ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጾመ-ኣርብዓ ናይ ድኅነትን በረኸትን ክኾነልና ንኣምላኽ ንልምን። ቀጺልና ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራውያን
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ
ብግዜ ኦሪት ቅዱስ ቅብኢ ብዘይ ነቶም ዝተገብኦም እንተዘይ ኰይኑ ንኻልኦት ቅዱስ ሜሮን
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 15, 2020፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መፃጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበት ሠርዐ።” አምላክ ኣዳም ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓሉ (ዝፈጠረሉ) እዩ፡” ዚብል። ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ብዛዕባ ምፍዋሱ፡ ትእምርቲ ምግባሩ፡ዝጎበጠ ምቅንዑ፡ ለምጻማት ምንጽሁ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ታአምራት ሓይሉ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይዝመር፡ ይስብከን፡ ይዝከርን።
“ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ”
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣቐዲምና እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ብሰላም ብደሓን ኣብጽሓና ብምባል፣
ቀዳሞት ምሁራት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ከም በዓል ስዉእ ጃስቲን፡ ቶርቲልያን፡ ቅዱስ ሂፖሊተስ፡ ኦርጀን፡ ቅዱስ ኣምበረም፡ ቅዱስ ቄርሎስ በዓል ዮሮሳሌም፡ ቅዱስ ሜሮን ከመይ ኢሉ ዳግም ብሓዋርያት ከም ዝተሰርሔ፡ ኣስፊሖም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ብፍላይ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ
{vimeo width="300" height="270"}18791936{/vimeo}
እዛ ሣልሰይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን ‘ምኵራብ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት፡ ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመሥዋዕት። አነ ውእቱ እግዚኦ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት፡ እግዚእ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ መሥያጥ፡ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ። ቦአ ምኵራብ ወገሠፆሙ። አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ። ወሣዕሣዓ አፋሁ። ትርጉም ፡ ኢየኡስ ናብ ኣይሁድ ምኵራብ ከደ ቃል ሃይማኖት መሃረ ካብ መስዋእትስ ምጽዋት ይበልጽ በሎም። ጐይታ ሰንበት ኣቦ ምሕረት ኣነ እየ በሎም። ወዲ ሰብ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ በሎም። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ኢልዎም ናብ ምኵራቦም አተወ፡ ስቅ ክብሉ ገንሖም። ትምህርቱን ሓይሊ ቃሉን ሞገስ፡ ናይቲ ነገር ምፍታው ናይ ቃሉ ላዛን አድነቁ። ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኣብ ምኵራብ ምምሃሩ ቅዱስ ያሬድ ዘመረ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ