ኣድማሳዊ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝከታተል ኮሚሽን መንግስቲ ኣሜርካ ብሰሉስ 19 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሖም ጸዊዑ። ቅድሚ 10 ዓመት ኣብዛ
መዓልቲ'ዚኣ መንግስቲ ኤርትራ፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ ብዓመጽ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ናይ ገዛ ሕዩር ከምዝገበሮም ከም መተካእታኦም ድማ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ብምሻም ነታ ቤተክርስቲያን ሃጊርዋ ክብል ድሕሪ ምግላጹ ነቲ ዓመጽ ብጽኑዕ ከምዝኹንኖ ኣብቲ ናይዚ ዓመት'ዚ ጸብጻቡ ገሊጹ። ኣስዒቡ፥ ንፓትርያርያርክ ኣንጦንዮስ ብኽብሪ ንዝክሮም ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክፈትሖም ናብ መንፈሳዊ መዓርጎም ክምለሱን ሓቲቱ።
እቲ መግለጺ፥ ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረታዊ መሰል ደቂ-ሰባት እኳ እንተኾነ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም መሰላት እዚኣቶም ካብ ዝስእኖም ግና ልዕሊ 20 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ ኣብዚ ተወከስ።
ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክፈትሖም፥ ካብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኢዱ ከውጽእ፥ ሃይማኖታዊ መሰል ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክሕሎ ብተደጋጋሚ ክሓትት ከምዝጸነሐ ይዝከር። ሕጂውን፥ መንግስቲ ኤርትራ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክፈትሖም ዳግማይ መጸዋዕታኡ የሐድስ (መላግቦ)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ