። .....ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፡ ጐይታ ኸኣ ምስኣቶም ይዓይዪ፡ ነቲ (ዝሰበኽዎ) ቓልውን በቲ ዜሰንዮ (ናይ ፈውሲ) ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።ማር 1615-20

ካብ ናይ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ተመክሮ ኸም ንርእዮምበኣር፡ ሃዋርያዊ ትምህርቲ፡ ምስ ሃዋርያዊ ስልጣንን ጸጋን ማዕረ ማዕረ ዚጐዓዝ። ቅዱስ ወንጌል፡ ምስ ዝነበሮ ኪግለጽ ዘይክእል መከራ፡ ፈጺሙ ኸይተዓግተ ከም ባርዕ ጫካ ናብ ምልእቲ ዓለም ኺዝርጋሕ ዝኸኣለ ድማ በዚ ምኽንያትዩ። ምስጢረ ቀንዴል (ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት) በቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበሮ ሓይልን ውጽኢታውነትን ከምኡ ይቕጽል ከም ዘየሎ፡ ኵላትና ዘይንኽሕዶ ግሁድ ሓቂዩ። ኣብ ውጽኢታውነቱ ኸይተበጽሐውን፡ በቲ ሕግን መሰረተ እምነትን ናይ ቤተ ክርስትያንና መሰረት ይካየድ ከም ዘየሎውን ርዱእዩ። ትግባረ ናይ ምስጢር ማዕረ ኻልእ ኵሉ ምስጢራት ኪቕጽል ዘይምኽኣሉ፡ ካብ ውልቀ ካህን ጀሚሩ ኽሳዕ ዝለዓለ መሪሕነት ቤተ ክርስትያን ዚሕተቱሉ ነናቶም ድኻም ከም ዘለዎም ዘይከሓድዩ። እቲ ሓፋሽ ምእመንውን፡ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ግደ ኣለዎ። እዚ ድኻም ብዙሕ ጠንቕታት እንተለዎ፡ ኣብ ኣገልገልቲ ይኹን ኣብ ምእመናን ዋሕዲ ትምህርትን ፍልጠትን፡ መንፈሳዊ ብስለትን ተወፋይነትን፡ ኵሉ ጸጋታት ኣምላኽ ከም ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበሮ ኣባናውን ከምኡ ኪውሕዝን ኪቕጽልን ብጸሎት ዝተሰነየ መንፈሳዊ ሃረርታን ጽምኣትን ዘይምህላው ገለ ኻብ ሒደትን ጕሉሕን ጠንቅታትዩ።

እቲ ኣብ ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት ዝነበረ ዕዙዝ ናይ ፈውሲ ጸጋ፡ ኣባናውን ከምኡ ኺዓዝዝ እንታይ ይገበር፧ ኵሉ ኺግበር ዚግብኦ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜን ንኡስ ወረቐትን ኪዝርዘር ኣይከኣልንዩ። ኣገልገልትን መራሕትን ቤተ ክርስትያን መደባት ሰሪዖምን ዘትዮምን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ግቡእን ሃናጽን ስጕምቲ ኺወስዱ ትጽቢት ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዓብዩ ናይ ናይ ህዝቡ ደሓንን ሰናይን ዚደልይ ኣምላኽ ትጽቢትውንዩ። ዘተን ጊዜን ዘይጠልብ ሕጅን ኵሉ ሳዕን ኵላትናን ክንገብሮ እንኽእል ሓያልን ውጽኢታውን ስጕምቲ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ጸሎትዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን፡ እቲ ፍታሕ ጸሎት ምዃኑ ኣሚቱልና ኣሎ። ቅዱሳን ሃዋርያትን ካልኦት ኣገልገልትን፡ እቶም ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ በጺሖም ዝነበሩ ማሕበረ ምእመናንን፡ ኣብ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ጽዑቕ ናይ ፈውሲ ጸጋ ዓዚዙሉ ዝነበረ እዋንዮም ተኣኪቦም ነዚ ጸሎት ብሓባር ዝጸልይዎ። እግዚኣብሄር በዚ ጸሎት ኣዝዩ ስለ ዝሰመረን ስለ ዝተሓጐሰን ድማ፡ ዕግበቱ ንምግላጽን ንጸሎቶም ብኽብሪ ኸም ዝተቐበሎ ንምርግጋጽን፡ ነቲ ተኣኪበምሉ ዝነበሩ ስፍራ ብምንቅጥቃጥ ኣናወጾ፡ ነቲ ዝለመንዎ ዅሉ ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ መለሰሎም። ይትረፍ ኢዶም ኣንቢሮምን ዘይቲ ቐቢኦምን ዝጸለዩሉ፡ ኪሓልፉ ኸለዉ ጽላሎቶም ዝወደቖን ጫፍ ክዳኖም ዝተንከየ ዘበለን ኪሓውይ ተራእየ (ግብ 415 1911,12)

ንሳቶም ዝጐደሎም ዘይብሎም፡ሕሙማት ኪሓውዩ ኢድካ ዘርግሕኢሎም ካብ ጸለዩሞ፡ ካብ ሰመረሎም፡ ንሕና እዞም ገለ ዘይብልናኸ ማዕረ ኽንደይ ክንጽልይን ናብ እግዚኣብሄር ብዘይ ምቍራጽ ከነእውይን ዘይግብኣና። እቲ ሕማማት እንተ ዀነ፡ ኣብ ዘመንና በዚሑን ሓሲሙን ዘሎ። ሰሙን መጸ፡ ወርሒ መጸ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓደስቲ ሕማማት እናፈልፈለ፡ ከም ሕሱም ይሳቕየናን ይዓጽደናን ኣሎ። ንዓመታት ዚኣክል መዓልትን ለይትን ሰሪሕና ዘዋህለልናዮ ገንዘብ፡ ማእለያ ዘይብሉ ጐድናዊ ሳዕቤናትን ነባሪ ሓልክታትን (Chronic complications)  ዘለዎ መድሃኒታትን ምርመራታትን ግብራዊ ሕክምናዊ ኣገባባትን (medical procedures) ኵስትር ኣቢሉ እናወድኦ፡ ናብደግፉኒ፡ ቅለቱኒየውድቐና ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር ተኣምራዊ ፈውሲ፡ ካብ ዘለናዮ ወለዶታት ንላዕሊ ኼገድሶ ዚግባእ ካልእ ወለዶ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ። ካብ ኸቢድ ማሕበራዊ ቕልውላው ዜናግፈና እንኮ ፍታሕ፡ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ፈውሲ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንናን ኣባናን ምስ ዚውሕዝዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ብመዓልቲ ጸበባ ጸውዓኒ፡ ለምኑ ኺወሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ፡ ኳሕኵሑ ኪኽፈተልኩም ዚብል ኣምላኽ (2ዜና 17 መዝ 5017 ማቴ 77,8) ናይ ጥዕና ምስኣን ጸበባና ኽንዲ ጉድ እናደፍኣና፡ እቲ ፈታሕ ጸበባ ዝዀነ ኣምላኽ ከኣለምኑኒ፡ ሕተቱኒኢሉ እናዓደመናን እናተባብዓናን ከሎ፡ ተወፊና ብእምነት ዘይጸለና ደኣ መዓስ ክንጽልይ ኢና፧ ኣምላኽ እንተ ዀነ፡ ፈጺሙ ኣይተለወጠን፡ ፈጺሙ ዘይልወጥ ከኣ (ሚል 36 እብ 138 ያእ 117) እቲ ለውጥን ድኻምን ጕድለትን ኣባና ጥራሕ ዘሎ። ስለ ነቲ ንጸሎትና ዚዓግት ኵሉ ድኻምናን ሓጢኣትናን ብንስሓ ኣሊና፡ ብምሉእ እምነት ጥርጥር ብዘይብላ ሓንትን ንጽህትን ልቢ፡ እግዚኣብሄር፡ ናይ ፈውሲ ጸጋኻ ኣፍስሰልና፡ ሕሙማትና ኺሓውዩ ኢድካ ዘርግሕኢልና ኣዘውቲርና ኸየባተኽና ንለምኖ። ነቶም ብምስጢረ ቀንዴል ዜገልግሉና ካህናትና ብጸሎትና ደኣ ንሕበሮምን ንደግፎምንምበር፡በይንኻ ውጽኣያኢልና ኣይንጥለሞም። ሕማምን ሞትን ኣብ ሓደ ሰብ ደኣ ይከሰትምበር፡ ንምሉእ ስድራ ቤት ንብዙሕ ሰብ ዚጸልውን ዜናውጽን። ኵላትና ኣብ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ሰብነት ኢና። ከም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 1224-26 ገሊጽዎ ዘሎ፡ ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየን እንተ ኸበረን፡ ኵሉ ኣካላት ሓቢሩ ዚሳቐይን ዚኸብርን። ብናይ እምነት ጸሎት ስለ ዘይተጋደልና ዚሳቐይን ዚመውትን ውልቀሰብ፡ ዚሽገርን ዚናወጽን ስድራ ቤት እንተልዩ፡ ግዳያት ናይ ሕማም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ግዳያት ናይ ሸለልትነትናን ኢሰብኣውነትናን ይዀኑ ኸም ዘለዉን ኽንሕተተሉ ምዃንናን ኣይንዘንግዕ። ምእንቲ ጽጉማት ዘይምጽላይ፡ ንእግዚኣብሄር ምብዳል (1ሳሙ 1223) ከም ምእንቲ ዚሓመሙ ጸላእቱ ከሊ ተኸዲኑ፡ ብሞት ወላዲቱ ኸም ዚሓዝን ሰብ ኰይኑ ዝሓዘነን፡ ብጾምን ጸሎትን ዝተጋደለን ስጋኡ ዝቐጽዐን ቅዱስ ዳዊት ንኹን (መዝ 3511-16) ጸበባና ኺበዝሕን ኪኸብድን ኪናዋሕን፡ ባዕላትና ጠንቂ ኣይንኹን። ብዘይ ምጽላይና ነቲ ሕማም ዕድልን ዕድመን ኣይንሃቦ። ዘይምጽላይ ነቲ ሕሙም ዘይኰነ ነቲ ሕማም ምክንኻንዩ። ምጽላይ ግን ነቲ ሕማም ቀቲልካ፡ ነቲ ሕሙም ምክንኻንሞ፡ ነቲ ዜርብሓና ስጕምትስ ንምረጾን ነዘውትሮን ደኣ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

31 መጋቢት 2024 | መጋቢት 22, 2016 ግዕዝ (መበል 29 ሰንበት: ቊ.፳፱/29)

ምስባክ

 መዝ.፮፡፪-

ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ።  ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ። ነፍሥየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።

ዓዲ፡ መዝ (፵፩)፡፫,እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ።አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 1211-17

ዲያቆን

ያእ 514-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 31-12

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 51-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ ኣምላኩሰ ለአዳም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div