S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ (መበል 31 ሰንበት: ቊ.፴፩/31, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

ኣነ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይውን ኣይፈርድንየ። ሕልናይ ኣይወቕሰንንዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽዩ።” 1ቈረ 43,4 .

እንሆ ዕለት ሻድሻይ ሰንበት፡ ናይ ዓብይ ጾምዩ፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ገብርኄር” (ገብር ሄር) ተባሂሉ ይጽዋዕ።ገብር ሄርናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም ከኣ፡ሕያዋይ ባርያወይሕያዋይ ኣገልጋሊማለትዩ። ግደ ሓቂ፡ ካብኣገልጋሊዚብል ቃል፡ባርያዚብል ቃል ብዝያዳ ተመራጺዩ። ምኽንያቱባርያዚብል ቃል ብዛዕባ ዋንነት ግሉጽ መልእኽቲ ዘለዎ ቓልዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብኢዱ ዝፈጠሮን ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደጎን ወዲ ሰብ፡ ምሉእ ዋንነት ሰለ ዘለዎ፡ባርያኽንበሃል ዚምጥነና (ሮሜ 147-10 2ቈረ 515) ጐይታና ብሕያውነቱ ተደሪኹ፡ኣዕሩኸይምበር፡ ደጊምባሮትኣይብለኩምንእንተ በለኳ፡ ንሕና ግን ብኽቡር ደሙ ዝዓደገና ባሮቱ ምዃንና እንተ ሓሰብና ንኸምኡ እንተ ተዋሳእናን ዜሕሸና (ዮሃ 1515) እቲገብርዚብል ናይ ግእዝ ቃልውን፡ባርያ፡ ጊልያዝትርጕሙዩ።

እዚሕያዋይ ባርያዚብል ቃል ካብምስላ መክሊትዘርእስቱ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወሰደዩ። ተመሳሳሊ ታሪኽ ኣብ ሉቃ 1911-27 ንረኽቦ ኢና። ካብ ንባብ ተረዲእናዮ ኸም ዘለና፡ እቶም ባሮት ሰለስተ ዝቝጽሮም፡ ግን ከኣ ክልተ ዝዓይነቶምዮም። እቶም ክልተ ቐዳሞት፡ ብዓይነቶምሕያዎትን እሙናትን ባሮትኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ሳልሳዮም ግን ብዓይነቱክፉእን ሃካይን ባርያ”’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባሕሱምን ጠላምን ባርያተባሂሉ ኺጽዋዕውን ይኽእልዩ። እቶም ቀዳሞት ነዚ ልዑል መንፈሳዊ ማዕርግ ዝበቕዑ፡ በቲ ጐይታኦም ኣሚኑ ዝሃቦም ገንዘብ፡ ብትግሃትን ብቕንዕናን ነጊዶም፡ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) መኽሰብ ወይ ትርፊ ስለ ዘፍረዩዩ። እቲ ሳልሳይ ግና፡ እንኳዕ ደኣ መጣፍእቲ ዝዀኖ ብጻይ ኣይረኸበምበር፡ ካልእ ዋኒኑ ምእንቲ ኺገብር፡ ገንዘብ ጐይታኡ ምድሪ ፍሒሩ ዝቐበረ ጠላም ሰብ ዝነበረ። እቲ ቐቢሩ ኣብ ምሕባእን ፍሉይ ምኽንያት ኣብ ምድራስን ዚባኸኖ ሓይልን ጊዜን፡ በታ መኽሊቱ ኣብ ምስራሕ ኣሕሊፍዎ እንተ ዚኸውን፡ ካልኣይቲ መኽሊትሲ ኣይምሰኣነላን ነይሩ። ሕሰምን ጥልመትን ነቲ ሕልናኡ ኸም ብመቝሕ ስለ ዝኣሰራኦ ግን፡ ንጐይታኡ ዜኽብርን ንእኡ ዜርብሕን ስጕምቲ ኺወስድ ኣይፈቐደሉን። እቲ ንጉስ ሰለሞንእቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰርዝብሎ ቓል ኣብኡ ተፈጺሙ ማለት (ምሳ 522)

እዚ ሃካይ ባርያ ኺዕወት ዘይከኣለ፡ እቲ ዝተዋህቦ ገንዘብ ስለ ዝወሓዶ ኣይኰነን። ኣብ ዘመን ሓደ መክሊት፡ ኣስታት 6000 ዲናር ይሽረፍ ነበረ። ሓደ ዲናር ድማ፡ ንሓደ ናይ ጕልበት ሰራሕተኛ ናይ ምሉእ መዓልቲ ደሞዝ ዝነበረ። ስለ እቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ሰብሲ ንሰላሳ ሽሕ መዓልታት፡ ማለት 82 ዓመታትን 70 መዓልታትን ዜስርሖ ደሞዝ ተቐቢሉ ማለትዩ። እቲ ብዓል ክልተ መክሊት ድማ 12,000 መዓልታት፡ ማለት 32 ዓመታትን 11 ኣዋርሕ ንዜስርሕ መጠን ገንዘብዩ። ናይ ሃካይ ድማ ብውሑዱ ንልዕሊ 16 ዓመታት ዘስርሕ መጠን ገንዘብ ተቐቢሉ። ስለ ናይ ምውሓድን ናይ ምብዛሕን ጕዳይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሕልና ጕዳይ ዝነበረ። ሕልናኡ ዝቐተለ ሰብ፡ እቲትህቦ እናበዝሐ ብዝኸደ መጠን፡ ብኽነቱ እናበዝሐ ዚኸይድምበር፡ ቍም ነገር ኣይገብርንዩ። እቲ ብዓል ጥዑይ ሕልና ግን ጸጋኻ ምብኻንን ነቲ ዝኣመነካ ጐይታ ምጥላምን ፈጺሙ ስለ ዘይወሓጠሉ፡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ በቲ ዝሃብካዮ መጠን ወርትግ ፈራዪ ዚኸውን።

ናይ መክሊት ጕዳይ ኪለዓል ከሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዚምልከት ኣርእስቲ ጌርና ኽንርእዮ ኢናንቕሰብ። ብርግጽ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብደም ክርስቶስ ናይ ዝተዓደጋ ኽቡራትን ብዙሓትን ነፍሳት ሓላፍነት ዝተሰከሙ ብምዃኖም፡ እዚ ምስላዝን ንሱ ኣጕሊሕዎ ዘሎ ናይ ሕያውትን እሙንነትን ኣርእስትን፡ ሓለፋ ኻልእ ኵሉ ሰብ ብዛዕባኦም ከም ዚዛረብ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዘየጠራጥርን ዘየማትእንዩ። እንተ ዀነ ንዓብይን ንእሽቶን፡ ንሰብኣይን ሰበይትን፡ ንምሁርን መሃይምን፡ ንምርዑውን ዘይተመርዓውን፡ ንዝወለደን ዘይወለደን፡ ኰታ ንዅሉ ብክርስቶስ ክርስትያን ንዝዀነ ሰብ ከም ዚምልከትውን ኪዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ኵላትና ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ብዙሕ መኽሊታት ዝተቐበልና ሰባት ኢና። እቲ ዝተቐበልናዮ መክሊታት መንፈሳዊ ወይ ስጋዊ፡ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት ገንዘብ፡ ሓይሊ፡ ንብረት እንተ ዀይኑ ስጋዊ መክሊት ይኸውን። ቃል እግዚኣብሄር፡ መንፈሳዊ ውህበት፡ ናይ ኣምላኽ ጸጋን ሓይልን ምስ ዚኸውን ከኣ መንፈሳዊ መኽሊት ይኸውን። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎ፧ኸም ዝበለ፡ ናትና እንብሎሞ፡ ካብ ኣምላኽ ዘይተቐበልናዮ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይብልና፡ ብምሉእ ልብና ብቕንዕና ኽንእመነሉ ዚግባኣና ሓቂ (1ቈረ 47) ከይረሳዕና ምስኣ ኣልጊብና ዅሉ ጊዜ ኽንዝክራትግብኣና ሓቂ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዝተቐበልናያ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት መክሊት፡ እቲ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዝሃበና ጐይታ፡ በብሓደ ኺጸባጸበና ምዃኑዩ። ሽዑ ሕሰምና ዀነ ሕያውነትና፡ እሙንነትንና ዀነ ጥልመትና፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኽግለጽዩ። ዓዓስብና ድማ ተሰፊሩን ተጠሚሩን ይጽበየናሎ። ስለ ዜሕፍር ናይ ጥልመትን ሕሰምን ታሪኽ ዘይኰነስ፡ ዜሐብን ናይ ሕያውነትን እሙንነትን ታሪኽ ንሰርሕ ከም ዘለና ርግጸኛታት ንኹን። ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድውን፡መኑ ውእቱ ገብርኄር” (መን ሕያዋይ ባርያ) ኢሉ ይብድሃና ስለ ዘሎ፡ ሕልናና ብዘይ ወቕሰናን፡ ኣምላኽን ሰብን ብዚምስክሩሉ ኣገባብ፡ ናይ ጸጋ መኽሊታት ብጽድቂ ኸነመሓድር ንጠንቀቕን ንትጋህን።

ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸመይሕልናይ ኣይወቕሰንንክሳዕ ምባል ዝተብዐ፧ ከም ኸማና ስጋ ዝለበሰ ድኹም ሰብ፡ ናይ ብሓቂ ኻብ ወቐሳ ሕልና ሓራ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ከመይ ደኣ ዘይከኣል!! ተኻኢሉስ፡ እንሆ ተጻሒፉልና። እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ፡ ይትረፍ ናብ ምውቃስን ዘይምውቃስን ኪበጽሕ፡ ኣብ ውሽጥና ሕልና ኸም ዘሎ ዘይንፈልጥን ዘይንሓስብን ምዃንናዩ። ንሕልናና ናይ ምስማዕን ብግቡእ ናይ ምምሕዳሩን ልማድ እንተ ዚህልወና፡ ኣብ ውሽጥና ኻልኣይ ሰብ ከም ዘሎናምበር፡ ነዛ ንውልቅና ኸም ዘይኰንና ተረዲኡና፡ ንእኡውን ምተጠንቀቕናሉ ኔርና። እንተ ኻብ ወቐሳ ሕልና ሓራ ምዃን ግና፡ ናይ ህይወትና ጽውዓን ተልእኾንምበር፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዚኣትው ጕዳይውን ኣይኰነን። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዝተፈጠርና፡ ምስክርና ሕልናናዩ። እቲ ነዚ መልክዕን ምስልን ናይ ሕልናኡ ዝዓቐበ ሰብ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ሰብዩ። እቲ ንሕልናኡ ኣጓንዩን ረጊጹን ዚኸይድ ሰብ ከኣ፡ ቍመናኡ ስለ ዘይለወጠን በርባዕተ መሓዉሩ ስለ ዘይከደንምበር፡ ካብ በሃም እንስሳ ዚፈልዮ ዋላ ሓንቲ ረቛሒ የብሉን። ኣተሓሳስባና፡ ኣዘራርባና ኣሰራርሓና ዚጥዕይ፡ ሕልናና እንተ ተፈዊሱን እንተ ጥዕዩን ጥራሕዩ። ነገራት ኣብ ሕልና እንተ ተበላሽዮምና፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ቦታን ደረጃን ኪዕረዩ ኣይከኣልንዩ። ሓንቲ መኪና ኣብ ጐደናታት እናተሓምበበት ከላ፡ መዘወራ (wheel ወይ ስቴርሶ) ወይ ልጓማ (Brake ወይ ፍሬኖ) እንተ ተበላሽዩና ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ ካብ መኪና ዘሊልና ወጺእና፡ ነቲ መሓውራ ሒዝና መኣዝኑ ኸነቕንዖ፡ ወይውን ከይሽክርከር ዓጊትና ደው ከነብሎ ይከኣልዶ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ሕልና እንተ ተበላሽዩ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ዀነ ማሕበራዊ ህይወትና፡ ልክዕ ከም ናይ መኪና ዚኸውን። ክርስትያን ምዃን ማለት ድማ፡ ብዝተፈወሰን ጥዕና ብዝመልኦን ህያው ሕልና ምንባር ማለትዩ። መስዋእቲ ክርስቶስ ድማ፡ ነቲ መስዋእቲ እንስሳታት ኪገብሮ ዘይከኣለ ምንጻህ ሕልና ኪገብር ዝተፈጸመ። ብዛዕባ ጸኒሕና ኽንርእዮ ኢና።

እዚ ዕዉት ሃዋርያ፡ ቅዱስ ጳውሎስ። ነዚ ምስጢር ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጦ፡ ንሕልናኡ ብኸመይ ይጥቀመሉን ይጥንቀቐሉን ከም ዝነበረ ደጋጊሙ ጽሒፉልና ኣሎ። ካብ ሓድሽ ኪዳን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብዛዕባ ሕልና ዝበዝሐን ዝሰፍሐን ዝጸሓፈ ንሱዩ። ኣብ መጋባእያ ናይ ዋዕላ ኣይሁድ ኰነ ኣብ መጋባእያ ሮማውያን ገዛእቲ ብዛዕባ ሕልናኡ ብትብዓት ኪእመን ዝኸኣለ ዕዉት ናይ ኣምላኽ ሰብዩ።

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ መዓልቲዚኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ (ነገር) ብሰናይ ሕልና እተመላለስኩ።ግብ 231

ከም ንሳቶም ንጻድቃንን ሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋሎኒ። ስለ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዘይብሉ ሕልና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ጊዜ እጽዕር ኣለኹ።ግብ 2415,16

ከም ዝበለ ዕዉት ሰብ፡ሕልናይ ኣይወቕሰንንእንተ በለ፡ ንምንታይ ዜገርመና፧ ነዚ ፍሉይ ተኣምኖ ኸም ዚግባእዶ ዀን ኣቕሊብናሉ ንህልው፧

1. ንሕልናኡ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ዚጥንቀቕ ሰብ ነበረ። ገሌና ንኣምላኽ እንተ ዘከርና፡ ንሰብ ንርስዕ። ገሌና ኸኣ ብኣንጻሩ ንሰብ እንተ ዘከርና፡ ንኣምላኽ ንርስዕ። እዚ ዝንባለ ብዓል ማንታ ሕልና፡ ብዓል ክልተ ልቢ ስለ ዚገብር፡ ክልቲኡ ብላሽዩ። ገሌና ኸኣ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ዘይኸውን ድፉን ሕልና ዝሓዝና ሓውሲ እንስሳ ኢና። ጽዉዓና ግና፡ ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብሓንቲ ሕልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ኣበር ዘይብሎም ንጹሃት ክንከውንዩ።

2. ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ገለ ገለ ጕዳያት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ብዓል ሰናይ ሕልና ነበረ። መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ፡ ዓብይ ይኹን ንእሽቶ፡ ቀጥታዊ ዀነ ተዘዋዋሪ ጕዳይ፡ ኣብ ህይወትና ንሕልና ዘይምልከት ዝዀነ ይኹን ጕዳይ የብልናን። ንሕልናና ብዚምልከት፡ጸባ ላም ይፍላሕ፡ ጸባ ጤል ይጽናሕዝዓይነቱ ኣተሓሕዛን ምሕደራን እንተልዩና፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ጥዑይ ዘለዎ ዝምድና ኺህልወና ኣይክእልንዩ። መመሪጽካ፡ብዛዕባ ብሰናይ ሕልና ኽመላለስየ፡ ብዛዕባ ግን ሕልናይ ዓሚተ ኸም ዝደለኽዎ ኽገብርምባል፡ፍርቂ ጐነይ ሰቢሐ፡ ፍርቂ ጐነይ ግን ክዓብርዝዓይነቱ ሕሙም ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ዚዀነና። እዚ ብዓል ወርቃዊ ሕልና ቅዱስ ጳውሎስ ግን፦ ኣነ ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ፡ ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ። ነዚ ዅሉ ኸኣ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ (ካብ በረኸት ናይ ወንጌል) ክካፈል ኢለ ዝገብሮ ዘለኹ።

ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ (ናይቶም) ብዙሓትምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ ከምኡ ድማ ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጕስ ኣለኹ።ብምባል፡ ብኸመይ ከም ዝተዓወተን ንመን ኢሉ ኸም ዝገብሮን፡ ከምኡ ብምግባሩ ንርእሱ እንታይ ከም ዝረብሐን መስኪሩልና እንሆ (1ቈረ 922,23 1033) ሰናይን ንጹህን ሕልና ማዕረ ኽንደይ ክትምጠጥ ከም ዜኽእለና ካብ ዚበልጽ ስእላዊ መግለጺ ኽትረክብ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ንሕልናኻ ኣጋዕዚኻ፡ ብእግሩ ኪቐውም ከም ዘይክእል ጌርካ ኣሰንኪልካ፡ ጥዑይ መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወት ኪህልወካ ምትስፋው፡ ከቶ ዘይፍጸም ሕልሚ ደርሆ ዀይኑ ዚተርፍ። ሰናይ ሕልና ረብሓኻን መሰልካን ምእንቲ ኻልኦት መስዋእቲ ኽትገብር ዜኽእል ቤዛዊ (ተበጃዊ) ባህርይ ዜልብስዩ።

3. ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሕልናኡ ዅሉ ጊዜ ዚጥንቀቕን ዚጽዕርን ሰብ ነበረ፡ ከም ንዓለምና ንዅነታት ኣየራ (ክሊማን) ዚምልከት ኣርባዕተ ወቕትታት ዘለዋ፡ ንሕልናና ግን ወቕቲ የብሉን። ኣብ ሕልና፡ ሓጋይን ክረምትን የለን። ንገለ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ብሰናይ ሕልና ኸም ክረምቲ ጠሊልካን ለምሊምካን፡ ብድሕሪኡ ድማ ሕልናኻ ከም ሓጋይ ደሪቑ ንሰብ ኰነ ንኣምላኽ ዘይተብህግ ሰብ ምዃን፡ብዓል ሕልናየ፡ ንሕልናይ እጥቀመሉ ኣለኹኬብለና ኣይክእልንዩ። እቲ ብዓል ሰናይን ንጹህን ሕልና፡ ኣብ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት ምስ ኵሉ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ሰናይ ዚኸውን።

4. ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣበር ኣልቦ ሰናይ ሕልና ሒዙ ምድራዊ ጕዕዞኡ ብዓወት ዝፈጸመ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ተስፋ ስለ ዝነበሮዩ። ሰናይ ሕልና ከም ቃንጥሻ (Mashroom) ባዕሉ ዚበቍል ነገር ኣይኰነን። ድሕሪ ሞትና ንዘለኣለም ኣብ መቓብር በጥ ኢልና ንነብር ሰባት እንተ ንኸውን፡ ምእንቲ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኢልካ ብዛዕባ ሕልናኻ ምጭናቕ ዘይተደላዪ ባዕላትና ንህይወትናን ናብራናን ከም ዚተሓላለኽ ምግባር ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእልዩ። ብምስጢረ ትንሳኤ ሙታን እንኣምን ክርስትያን እንተ ዄንና ግን፡ ጽባሕ ንግሆ ኻብ ናይ ሞት ድቃስ ምስ ተበራበርና፡ ኣብ ቅድሚ ኣብ ውሽጥና ሕልና ሰዂዑ ዝፈጠረናን ብደም ቅዱስ ወዱ ንሕልናና ኣንጺሁ ዝሐደሰልናን ኣምላኽ ንፍርዲ ደው ክንብልን፡ ብዛዕባ ምሕደራ ሕልናና ኽንሕተትን ክንፍረድን ምዃንና ስለንፈልጥ፡ ኣብ ሓጻር ምድራዊት ህይወትና፡ ብዛዕባ ሕልናና ኽንጥንቀቕምበር ብሸለልትነት ክንጻወት ኣይኰነልናንዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታን ትንሳኤ ሙታንን፡ ኣብ መድረኻት ኣብያተ ክርስትያንና ኺስበኽ ከሎ ብወዝቢ እንሰምዖ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ዝነውሐ ጊዜ ዚበልዕ ማሕበራዊ ናብራና ዘይንዝክሮ እንተ ዄንና ግን፡ ጥርትብል ሰናይ ሕልና ኸም ዘይብልና፡ ኺህልወናውን ፈጺሙ ኸም ዘይከኣል ርዱእዩ። ተስፋ ትንሳኤ ዝተዋህበና፡ ብሰናይ ሕልና ዕዉት ክርስትያናዊ ህይወት ምእንቲ ኽንመርሕ (1ጴጥ 321) ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ዝተዘርዘረ፡ ባዕሉ ኸኣ ዝተኣመነሉ ህይወት ስለ ዝተመላለሰዩ።ሕልናይ ኣይወቕሰንንኽሳዕ ምባል ዝተዓወተን ዝተብዐን።

ሕልና ይወቅስን ይንእድን ማለትና ድዩ፧ ናይ ኵሉ ሰብ ሕልና ድዩ ኸምኡ ዚገብር፡ ወይ ከኣ ናይ ገሊኡ ሰብ ጥራሕዩ፧ ሰብ ክፍጠር ከሎ፡ ምስናይ ሕልናኡ ተፈጢሩ። እቲ ሕልና ድማ ናይ ምምዛንን ምፍራድን ዓቕሚ ዝነበሮዩ። ሰብ ናብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ ግን፡ ዓቕሚ ሕልናኡ ኣዝዩ ተሃስዩን ተሰቢሩንዩ። ሓጢኣት ኣብ ምድርናን ኣብ ስጋናን ኪነግስ ዝኸኣለ ድማ ሓይሊ ሕልና ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ (ዘፍ 65 821) ኪፍጠር ከሎ ግን፡ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ፡ቅኑዕ ወይ ግጕይ፡ ግበሮ ወይ ግደፎእናበለ ኺመርሓናን ኪሕልወናን ተዋሂቡና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሕልና ኣብ ህይወት ዘለዎ መሪሕ ተራ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቶም (ሕጊ ኣምላኽ) ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕልናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኸሰሰ ወይ እናተኸላኸለ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ልቦም (ኣብ ሕልናኦም) ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዩም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎምኳ፡ ንርእሶም ሕጊዮም (ማለት ሕልናኦም ንርእሱ ሕጊ)ሮሜ 214,15

ስለ ሕልና ይምስክር፡ ይኸስስ (ይወቅስ) ይከላኸል፡ ይፈርድ ከኣዩ። ብዛዕባ ምስክር ናይ ሕልና ደጋጊሙ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስዩ። ኣብ ርእሲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኢልዎ ዘሎ፦ ብክርስቶስ ሓቂ ከም ዝዛረብምበር ከም ዘይሕሱ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይዩ። .... ንሕና ኣብ ዓለምዚኣ፡ ኣወራ ኸኣ (ብዛዕባ) ምሳኻትኩም ዘሎና ርክብ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ቅድስናን ንጽህናን ከም ዝነበረና፡ ሕልናና ይምስክረልናዩ። ነዚ ኸኣ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ ብጸጋ ኣምላኽ ስለ ዝገበርናዮ (ንተኣማመነሉ) ኢና።ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ሮሜ 91 . 2ቈረ 112 .) ስለ ሕልናኡ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምስክረሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ በቲ ናይ ሕልናኡ ፍርድን ምስክርነትን ኪተኣማመን ይኽእልዩ። እቲ ሕልናኡ ብደም ክርስቶስ ዘይነጽሀን ብመንፈስ ቅዱስ ዘይምራሕን ሰብ ግን፡ ኣብ ሕልናኡ ኺምርኰስ ኣይክእልንዩ።

ሕልና ግን ብኸመይ ዚፍወስን ዚጥዕይን፧ ባዕላትና ንሕልናና ኽንልውጦን ከነጥዕዮን ንኽእል ዲና፧ ሕልና፡ ናይ ሰብ ናይ ኢድ ስርሓት ስለ ዘይኰነ፡ ሰብ ባዕሉ ሕልናኡ ኪቕይርን ኬጥዕይን ኣይክእልንዩ። ከም ናይ ምግባር ስልጣንን ክእለትን ዘለዎ፡ እቲ ንሕልና ዝፈጠረ ኣምላኽ ጥራሕዩ። ሕውየት ሕልና ግን ንኣምላኽ ነቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ ኣኽፊልዎ (ዮሃ 316) ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ፡ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስ ደኣ ትንቢታዊ ስርዓት ኰይኑ ኣገልጊሉምበር፡ ንጊዚኡ ነቲ ስጋ ኻብ ሓጢኣት ካብ ምጽራይ ሓሊፉ፡ ነቲ ሕልና ኼጽርዮ ስለ ዘይከኣለ፡ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብ ኬዕርፉ ኣይከኣሉን (እብ 101-4 .) ሓጢኣት ናይ ሕልና ጕዳይ ስለ ዝዀነ ግና፡ ንሕልናና ኼንጽህ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ ደሙ ኣፍሰሰልና።

ደም ድቤላታትን ኣራሑን ...... ኣብቶም (ብሓጢኣት) ዝረኸሱ ሰባት ተነጺጉ (ንሰብነቶም ብምንጻህ) ዚቕድሶም ካብ ኰነ፡ ደም ናይ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረበ ግዳ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል፡ ክንደይ ንሕልናና ኻብ ሞት ዜስዕብ (ሓጥእ) ግብሪ ኣዝዩ ዘየንጽሆ። በዚ ምኽንያት ኸኣ፡ ክርስቶስ ናይ ሓድሽ ኪዳንን መንጎኛ (ማእከላይ) ኰነ። እቶም ጽዉዓት ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺወርሱ፡ ካብ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ኺዳን ከለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኼድሕኖም፡ በጃ ዀይኑ ሞተ።እብ 913-15 .

ስለ ሰናይን ንጹህን ሕልና ኺህልወና ዚኽእል፡ ብክርስቶስ ኣሚንና ብደሙ ዝተቐደስና ክርስትያን እንተ ዄንና ጥራሕዩ። ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተፈሊና፡ ንጹህ ሕልንና ኺህልወና ኣይከኣልን፡ ኣይሕሰብን ከኣዩ። ብክርስቶስ ኣሚንና ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስና ክርስትያን ድሕሪ ምዃንና፡ ገና ብምዉት ሕልና ንነብር እንተሊና ግን፡ ነቲ ጐይታና ዝኸፈሎ ኸቢድ ዋጋ ኣባና ኸንቱ ንገብሮ፡ ብደም ክርስቶስ ነላግጽ ስለ ዘለና ኣበሳና ዝኸበደን ዝተዓጻጸፈን ዚኸውን። ውዱቕ ስጋ ዝለበስና ድኹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ኵሉ ጊዜ ዘይኰነስ ሳሕቲ ተዓንቂፍና ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕና ዘይተርፍዩ። ጐይታና ብሞቱን ብደሙን ዘውሓሰልና ሕድገት ሓጢኣት ስለ ዘሎና ግና፡ ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ሓቀኛን ልባውን ንስሓ ብምእታውን ብምስጢረ ቍርባን ካብ ስጋኡን ደሙን ብምውሳድ ንሕልናናን ንስጋናን ካብ ሓጢኣት ሓጺብና ኸነጽርይን ከነጻዕድውን ይግብኣና። ምኽንያቱ ዅሉ ሓጢኣት ብደም ክርስቶስ ዚጸርይ። ብዘይ ደም ክርስቶስ ከኣ ይቕሬታን ሕድገት ሓጢኣትን ኣይርከብን (እብ 922 1ዮሃ 17-9 ሉቃ 2447 ግብ 319,20 530,31) ከምኡ እንተ ዘይገበርና ግና፡ ሕልናና ዅሉ ጊዜ ኺወቕሰናን ኪፈርደናን ኪነብርዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ንሕልናና ምእንቲ ኼንጽህ መሪር ስቓይን ውርደትን ተቐቢሉ ደሙ ዘፍሰሰልና ጻድቕ ፈራዲ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንፍረድ ኢና። መድሓኒና ኪኸውን ዝተገልጸ ጐይታ፡ ርኹስን ምዉትን ሕልና ዝመረጽና ጥራሕ፡ ናብ ፈራዲና ኺልወጥ ምግባርና ድማ፡ መዳርግቲ ኣልቦ ዕሽነትዩ።

እምበኣር ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና፡ ብምንታይ ዓይነት ሕልና ንነብር ከም ዘለና ንመርምር። ሕልናና ይወቕሰናን ይኸስሰናንዶ ኣሎ፧ ወይስ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጽቡቕ ይምስክረልና ኣሎ፧ ሕልናና ዚወቕሰና ብንስሓ ምእንቲ ኽንምለስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ወቐሳኡ ንረብሓናን ንድሕነትናን ንጠቐመሉ። ካብ ንሕልና ዜጽርይ ደም ክርስቶስ ርእስና ኣይንፍለይ። ነቲ ንጹህን ዜንጽህን ምስሊ ህይወትና ኸም መስትያት ኰይኑ ዜርእየና ቓል እግዚኣብሄር ኣዘውቲርና ነንብቦን ንተኣዘዞን (ዮሃ 153) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብዅሉ ነገርን ኵሉ ጊዜን ብንጹህን ሰናይ ሕልና ንነብር ከም ዘለና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

14 ሚያዝያ 2024 | ሚያዝያ 6, 2016 ግዕዝ (መበል 31 ሰንበት: ቊ.፴፩/31)

ምስባክ

 መዝ.፴፱(፵)፡፯.፰

“ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።”

ዓዲ፡ 

መዝ.፻፴፫፣፩-፪ “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 4፡1-9

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡11-19

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 16፡9-18

ንፍቅ ካህን

ማቴ 25፡14-30

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘባስልዮስ | መዝሙር፦ መኑ ውእቱ ገብር ኄር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div