“ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ’ሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ኬርእዩ፡ ንወለዶም’ውን ውሬታ ኺመልሱ ይመሃሩ። .....ሓደ’ኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓልይ እንተ’ሎ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብ’ቲ ዘይኣምን’ውን ዝገደደ’ዩ።”1ጢሞ 5፡4,8
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራን ምእመናንን ምእመናትን፥ ከምኡ’ውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘሎኹም ፈተውትን።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን።
ዝኽሪ 15 ዓመት ምዕጻው ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ፡ እታ እንኮ ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፡
“ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።” ሮሜ 1፡5። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ ካብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ዚ ጥቕሲ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ተልእኾ ሃዋርያነቱን፡ ብዛዕባ’ቲ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኪሕግዞ ዝተዋህቦ ሓይሊ ጸጋን’ዩ ዚገልጽ ዘሎ። ጐይታ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እምነት ኪተክል’ዩ ዝመጸ። ናይ ምድሪ ተልእኾኡ ፈጺሙ ናብ ሰማይ ዚምለሰሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ንሃዋርያቱ እዚ ተልእኾ’ዚ ሂብዎም ከደ። ካብ’ቲ ዘመን’ቲ ጀሚሩ እቶም ኣብ መንበር-ሃዋርያት ዝተቐመጡ ዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተልእኾ’ዚ’ዮም ዚርከቡ። ነቲ ማዕርግ ናይ ኣገልግሎት ተቐቢሉ ኼብቅዕ፡ እምነት ጥራሕ ዘይኰነ ምእዛዝ እምነት ኣብ ምትካል ዘይተዓወተ ኣገልጋልን መራሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ተልእኾን ዕላማን ዚዕንቅፍ “ኣገልጋሊ”’ዩ ዚኸውን።
መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ክካየድ እዩ። ጉባኤ ዝካየደሉ ካብ 20 ክሳብ 23 ሓምለ 2017 (July 20 to July 23, 2017) እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም። Read more ...
ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ’ውን፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተደጋጊሙ ዝዝረብሉ እዋን ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥
Most Biblical writers referred to the term "spirit" as the inner nature of man. St. Mark describes the human Spirit's propensity for readiness saying, "the spirit is indeed willing but the flesh is weak" (Mark 14:38).
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ