ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን። ኣብዚ ዘመን'ዚ ደቂ ሰባት ዓይኖም ዝሪኦ ጽቡቕ ነገር፣ እዝኖም ዝሰምዖ ሰናይ ዜና ንምድላይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ፣ ካብ ሓደ መርበብ ዜና ናብ ካልእ ይባኽኑ።
“ነፍሲ ወከፍ ከም’ቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይ’ቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።” 1ጴጥ 4፡10። እዛ ቅድስቲ ዕለት’ዚኣ ሻምነይቲ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾምን ዕለተ ሆሳእናን’ያ። ሆሳእና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣዝዩ ዓብይ ክብረ-በዓል’ዩ። ንመጀመርታ ጊዜ ጐይታና ብደረጃ ህዝቢ ዓብዪ ኽብሪ ዝረኸበሉ ዕለት ድማ’ዩ። ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግሩ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ መዓልቲ’ውን’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ውጽኢት ስራሕ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ከተማ ዘናዓበ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኪህልው ዝሰርሐን ዝወደበን ሽማግለ (ኮሚቴ) ኣይነበረን።
መግለጺ ብዛዕባ ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ።
ሰላምሲ እቲ ዝኸበረ ህያብ ኣምላኽ ስለ-ዝኾነ፥ ብሰላም ውዒሉ ብሰላም ክሓድር ዘይምነ ፍጡር የልቦን። ከመይሲ ሰላም እንድሕሪ ዘየሎ፥ እቲ ብሕይወት ምንባር ንርእሱ’ውን፥ ውሕስነት ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ መራሕቲ መንግሥቲ ኤርትራ፥ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት፥ ካህናት፥ ምእመናንን ምሉእ ሕዝቢ ኤርትራን ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቦታኦም ክምለሱ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዖም።
“ኣብ’ቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተላዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ።” ሮሜ 7፡5 ካ.ት
ቀሺ ፕሮፈሶር ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሓሙስ 27 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ ኣሰና ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሰሉስ 28 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ VOA Tigrigna ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
ቀሺ ፕሮፈሶር ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሓሙስ 20 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ SBS Tigrinya ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
1. ትርጉም ሜሮን
ምስጢረ ሜሮን ወይ ሜሮን እቲ ዝጥመቕ ኣማኒ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝቕበለሉ ምስጢር ኮይኑ፥ ኣብ እዋን ጥምቀት በቲ በይኑ ሓድሽ ውሉድነት (ህይወት) ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ ጥምቀት ኣቢሉ ዝርከብ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቅብኣ ሜሮን፥ ልክዕ ከም ምስጢረ ጥምቀት፥ሓደ ግዜ ጥራይ ይወሃብ።
1 I cried unto the LORD with my voice; with my voice unto the LORD did I make my supplication. 2 I poured out my complaint before him; I shewed before him my trouble.3 When my spirit was overwhelmed within me, then thou knewest my path. In the way wherein I walked have they privily laid a snare for me.
“እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።” 1ጴጥ 2፡12 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ