ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ እዩ
ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ ህይወት ዘውህብ እዩ። ኣመጻጽኣኡን ታሪኹን ምሳሌኡን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ መጻሕፍቲ ኦሪት ኢና ንረኽቦ። ነዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን እናኣነጻጸርና፡ ክንመሃሮ ክንፍትን ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ኣብ ግብጺ ከለዉ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞትን መከራኡን ክድሕኑ ምእንቲ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ደም ገንሸል ፈሲካ፡ ክለኽዩ ከም ዝተኣዘዙ፡ ብሉይ ኪዳን ይዛረብ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ድማ፡ ንሓቀኛ ደም ክርስቶስ ዝምስል ነበረ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ግዝያዊ ነበረ። ማለት እቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ ክሳዕ ዝመጽእ። ነቶም ኣሚኖም ደም ገንሸል ፍሲካ ዝገበሩ እስራኤላውያን ድማ እቲ ብማእከል ግብጺ ዝሓለፈ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣይቀዘፎምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያቶም ደም ገንሸል ኣብ ልዳቶም ዘይለኸዩ እስራኤላውያን ግና፡ ምልክት ስለ ዘይረኣየሎም ክቐዝፎም ግድን እዩ። ሕጂ’ውን ነቶም ኣሚኖም ብግብሪ ንደም እቲ ገንሸል ፈሲካ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይበልዑን ዘይሰትዮን ምልክት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ስለ ዘየብሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይቅድሶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ማሕተም ክኣትዉ። እምነት በይና ንመንግስተ ሰማያት ከተእቱ እተኽል ነይራ እንተ ትኸውንሲ፡ በልዓም’ውን ይኣምን ነይሩ፡ ወረ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ልዕሊ እምነት ኣብ ቅድሜኡ ይርዕዱን ይንቀጥቀጡን እዮም። እሞ ብእምነቶም ክጸድቑ ድዮም፧ እዚ እሞ ዘይመስል እዩ። ኣብርሃም ድማ እታ እምነቱ ንጽድቒ ተቖጽረትሉ ስለ ዝበለ ናይ ኣብርሃም እምነት በይና ጥራይ ኣይነበረት፡ ምስኣ ድማ ካብ ኡር ናብ ከንኣን ስለ ዝተጓዕዘ፡ ግብሪ ነይራታ እያ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታ እናመሃረ እንከሎ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉ “ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ” በሎ። ምናልባት እቲ ንልቢ ዝረትዕ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ምስ ሰምዔ ይኸውን ንሓዉ ምእንቲ ከእምነሉ ዝለመኖ (ሉቃ 4፡22)። ጐይታ ግን ኣብ መንጎኦም ዳኛን መማቐልን ገይሩ ዝሸሞ ከምዘየለ ሓበሮ። ንሱ በቲ ናይ ሓጢኣትን ጽድቅን ነገር ከዳኒ፡ ካብቲ ናይ ሰማያት ርስቱ ከኣ ክመቕለና ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ነዚ ናይ ምድሪ ነገር ከዳኒ ኣይመጸን (ዮሃ 18፡36)። ነቲ ናይ ምድሪ ክንቀብጾ፡ ኣብ ኢድና እንተልዩ እኳ ሼጥና ንድኻታት ክንመቕሎ እሞ መዝገብና ኣብ ሰማያት ክንዓቁር እዩ ዝምዕደና (ማቴ 19፡21-23)።
ብዕለት የካቲት 10/2005 (3 የካቲት 1997) ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክምደቡልና፡ ክሳዕ ዝምደብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኑ ክካየድ፡ ብደብዳቤ ምጽሓፍና ዝዝከር እዩ።
“...ነቲ ሰብ’ቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ።”ሉቃ 11፡26።
እቲ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሂቡና’ሎ። ኣእምሮኡን መንፈሳውነቱን ጽቡቕ ዘሎ ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ኼንብብ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ኸም ዚስምብድ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መወዳእታኡ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። እቲ መወዳእታ ኽትበጽሖ እትደልይ ቦታ ምስ ወሰንካ ኢኻ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ መገዲ እትመርጾ። ናብ ከረን ኪበጽሕ ዘንቀደ ሰብ፡ መገዲ መንደፈራ ወይ መገዲ ባጽዕ ኪመርጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ምድራዊ ናብራ፡ ኣዝዩ ዝኽፍአ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ዚገብር ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ዚደልይ ክነሱ፡ ነቲ ናብኡ ዘየእትው ገፊሕ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዚመርጽ ግን ማእለያ የብሉን። መወዳእታኻ ብሰናይ ትምኒት ጥራይ ኪሰምርን ኪጽብቕን ኣይክእልን’ዩ። መወዳእታኻ ዚጽብቕ፡ በቲ እትመርጾን እትኸዶን መንፈሳዊ መገድን ጕዕዞን’ዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መእተዊ፡- እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስደዱ እዮም። 2ጢሞ 3፥12 …ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ።ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። 2 ጢሞ 3፡14
ኣምላኽ፥ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ፥ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፥ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፥ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፥ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ (ዮሃ፡ 3፡16-18)።
7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 28-31 ሓምለ (July) 2005 ዓ.ም ኣብ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ እንጦንዮስ ሀይ-ዎርድ ካሊፎርንያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ምእመናን: ኣቐዲሞም ምድልዋት ክገብሩ: እንተተኻኢሉ ድማ ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉባኤ እዚ ከሕልፍዎ ንላቦ። ንዓበይ ቲ ዝኸውን ዝትፈላለ ስብከት: ትምህርተ ወንጌል: ትምህርትን ሰሚናራትን ክወሃብ እዩ:: ከምኡውን ኣብ ጥዕና: ማሕበራዊን ቁጠባውን ንምእመናን ዝሕግዝ ምስ ባህልናን እምነትናን ዝሰማማዕ ሰሚናራት ክወሃብ እዩ። ብተወሳኺ መዓልታዊ ንንኣሽቱ ዝኸውን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ትምህርትታት ተዳልዩ ኣሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ