ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (January 31 – February 2-2020) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ካብ ዝሓለፍ እዋናት ዝደመቐን ዝዓዘዝን ከማኡ ወን ካብ ኩለን ከተማታት በይ ኤርያ (Bay Area) ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክርስትና ዝተሳተፍዎ እዩ ኔር ኣብ ርእሲ ምኻንኑ ዝደመቐን ዝላዓለን ተሳትፎ ዝነበር ኣዩ ኔሩ. ኣብ ገጽ ዕዱምትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ እዚ ዓመት ኔሩ።
ብዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ፣ ዋሺንግቶን ዲሲ ሕመኣ።
ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ: ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት (ሉቃስ 2፡1-16)።
እቲ ወንጌላውን ሓኪምን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙር፡ ናብ ሓደ ካልእ ቴዎፍለዎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፡ ታሪኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነ፡ መድኅን ዓለም ኰይኑ ንምልእቲ ዓለም ከድኅን ከም ዝመጸ ከፍልጦ ምእንቲ ኢሉ፡ ብ65 ዓ.ም. ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ እናተጓዕዘ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃሮን ዘለና፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጥዑም ዜና ጸሓፈሉ።
እታ ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ- ዮሐ 8:31።
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝዳሎ ትምህርቲ
ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 11፡1-2)
“እቲ ቓል ሓቂ ዝዀነ ወንጌል፡ ቕድም ናባኻትኩም ምስ መጸ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኩም (ኢኹም)፡ ስለ’ዚ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ’ዩ።” ቈሎ 1፡5 ካ.ት
Divine Liturgy on Palm Sunday from Holy Trinity Eritrean Orthodox Church,Seattle, WA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ስያትል ዝተዘርግሐ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from St Mary, Eritrean Orthodox Church,Bay Area, CA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም, ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝተዘርግሐ።
ጸሎተ ነግህ (መዓልታዊ )- Daily Morning Prayer
ጸሎተ ሰርክ (መዓልታዊ )- Daily Evening Prayer
እዚ ጸሎት'ዚ ንግሆን ምሸትን መዓልታዊ ብርሑቕ ይመሓላለፍ - The Daily Morning and Evening Prayer Service is streamed live from here
እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ኣ.ፈ ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5ተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ