እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ዕለተ-ሰንበት ተዳልዩልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ ምስላ መርዓ ዕዱማትን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘስተምሃረሉ ኽፍሊ ወንጌል’ዩ። እዚ ማቴዎስን ሉቃስን ጽሒፎምዎ ዘለዉ ምስላ ኣብቲ ኣገላልጽኡ’ኳ ቚሩብ ፍልልይ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡን ቀንዲ መልእኽቱን ፍጹም ሓደ እዩ። ማቴዎስ ከም መርዓ፡ ሉቃስ ከኣ ከም ናይ ድራር ዕድመ ገሊጽዎ ኣሎ። ክልቲአን ፈላሊኻ በበይነን ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ሓሳበን ሓደ ስለ ዝኾነ ብሓደ ኽንርእየን ኢና። ከምቲ ሉቃስ ኢልዎ ዘሎ፡ ጐይታ ኣብ ድራር ተዓዲሙ ከሎ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በሎ።
ንምክትታል ምእንቲ ኪጥዕም፣ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ተሰሪዖም ዘሎዉ መደባት ብምሕባር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኪኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ።
ሕጊ ማለት ብሥልጣን ሓጋጊኡ ዝተሰርዔ፡ ክትገብሮ ዚግብኣካን ክትገብሮ ዘይግብኣካን ፈልዩ ዚእዝዘካን ዝሰርዓካን፡ ሕጊ
8ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 27-30 ሓምለ (July) 2006 ዓ.ም ኣብ ደብረ ግእዛን ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
ካብ ክፍላ 4ይ ክሳዕ መበል 19 ዘመን ንልዕሊ 1600 ዓመታት ካብ መሠረተ ትምህርቲ ምንባብን ምጽሓፍን ክሳብ ዝለዓለ መንፈሳዊ መዓርገ ትምህርቲ፡ ዓለማዊ ሥርዓታትን ማሕበራዊ ሥነ-ምግባራትን ዝወሃበላ ብሕታዊት ቤት ትምህርቲ እንኮ
በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
ሰብ ብባህርያቱ መንፈሳዊ ስለዝዀነ ከምልኽ ዝደሊ ባህርያዊ ዝምባሌ ዘሎዎ ፍጡር እዩ። ውሉድ ንወላዲኡ ከም ዝሓትት፡ ሰብ ድማ ብሕልንኡ ብዛዕባ ህይወቱ ኩሉ ሳዕ ንፈጣሪኡ እናሓተተ እዩ ዝነብር። እስከ ንበል መኪና እንተ ተበላሸወትና ናብ መካኒክዶ ኣይኮናን ንወስዳ፧ ሰዓት እንተ ተባላሸወትናኸ ናብ ዓራይ ሰዓትዶ ኣይኰናን ንወስዳ፧ ህይወትና እንተ ተበላሸወትናኸ ናበይ ንውስዳ፧ ናብቲ ከዕርያ ዝኽእል ፈጣሪኣ ክንወስዳ ግድን እዩ። ሰዓትን መኪናን እንተዘይ ተዓርየን ይድርበያ፡ ሰብ ድማ ናብ ፈጣሪኡ ከይዱ እንተዘይተዓረየ ከምቲ ንሰዓትን መኪናን እንድርብየን ከምኡ ክድርበ ናይ ግድን እዩ።
ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ኣኽሊ ብዙሕ ኢዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት ኢዮም’’ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእከሉ ለምንዎ! (ማቴ 9፡35) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ እቲ ብሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔርን ብጸሎት ብዙሓት ኣመንትን፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝተመደቡሉ ዕለት 17 መስከረም 2010 ኣ.ፈ ንደሓር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብብፅዑነቶም ዝተሳለጡ መደባት ብዙሓት ኢዮም። ናይ
9ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ። ንዕለት 2-5 ነሓሰ (August) 2007 ዓ.ም ኣብ ደብረ ግእዛን ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ፡ ጆርጅያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ