መቓውሐይ ዘክሩ! ቆላ 4፡18 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ፡ ብመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ቦኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ኣ.ፈ (፳፰ ጥቅምቲ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብጽቡቕ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዚ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ዝመርሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብመካይንን ብነፈርትን ተጓዒዞም ብዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ግዱሳት ሰብ ሠናይ ሕሊናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን ከምኡውን ገለ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ወሲኽካ ብኣማኢት ዝቑጸር ብዝሒ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ታሪኽ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እናተፈጸመ ብዓይንኻ ክትርእን፡ ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክትረኽባን ዘገርም እዩ። ናይ ታሪኽ ጽቡቅ ነገሩ፡ ንኽልቲኡ ኣሉታውን ኣወንታውን ናይቲ ፍጻሜ ስለዝገልጽ፡ ተጠንቂቑ ነቲ ታሪኽ ብምስትውዓል ንዘንብብ ብዙሕ’ዩ ዝምሃር። እቲ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ታሪኽ ዘንብብን፡ ካብ ቅንዕና ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን መኽሰባት ተታሊሉ ክትርጉሞ ዝፍትን ግን፡ ነቲ ታሪኽ ብኣሉታዊ ጎኑ ካብ ምድጋም ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን እዩ።
ብዲያ ዶ/ር ገ/እግዚኣብሔር ደብረጽዮን
ጥቕምን ኣድላይነትን ተስፋ
ኣብቲ ዝሓለፈ ትምህርትና (ተስፋ ምጽኣቱ ኣበይ ኣሎ፧ ዝብል)፡ ዳግም ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት፡ ንዓና ንሰዓብቱ ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ ፍጻሜ ምዃኑ ርኢና ኔርና። ንሎሚ ኣብዚ ክፍሊ ትምህርትና እንምልከቶ ድማ፡ እቲ እንጽበዮ ተስፋና እንታይ እዩ፧ ዝብል ክኸውን እዩ።
On November 30, 2010 Fr. Athanasius Ghebre-Ab celebrated his first Divine Liturgy at Saint Nicholas and Holy Trinity Greek Orthodox Church in Cincinnati, Ohio. As our readers recall, Fr. Athanasius (formerly Prof. Habtu Ghebre-Ab) was ordained a priest on July 24, 2010.
“ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ (ናብራኦምን) ዚስቀይ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሓኖ።. . .እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ በቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀይ ነበረት።” 2ጴጥ 2፡7,8።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2012 ግእዝ (7 ጥሪ 2020 ዓ. ም) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ሽም ዘይብሉ ንህቢ፡ ኣይሰምር፡ ኣየምዕር ምዃኑ ርዱእ ሓቂ እዩ። ቆፎ ብዘይ ንህቢ ድማ ኣይብርበር፡ ኣይከብር እኳ ደኣ ይሓስር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘምዕርን ዘኽብርን ዝነበረ ዕስለ ንህቢ ምስ ሽሙ ነቲ ቆፎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓዲግዎ ስለ ዝኸደ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ