ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ: ሰንበት ዕለት 17 ሰነ 2012 (፲, ሰነ, ፳፻፬) ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወረደ መንፈስ ቅዱስ። ላዕለ ሐዋርያት ከመ ዘእሳት። ወተናገሩ በነገረ ኲሉ በሐውርት። ዓርገ እምኀቤሆሙ ወይቤሎሙ ጰራቅሊጦስሃ እፌኑ ለክሙ። ዘይሄሉ ዘልፈ ምስሌክሙ ኢየኀድገክሙ ዕጓለ ማውታ ትኩኑ። ዘኢይክል ዓለም ነሢኦቶ። ትርጉም “ መንፈስ ቅዱስ ወረደ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ብኵሉ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ክሰደልኩም እየ፡ እቲ ዝሰዶ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘክታማት ክትኮኑ አይሐድገኩምን እየ፡ ዓለም ነቲ መንፈስ ክትቅበሎ አይኮነላን እዩ።”
“ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።” (ያዕ 1፡17)።
ቅዱስ-ሲኖዶስ ቤተ-ክርስቲያን ናይ እስክንድርያ ዘመንበረ ማርቆስ ሓዋርያ፡ ብ30 ግንቦት 2012 ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፡ እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ዚምራሕ
እግዚኣብሔር ንህዝቢ ነነዌ ካብ ጥፍኣት ንምምላስን ኣብ ደምቢኡ ንምሕቋፍን መልእኽቲ ክልእከሎም
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙር “በሰንበት ዐርገ ሐመረ ገሠፀ ባሕረ። ወገሠፆም ለነፋሳት። ወይቤሎሙ ኢትናፍቁ ወኢይምጻእ ኑፋቄ ውስተ ልብክሙ በከመ ፈነወኒ አቡየ አነኒ እፌንወክሙ። ውስተ ቤተ አቡየ ብዙኅ ማኅደር ቦቱ፡ ካዕበ እመጽእ ወእነሥአክሙ። ከመ ተሀልዉ ምስሌየ በመንግሥተ አቡየ ዘበሰማያት።” ኮይኑ ፡ትርጉሙ ከኣ ፡ብሰንበት ዓረገ ብሓይሊ ንንፋስን ማዕበል ባሕሪ ገንሖ። ስለምንታይከ ትጠራጠሩ ከምዚ ዝብል ሓሳብከ ከመይ ተልዓለ፡ ከምቲ አቦ ንኣይ ዝልአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ ኣብ ሰማይ ክትህልዉ ኢኹም።
ብመጀመርታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሥራሕኩም ዓወትን በረኸትን ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጸጋን ምሉእ ጥዕናን ክትረኽቡ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ። ዛቲ ዕለት ንትፈሣሕ ባቲ። ንትፈሣሕ ባቲ ወንትኀሠይ ባቲ። ትርጉም “እዛ ዕለት እዚኣ ቅድስት እያ። በዛ ዕለት እዚኣ ንዑ ንተሓጐስ።ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።” ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱ “ንዑ ተመስሑ” ኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ