ድሕነት ዝብል ሓሳብ ቅድሚ ምርኣይና፣ ነቲ ቅድሚኡ ዘሎ ነገራት ምድህሳስ ብዛዕባ ድሕነት ምሉእ ስእሊ ስለዝህብ ሃዲእኩም ክትከታተሉኒ ተስፋ እገብር። ጽሑፈይ ካብቲ ኣብ ኮለጅ ቅ.ኣትናቴዎስ ንመምሃሪ ክኸውን ዝተዋህበ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባርን ካብቲ ንመጽናዕቲ ዘዳለኽዎ ዳህሳሳዊ ጽሑፍን (term paper) ዝተዳለወ እዩ። እዚ ጽሑፍ'ዚ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ’ውን ኣብ መበል 11 (2009) ጉባኤ ቤ.ክ ተዋህዶ ቀሪቡ ነይሩ። ኣርእስቲ ጽሑፈይ ኣርባዕተ ክፋላት ኣለዎ ንሎሚ ግና ኣብቲ 1ይ ክፋል ከድህብ እየ።
“ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ’ምበር፡ ንሓጐስ ዚኸውን ኣይመስልን’ዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ’ዩ ዚፈርይ።” እብ 12፡11
እዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና “ዘመፃጒዕ” (ዘመጻጒዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፈዋስነትን ኵሉ ከኣልነትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትነሉን ክንመሃረሉን ዝተሰርዓልና መዓልቲ ድማ’ዩ። ነዛ ሰንበት’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክሳዕ’ታ እትስዕብ ሓምሸይቲ ሰንበት ንዘሎ መዓልታት ናይ’ዚ ሰሙን’ዚ’ውን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ክንመሃርን፡ ብዛዕባ ህልዊን ናይ መጻእን ጥዕናዊ ጸገማትና’ውን ኣብኡ ምውካል እንመሃረሉን እንለማመደሉን ሰሙን’ዩ። እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ብዛዕባ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዝመጽጒዐ’ሞ ብጐይታና ዝተፈወሰ ሰብኣይ ዚትርኽ ናይ ዮሃ 5፡1-18 ክፍሊ ወንጌል’ዩ። ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ታሪኽ ህይወት፡ ምስ’ዚ ንሎሚ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ ስብከት ዚሰማማዕ’ዩ። በቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ፦
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ
ሰኑይ 31 ሓምለ 2017
ኣብ ቅዱስ ወንጌል “ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ! ” ምስ በለ፥ (ቆላ 3፡9) ቀጺሉ “ ነገርኩምሲ እወ፥ እወ“ ወይ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን ደኣ ይኹን“ ካብዚ እንድሕሪ በዚሑ ግና ካብቲ ክፉእ እዩ“ ይብል (ማቴ 5፡37)።
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ’ዩ።” 1 ተሰ 4፡3 ካ.ት።
ቅድሚ ሕጂ መንግሥቲ ኤርትራን ውሑዳት ጳጳሳትን ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም፡ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ 4ይ ፓትርያርክ ኢሎም ምሻሞም ይፍለጥ። እንሆ ሕጂ’ውን ዳግም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ይሸባሸቡ ኣለዉ።
እወ ታሪኽ ዘይብሉ ሰብ ስለ-ዘየልቦ፥ ንዝኾነ ሰብ መንነቱ ምፍላጥ ክድለ ከሎ፥ ቅድሚ ታሪኽ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይበሃልን። ስለዚ’ውን ነቲ በዓል መን ነበሩ
“እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ’ምበር ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዛት ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ እዚ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።”ዮሃ 3፡19-21 ካ.ት
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ
ዓርቢ 30 ሰነ 2017
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ