S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ልዕሌኣ ዝጓስዩ ጳጳሳት ተሾሙላ (7ይ ክፋል ሓዋርያዊ ትውፊት-Paradosis)

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ።

እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከሎ ብቓል ዝመሃሮን ክሰርሕሉ ኢሉ ንሓዋርያት ብተግባር ዘርኣዮምን ዘቖሞን ሥርዓት፥ ንዘለዓለም ብመንፈስ ቅዱስ ተሓልዩ፥ ብደቂ ሰባት ተሳዒቡ ምእንቲ ክነብር ኢሉ ነታ ኣካሉ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነታዊ ሓደራ ዝሃባ ብሓዋርያዊ ትውፊት ኣቢሉ እዩ። እዚ ማለት እቲ ጎይታና ኣብቲ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝኣክል ግዜ፥ ንሓዋርያት ዝሃቦም ኩሉ ትውፊት፥ ንሳቶም ድማ ብወገኖም ነቲ ኹሉ ብቓል ዝሰምዕዎ ብተግባር ዝተለማመድዎ፥ ዳሕራይ ድማ ከይርስዕዎ መንፈስ ቅዱስ ዘዘኻኸሮም ዘበለ ሓንቲ ከየትረፉ፥ ብቓልን ብጽሑፍን ብተግባርን ምስናይ ሓደራኡ መጠንቄቕታኡን፥ ወንጌል ጥዑም ዜና ክምህሩን ንሓጥኣን ምስ ኣምላኽ ከተዓርቑን መጓሰ ክሕልዉን፥ ንተኸተልቶም ድማ ብድሕሪኦም ገለ ከይለወጡ፥ ከምታ ንሳቶም ዝመሃርዎም ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢሮም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ክዅኑ ብኣንብሮ-ኢድ ሓዋርያዊ ሥልጣን፥ ሥልጣነ ክህነት እናሃቡ፥ መማህራንን ዲያቆናትን ካህናትን ጳጳሳትን እናሾሙ ኣመሓላለፉ። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ናብ ሰብ ኤፈሶን ዝለኣኾ መልእኽቱ።

“… ሕጂ ድማ እንሆ ንስኻትኩም ኵላትኩም፥ እናዞርኩ መንግሥቲ እምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፥ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፥ እፈልጥ ኣሎኹ። ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፥ ካብ ደም ኵልካትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጎይታናን ክትጓስዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ”  (ግብ፡ 20፡ 20-28) ዝበሎም።

ሓዋርያ ጴጥሮስ’ውን ብግዲኡ “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ መንግሥቲ ኽህነት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፥ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፥ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፥ ሕጂ ምሑራት ኢኹም”። (1 ጰጥሮስ 2: 9-10) ክብሉ ዝጸሓፉ።

ሓዋርያ ጳውሎስ ንመንፈሳውያን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፥ እናተዘዋወረ መንፈሳዊ ህንጸት ዝሃነጾም እንታይ ከም ዝነበረ፥ ኣብዚ ጽሑፍ ኣዚ ወይ ኣብ ካልእ ተሰኒዱ ኣይንረኽቦን። እምብኣርከስ ኣብ መልእኽቱ ዘይተመዝገቡ፥ ብቓሉ ይኹን ብተግባሩ ዝገለጸሎም ብዙሕ መንፈሳዊ ህንጸት ዘለዎ ትውፊታዊ ልማድ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘመሓላለፈላ፥ ሕይወቱ ንቅዱስ ኣርኣያ ከም ዝገበረን ክነግረና ከሎ ድማ፥ ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኩ ንስኻትኩም ድማ ንዓይ ምሰሉ እናበለ ከም ዝሓለፈ ኣቕዲምና ኣንቢብናዮ ኣሎና። እምበኣርከስ እቲ ካብ ጥንቲ ካብ ግዜ ሓዋርያት ኣትሒዙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ክውረስን ክዋራረስን ዝጸንሔ ሓዋርያዊ ትውፊት እንብሎ፥ ገለ ካብኡ እንተ ረኤና እቲ ሓዋርያት ካብ ጎይታ ዝተረከብዎ ሥልጣን፥ ነቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ተካእቶም ዝዀኑ ኤጵስ ቆጵሳት (ጳጳሳት) ብኣንብሮት ኢድ ስለ ዝተወርሰ፥ ክሳብ ሕጂ ኣቦታት፥ ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ እናተሸሙ፥ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ኣብ መንበር ሓዋርያት ተቐሚጦም ንመእመናን ክጓስዩ ብሓዋርያዊ ትውፊት ከመሓድሩን ክመርሑን ንርእዮም ኣሎና። እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ክወረስን ክዋራረስን ዝጸንሔ ሓዋርያዊ ትውፊት ኰይኑ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብቶም ጥንታዊ ሓዋርያዊ መንበር ዘለዎ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ እዚ ቅዱስ ልማድ እዚ ብግብሪ እናተሰርሓሉ ይነብር ኣሎ።

ይኹን እምበር እቶም “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ ይአኽለና” ዝብሉ ዘበሉ ከይተረፈ እኳ ካብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልዩ መሲሎም ድኣ ይረኣዩ ይዀኑ እምበር፥ ብግብርስ ካብቲ ዝቓወምዎ ትውፊት ፈጺሞም ኣይተፈልዩን። ምንም እኳ ንቤተ ክርስቲያን ተቓዊሞም ጸግዖም ዝሓዙ እንተ መሰሉ፥ እቲ ሓቅስ ብመጠኑ ድኣ ይኹን እምበር፥ ኣሰር ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ኣይተሳእኖምን። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ከምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝውታሮም፥ ንቤተ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን ኢሎም ምጽውዖም፥ ሓያሎ ካብኣቶም ነቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ምክፍፋላ ዝገበረቶ ሃይማኖታዊ ውሳኔታት ቅዱስ ትውፊት፥ ከም ትምህርቲ ሥላሴ ዝኣመስለ፥ ኣብ ስብከቶም ኣብ ነገረ መለኮታዊ ትምህርቶም ኣብ መጻሕፍቶም ይጥቀሙሎምን የተግብርዎን እዮም።

በቲ ሓደ ወገን ድማ፥  ካብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን መፍለዪ ክኰነና ይኽእል እዩ ኢሎም ዝሓሰብዎን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣናሃለወ ከሎ፥ ንዕኡ ነጺጎም፥ ኣብ ክንዲ “ካህን” “ፓስቶር ወይ መራሕ ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ክንዲ ኤጵስቆጵስ ወይ ጳጳስ፥ ካልእ ስማት እናሃቡ፥ መፍለዪ ዝኸኖም ናይ ገዛእ ርእሶም መዓርጋት ይጥቀሙ። ብተወሳኺ ትውፊት ብዝሕ ጥቕሚ እኳ እንተ ሃለዎ፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ዝመጸን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ስለ ዝዀነን፥ ናብ መገዲ ፈሪሳውያን ኣቢሉ ክመርሕ ስለ ዝኽእል ኣይንቕበሎን ይብሉ። ከምዚ ዝብልሉ ምኽንያት “ትውፊት” ትምህርቲ መንጌል ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖም እዩ። ንሕና ትውፊት ኢልና ክንዛረብ ከሎና፥ ንሕጊ ንእግዚኣብሔር ንጸረር ዘሎና ኰይኑ ድማ ይስምዖም። ይኹን እምበር ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ሓደ ምንጪ ስለ ዝፈልፈሉ ኢድን ጓንትን ወይ ድማ ኣፍን ማንካን ኰይኖም ይሰርሑ ድኣ እምበር ኣይንፈላልዮምን። ንኽልቲኦም ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ መንፈስ ቅዱስን ካብ ኣቦታትና ሓዋርያትን ስለ ዝተቐበልናዮም፥ ኣኽቢርና ድኣ ንሕዞም እምበር፥ ሓደ ካብ ሓደ ኣይንፈላልዮምን።       

ሓዋርያት ንኣገልግሎት ቃሉን ንጾምን ጸሎትን ይተግሁ ከም ዝነበሩን ሓቢሮም ይበልዑን ይሰትዩን ከም ዝነበሩ ምስጢር ቤተ ክርስቲያን’ውን ይፍጽሙ ከም ዝነበሩን ኣብ ግብረ ሓዋርያት 2፥41-47  6፥4 1ቆረ፥ 11፥17-34 ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ ማለት ሓዋርያት ነቶም ቀዳሞት መእመናን ቓል ስብከት ይህብዎም ነይሮም ጥራይ ዘይኰነስ፥ ኣገልግሎት ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን’ውን ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ፥ ካብዚ ዘንበብናዮ ጽሑፋት ክንርዳእ ንኽእል። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ በብሰዓቱ ዝቀርብ ጸሎት ከም ዝነበሮም ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። እምበኣርከስ ከምዝን ክንድዝን ዝኣመሰሉ ልማዳት ብግዜ ሓዋርያት ይፍጸሙ ስለ ዝነበሩ፥ እዞም ትውፊታት እዚኣቶም ክሳብ ሕጂ ኣብተን ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘለወን ቤተ ክርስቲያናት ይፍጸሙ ኣለዉ። ኣብተን ሓዋርያዊ ትውፊት ዘየብለን ግና እዚ ትውፊታዊ ልማድ እዚ ኣይረኤን።

ይቕጽል

1ይ ክፋል | 2ይ ክፋል | 3ይ ክፋል | 4ይ ክፋል | 5ይ ክፋል | 6ይ ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div