S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝፋን እግዚኣብሔር (3ይ ክፋል ኣብ ላዕሊዶ ህይወት ኣሎ)

ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ናይታ ቀዳመይቲ ክፍለ ዘመን ሓዋርያ ዮሃንስ ብሓይሊ መንግሥቲ ሮማ ኣብ አጊያን ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ነበረ። እዚ ሓዋርያ እዚ ብራእይ ዝፋን እግዚኣብሔር እቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝዀነ ከባቢኡን ረኣየ።

ንዓና ብዙሕ ክበርሃልና ዘይክኣለ፥ ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ራእይ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ንረኽቦ። ሓዋርያ ዮሃንስ ነቲ እዚ ኢልካ ክግለጽ ዘይክኣል ዕብየትን ግርማን ልዑል እግዚኣብሔር ብቓላት ክገልጸልና ፈተነ። ይኹን እምበር ዮሃንስ፥ ገለ ቀጠልያ ዝዓይነቶም ገዘፍቲ የዒንቶም፥ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ርእሶም ዝገዝፍ ካብ ኣካላቶም፥ ኢሉ ክገልጸልና ኣይፈተነን። ወይ ድማ ከበብቲ ዲስክ ዝመስላ ነፈርቲ ርኤኹ ኣይብለናን። ንሱ ክገልጾ ዝፈተነስ፥ ልዑል ግርማ ዘለዎ መንፈሳዊ ህላውነት ዘለዎ ድኣ ክገልጸልና ፈተነ እምበር።

ሓዋርያ ዮሃንስ ኣብዚ ብቓላት ክገልጾ ዝፍትን ዘሎ፥ ኣዝዩ ዘደንቕ ብኣእምሮ ክብጻሕን ክግመትን ዘይክእል ብዘንጸባርቕ ዕንቑታት ዝተሰለመ፥ ብቐስተ ደመና ዝተኸበ ዝፋን ከም ዝረኣየ እዩ ክገልጽ ዝፍትን ዘሎ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ኰይኑ ክዛረብ ከሎ ከም ደሃይ ነጎዳን ብዙሕ ማያትን ይመስል ነበረ።

እቲ ኹቡር ተርእዮ ፈጣር ሰማያትን ምድርን፥ ኣብ ቀዳማይ ራኢ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ከም ንረኽቦ፥ርእሱን ጸጉሩን ጻዕዳ ከም ጸምሪ፥ ጻዕዳውን ከም ኣሳሒታ  እዩ፥ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፥ ኣእጋሩ ኣብ ሓጓዶ ከም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፥ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። …..ትርኢቱ ከምታ ብሓይሊ እተንጸባርቕ ጸሓይ እዩ ይብለና (ራኢ 114-16)

ስሙ ሳጥና-ኤል፥ ትርጉሙ ሥልጡን ኣምላኽ ዝበሃል መልኣኽ ነበረ። ሓደ ሲሶ መላእኽቲ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ትሕቲኡ ነበሩ። ሳጥና-ኤል ቅድሚ ኣዳም ምፍጣሩ፥ ነዛ ሕጂ ነነብረላ ዘሎና ዓለም ከመሓድራ እግዚኣብሔር ሥልጣን ሂብዎ ነበረ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ መልእኽቱ ዝገብር፥ ኣብ ሓሳቡ እከይ፥ ኣብ ልቡ ድማ ትዕቢት ስለ ዘሕደረ፥ ኣብ ልዕሊ ኣምላኹ ሸፈተ እሞ፥ ነቲ ዝተዋህቦ ዝፋን ገዲፉ፥ ንዝፋን ፈጣሪኡ ክወርስ ተደናደነ። ብሰንኪ ትዕቢቱ ድማ፥ ነቶም ብእግዚኣብሔር እምበር ብእኡ ዘይፈጠሩ፥ ሲሶ መላእኽቲ ዓልዩ ኣዕለዎም፥ ፈጣሪኦም ኣኽሓዶም፥ መገዶም ኣስሓቶም፥ ካብ ቅድስናኦም ኣርከሶም። (ራኢ 124) እቲ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ክዓልወሉ ኢሉ ዝሓሶቦ ሓሳብ ኣይሰለጦን። ካብታ ግዜ እቲኣ ድማ፥ ስሙ ካብ ሳጥና-ኤልሳጥናወይ ድማ ሰይጣን ዝብል ስም ጥራይ ሒዙ ተረፈ። ከመይሲ ኢቲኤልዝብል ቅጽል እግዚኣብሔር ዝብል ስለ ዝዀነ፥ ስማ እግዚኣብሔር ካብኡ ንሓዋሩ ተሓድገ። እቶም ዝሰዓብዎ መላእኽቲ ድማ ኣብ ክንዲ መላእኽቲ  ብእብራይስጢ (ታናኻህ) ትግእዝኣጋንንቲዝብል ስም ተዋህቦም። ካብ ቅድሚ ዝፋን እግዚኣብሔር ድማ ተሰጉ። እቶም ኣዝዮም ሓያላት ዝዀኑ ድማ ክሳብ ዕለተ ፍርዲ ኣብ ጠርጦስ ተኣሲሮም፥ ብሕልናኦም ስለቲ ዝመጽ ፍርዲ እናተሳቐይ ይነብሩ ኣለዉ (ይሁዳ 6)

ሰይጣን ንባዕሉ ተጋግዩ ንመላእኽቱ ኣጋግዩ ከይኣኽሎ። ከይኣኽሎ ነቲ ብመልክዕ እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ክቡር ፍጥረት ዝዀነ ሰብ ድማ፥ ምስኡ ክጠፍእ ምእንቲ ኣንጻር ኣምላኹ ክሽፍት ሓቢሉ ኣስሓቶ። ንገዛእ ርእሱ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣምላኽ ገበራ። (ፍሊ 22 ራኢ 129 2ቆረ፡ 14)

ሰይጣንን መላእኽቲን ገለ ካብ ደቂ ኣዳምን ሰዓብቱን፥ እቲ ብኣምላኽ ዝተመደበሎም ምልኣት ግዜ ምስ ኣኸለ ግና፥ ካብቲ ዝኸሓድዎ ኣምላኾም ርሒቖም፥ ኣብ ናይ ዘለዓለም ማእሰርቲ ከም ዝእሰሩ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። (ራኢ፡ 202-3)

ቁጽሪ ዘየብሎም መላእኽቲ፥

ሓደ ሲሶ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም መላእኽቲ ሰማይ ምስ ሰይጣን እንተድኣ ሸፊቶም፥ እዚ ማለት እቶም ዝበዝሑ ክልተ ስልሲት ንፍትጣሪኦም እሙናት ኰይኖም ተረፉ።

ዮሃንስ ብራኢ ኣብ ዙርያ ዝፋን ኣምላኽ ምስ ረኣየ፥ ብዘይ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ሽማግሌታትን ብተወሳኺ ንልዕሊ 100 ሚሊዮን ዝኣኽሉ መላእኽቲ ከም ዝረኣየ መስከረ። (ራኢ፥ 511) ስለዚ በዒንትና ዘይንርእዮም፥ ብእዝንና ዘይንሰምዖም፥ ብሕልናና እንርድኦም ኣብ ጽሑፍ እነንብቦም፥ ኣብ ሰማያት ቁጽሪ ዘየብሎም መላእኽቲ ከም ዘለዉ ዘጠራጥር ኣይዀነን።

መላእኽቲ ሰማይ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ዝተፈላለየ ተገባር ዘተግብሩ ሉኡኻት እግዚኣብሔር እዮም። ንኣብነት ናባና ክፋል ሕጊ እግዚኣብሔር ክንፈልጥ የመሓላልፉ፥ እግዚኣብሔር ብሙሴ ኣቢሉ ቅዱስ ሕግታቱ ማለት ዓሰርተ ትእዛዛት ብኢዱ ጽሒፉ ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ጎቦ ሲናይ ክህቦ ከሎ፥ እቲ ህዝቢ እስራኤል ክምርሕሉ ዝግብኦም ሕጊ ሙሴ ግና፥ ብኢድ መላእኽቲ ተጻሒፉ ተዋህቦም። (ገላ፥319)

እዛ መልኣኽ እትብል ቓል ሰማዊት ቃል ስለ ዝዀነት ኣብ ግእዝ ወይ ኣብ ትግርኛ ከም ዘላታ መልኣኽ እያ ትብል። መልኣኽ ማለት ዝለኣኽ ማለት ስለ ዝዀነ መላእኽቲ ዝነበረን ዝመጽእ ካብ ኣምላኽ ናባና መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ፍጡራት እግዚኣብሔር እዮም።

ብርግጽ ኹላቶም መላእኽቲ ሉኡኻት ሰላም ወይ ልኡኻት ድሕነት ንምጽንናዕን ንምህናጽን ከም ዘይኰኑ፥ ነቲ ንሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሰይጣን ዝለኣኹ ከም ዘለዉ ድማ፥ ሓዋርያ ጳውሎስ ክንፈልጥ ይደልየና። (እብ  114)

መላእኽቲ ከም ልኡኻት እግዚኣብሔር ኣብ ከባቢ ዝፋን ኣምላኽን  ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለምን ይንቀሳቐሱ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም ክገልጽ ከሎ፥

  • መንፍሳውን እዮም።
  • ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዩም።
  • ዘይረኣዩ ረቐቕቲ እዮም።
  • እንተደለዩ ድማ ገዛእ ርእሶም ንደቂ ሰባት ክገልጹ ይኽእሉ እዮም ይብል።

እዚ ሓዋርያ እዚ ክመኽረና ከሎ ከምዚ ይብል፥ ሓያሎ ከይፈለጡ ንመላእኽቲ ተቐቢሎም እዮም እሞ ንስኻትኩምውን ጋሻ ንቅባል ኣይትሕመቑ ይብለና። (እብ፡132)

ብግዜ ኣበው (ኦሪት) መላእኽቲ ናብ ኣብርሃም ከም ዝመጹን ብዛዕባ ብድሕሪኡ ዝመጹ ወለድኡ፥ ንዓቢ ህዝቢ ከም ዝዀኑን ወዲ ሓዉ ሎጥ ካብ ሶዶም እታ ሓጥእ ከተማ ከም ዝወጽእን፥ ሰዶን ጎሞራን ከም ዝጠፍኣን ነገርዎ።

እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም፥ ምንም እኳ ካባና ዝተፈልዩ ፍጥረት እንተ ዀኑ ብዝደለይዎ ኣዋን ናብቲ ዝደለይዎ ክልወጡ ስለ ዝኽእሉ፥ ንኣብርሃም ብተምሳል ሰብ ተገልጽሉ። ምስኡ ከኣ ሰብ ንሰብ ከም ዝዛረቦ ተዛረብዎ። ሰብ ምስ ሰብ ጎኒ ንጎኒ ኰፍ ከም ዝብል፥ ምስ ኣብርሃም ኣብ መኣዲ ኰፍ ኢሎም እንጌራ ክበልዑ ተቐመጡ ተመገቡን። ከም ሰብ ድማ ብእግሮም ምስ ኣብርሃም ተጓዕዙ። (ዘፍ፥18 ተመልከት) ኣብ ሰዶም ምስ ኣተዉ ድማ፥ ንሎጥ ምስ ስድራ ቤቱ ካብታ ርኽስቲ ከተማ ሰብ ተመሲሎም ኣትዮም ኣውጽእዎ። (ዘፍ፥19)

ስለዚ መላእኽቲ ክግለጹ ከለዉ፥ ብመልክዕ ሰብ ወይ ከም መልክዕ ሰብ እዮም ዝግለጹ እምበር፥ ከም ነኣሽቱ ቀጠልያ ሰባት፥ ገዘፍቲ ዓይኖም፥ መላጣት ርእሶም፥ ወይ ማንታ ርእሶም ከም ኢቲ ወይ ይኤፍኦ ወይ ከኣ ዝነፍር ጽምብላሊዕ መሲሎም ናይ ፈጠራ ዘረባ ቅድሚ ሕጂ ኣይተራእየን። ብሕጂውን ኣይክረኤን እዩ።

እምበኣርከስ ብዘይ ጥርጥር ብዘይ ደኾን ደኾን ከይ በልካ፥ ወይ ብሳታላይትን ቴሌስኮፕን ነፈርትን ጌርካ ከይተመራመርካ፥ ከምቲ ጽሑፍ ካብ ሰማይ መን ከውርዶ፥ ካብ ማዕሙቕከ መን ከውጽኦ ከይትብልሲ እቲ ቓል ኣብ ቤትካ እዩ ዘሎ ዝበሎ፥ እቲ ብዛዕባ ሰማያትን፥ ትሕዝቶኦን ዝነግረካ ቃልሲ እቲ ኣብ ገዛኻ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ እዩ እሞ፥ ኣብ ሰማያት ለባማትን ፍሉያት ፍጥረትን ከም ዘለዉ ክትመሃርሲ ምልዮናት ከየጥፋእካ፥ ብነጻ ኣብ ቤትካ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣሎም ተመራመረሉ።

ሰረገላ ሰማይ

ሎሚ ግዜ ናይ ፈጠራ ስነ ፍልጠት (Science Fiction) ንዓናን ንደቅናን ክምህረና ከሎ፥ ኣብ ሰማያት ሓደ እዋን ናይ ኮዋኽብቲ  ውግእ (Star Wars) ምሳና ምስ ደቂ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ከም ዝካየድ፥ ንሕናውን ብሰረገላ ሰማይ ገርና ክንዋጋእ ቅሩባት ክንከውን ከም ዘሎና ገይሮም ይምህሩና።(ኢሰ 6) እዚ ብስሙ ንፈልጦ ሰማያት ብምልዮናት ዝዀኑ ሽዱሽተ ዝኽንፎም ሱራፊላትን ክልተ ዝኽንፎም ኩሮቤላትን ካልኦት በብዓይነቶም መንፈሳውያን ፍጡራትን ከምኡውን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን ዝመልኤ ኰይኑ፥ ኣብ የማን እቲ ኹሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንምድሓና ሕይወቱ ዝሃበ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይቕመጥ። (እብ፥ 13) ከምኡውን ብውሕዱ ክልተ ኣዚዮም ዝተፈልጡ ኩሮቤላት ሊቀ መላእኽቲ ምኪኤልን ገብርኤልን ኣብ ጥቓ ዙፋን ኣምላኽ ይርከቡ።

ቅድሚ እዚ ሕጂ ንፍጥረት ክምርምር ኢሉ ተኣንጎት ተሰልፍ ዝብል ዘሎ ሰብ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፥ ድማ ነታ ብጻዕዳ ደመናን ሰማዊ ውቅያኖሳትን ሓምላይ ገራባትን ቀያሕታን ጸለምታን ኻልእ በብዓይነቱ ሕብርታትን ዘለዋ ዓለም ፈጠረ። ሰብን ንወዲስብ ዝሰማማዕ፥ ንፋስን ናይ ጸሓይ ምቑተን ድማ ፈጥረ። ከውንኡውን ሰብ ዕረፍቲ ስለ ዘድልዮ፥ ብመዓልቲ ክንቀሳቐስ ከሎ ንኹሉ በቒንቱ ኳዕ ኣቢሉ ምእንቲ ክርእዮ ክኽእል፥ ብርሃን ጸሓይ ብመዓልቲ፥ ክዕርፍ ድማ ወርሒን ምስ ኮዋኽብቲ  ጸልማት ብለይቲ ገይሮ ፈጠረሉ። እቲ ኹሉ ኣካላዊ ጽቡቕ ነገር፥ ነቲ ኣካላዊ ዝዀነ ወዲሰብ ተፈጥረሉ። እምበኣር ነዚውን እቶም ገዘፍቲ ዝዓይኖም ደቀቕቲ ዝኣካላቶም፥ ኢቲ (ET) መሰል ኣይፈጠርዋን ወይ ከኣ ከምቲ ዳርዊን ዝበሎ፥ ብሃንደበት ኣይመጸን።

ዘሎ ምድርን ገረብን፥ ውቅያኖስን ኣብ ውሽጢ ውቅያኖስ ዘሎ ፍጡርን፥  ኣብ ሃዋህው ዘሎ ዝረሓቀን ዝዓበየን፥ ዝዓበየን ዝነኣሰን፥ ኮባኽብትን ወርሕን ጸሓይን ፕላኔትን ኣብ ውሽጦም ዘሎ ነገራትን፥ ጸልማትን ብርሃንን ኹሉ ፈጠረ። ምስኡ ድማ (ዘፍ፥1-2-3) 

|1ይ ክፋል |2ይ ክፋል |3ይ ክፋል |4ይ ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div