Deacon Professor Habtu Ghebre-Ab was ordained on Saturday, July 24, 2010 in the Greek Orthodox Church in Stamford, Connecticut and was given the name Fr. Athanasius. Fr. Athanasius was ordained by H.G. Bishop Makarios, General Bishop of the Coptic Orthodox Church and of the Eritrean Orthodox Church, North America Diocese, and His Eminence Metropolitan Seraphim of the British Coptic Orthodox Church. The solemn ceremony took place in the presence of several priests, a large choir of deacons and a multitude of the faithful from across North America.
The Second Eritrean Orthodox Youth Conference in the East Coast of USA took place in Radford, VA from 25-27 June 2009 with the goal of ”raising God-fearing generation that are accountable to God and themselves”. In keeping with that premise, young people took part in the Conference,
“ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾኽ ድማ ዐበየ ሐነቖውን።” ማቴ 13፡7
እዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትን፡ ናይ’ቲ “ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል” ዝተሰምየ ንኡስ ክፍለ ዘመንን’ዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 3 ኽሳዕ ሓምለ 9 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ነቲ “ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ” ዚብል ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኢና ንዝምር።
ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። (ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዔ) ዝብል ኮይኑ፡ ስለ ክርስቶስ ካልኣይ ምምጻእ፡ ብዛዕባ ሓጥኣንን ጻድቃንን ዘሎ ፍርዲ እንዳተዘከረ ትምህርቲ ዝዋሃበሉ ዕለታት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።” ዝበሎ፡ ንጐይታ ተዳሊና እንተጸኒሕናዮ፡ ካብ እንጌራኡ ኣጽጊቡ ምድሓን ጽድቁ ከልብሰና፡ ኣብቲ ናይ ሓጎስ ጽድቂ ንካፈለሉ መገዲ ንጸርገሉን ንዳለወሉን እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ክንዓቁሮ ዝግባኣና ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝተፈጸመ ዘይመንፈሳዊ ተግባር፥ ባእስን ምትህርራምን ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሕዘነ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተለሚዱ ዝጸንሐ ኩሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ እውን ኣብ ከተማ በርኒንግሃም፣ ንክልተ መዓልቲ ዝኸደ መንፈሳዊ ጉባኤ ተገይሩ ውዒሉ። በዚ ድማ ካብ ሎንዶንን ማንችስተርን ዝመጹ ማኅበረ-ምዕመናን፥ ምስ በርኒንግሃም ተሓዊሶም፥ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል መንፈስ እቲ ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ።
ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ “ ክትቍጥዑ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቍጥዓኹም ፀሓይ ኣትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉልና ከም ዘሎ ብዙሕ ጊዜ እነንብቦ ትኹል ቃል ሓቂ እዩ። ኤፈ 4፡26-27። ካብዚ መሠረታዊ ትእዛዝ ኣምላኽ ተበጊስና ኢና እምበኣር ብምኽንያት እዚ ሎሚ-ቅነ ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነዚ ሓጺር ጽሑፍ ናብ ኣንበብቲ ነቕርቦ ዘሎና።
መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ-ልደት ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና፡ ብፍሉይ ክብርን ዝኽርን ክበዓል ምዃኑ ንሕብር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ