ሰሉስ 27 መስከረም 2016 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።
ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
ኣብዚ እዋን እዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ ድማ "ንሕናዶ ካብ ዓለምና ዝተፈለየ ኣበሳን ሓጢኣትን ጌርና
"ምናልባሽ ንስኻ፡ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል’ዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡” ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ፍራህ ድኣ’ምበር ብልብኻ ኣይትተዓበይ።" ሮሜ 11፡19-20
ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ እግዚኣብሔር እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓና። ዘመኑ ዘመነ ሰላም፥ ዘመነ ዕርቂ ዘመነ በረከት ይግበረልና።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2014 ኣብ እስራኤል ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ንምእመናን ዓቢይ ምጽንናዕ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ስደት እስራኤል ንዝነብር መእመንን ውሉደ ክህነትን ዓቢይ ምጽንናዕን ሞራልን ተስፋን ኮይኖምዎ ቀንዮም።
“ኣቱም ጐይተት’ውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦም ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ’ሞ፡ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዘየልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ።” ኤፌ 6፡9።
"ኣምላኽን ነቦን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።"ኤፌ 5፡20,21
“ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ’የ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ’የ፡” ዚብል ጽሑፍ’ዩ’ሞ፡ ቃል መስቀል፡ ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ።" 1ቈረ 1፡18,19።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ