ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
ዓደ’ቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ወደቓ ኬጋጥሞም ከሎ’ዮም፣ ”ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ” ዚብሉ። ከምዚፍለጥ ብዛዕባ ሞት እንተዀይኑ፣ ኵሉ’ዩ ዚመውት’ሞ፣ ብዛዕባ ሞት ክንዛረብ እነጥፍኦ ግዜ የብልናን። ብዛዕባ ሕልፈት ግን፡ ዋይ! እናበልና እንተ’ልቀስና፣ ዜኽፍኣልና ኣይኰነን። ከመይሲ ሞት መምህር ተወልደብርሃን ንደምበ ተዋሕዶና ናይ ሕልፈታት ሕልፈት ስለ ዝዀነ፣ ዘይንበኽየሉን ዘይንሓዝነሉን ምኽንያት የብልናን።
ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ትርከብ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቶም መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ኣብ ክንዲ ንወንጌል-ኣምላኽ ንዓለማዊ ረብሓ ዝሰብኩ፣
“...ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም. . ኵላቶም ረኣይዎ’ሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ ‘ኣጆኹም ኣነ’የ፡ ኣይትፍርሁ’ ኢሉ ተዛረቦም። (ማር 6፡48,50)። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ሕጊ-ተፈጥሮ ምዃኑ ብዛዕባ ዘመስከረ ተኣምር ዜዘንትው’ዩ። ብጃልባ ናብ ማዕዶ ኺሳገሩ ኣሰናቢትዎም ድሕሪ ምኻዱ፡ ምስቲ ዝለኣኾ ፍቁር ኣቦኡ ብጸሎት ኪላዘብ ናብ ከረን ደየበ። ኣበየናይ ሰዓታት ከም ዘሰናበቶም እንተ ዘይነገረና’ኳ፡ ኣብ ራብዓይ ምቃል ለይቲ (ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ዘሎ ጊዜ) ኣብ ማእከል ባሕሪ ገሊላ ብማዕበል ኪናወጹ ጸንሕዎ።
ረቡዕን ሓሙስን ክካየድ ብዝወዓለ ናይ ግብጺ ኣዕናዊ ግጭት ኣሕዋት፡ ዛጊት ኣብ መላእ እታ ሃገር 525 ሰባት ተቐዚፎም፡ 3,717 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ፡ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ከምዝገልጽዎ ግን እቲ ናይ ምዉታት ኣሃዝ ልዕሊ 2000 ከምዝበጽሕ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ ከምዝነበረ፡ ቢቢሲ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።
ቦኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ብደገፍ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ሓጎስን ፍሉይ በረኸትን ገዲፉ ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ብልዕሊ 350 ዝኣኽሉ ተሳተፍቲ ምእመናን ነጋድያን ምስ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን
ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ)
ንሕና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እንርከብ፡ ኣገልገልቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ነታ ብደም ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብትንቢት ነቢያት፡ ብስብከት ሓዋርያት፡ ብጸሎት ሰማዕታትን ጻድቃንን፡ ብኣዝዩ ክቡር መስዋእትን ስንክልናን ስደትን፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፡ ማዕረ ኩለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብቅድስና መንበር፡ ዝቖመት፡ ካብ ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሓዘት፡ ብእግዚኣብሔርን ምእመናንናን ንዝተዋህበና ከቢድ መንፈሳዊ መጓሰ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕላው፡ ብዛዕባ እቲ ንቀኖናኣን ሕጋን ብምስዓር፡ ብኢደወነንነት፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ እየ ብምባል፡ ኣብ ሓድነት ምእመናንን ቤተክርስቲያንን ኣዝዩ ዓቢይ ምክፍፋል ፈጢሮም ዘለዉ ጳጳስ ሲኖዳ ሓዋርያዊ ተልእኮና ንምፍጻም፡ ውሳኔ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብምግባር እዚ ዚስዕብ ውሳኔ ወሲንና ኣሎና።
“ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ማቴ 7፡19 እዚ ሰንበት እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህይወትና ምስቲ ዘሎ ወቅቲ ናይ ክራማት ብምግንዛብ ክንፍትሽ ዝሕግዘና ጽሑፋት ወንጌል እናቅረበት እያ፡ ተዘካክረና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ ከም ዝኮነ ንሕና ድማ ብፍረና ከመይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ንልለይ ንሎሚ ካብ ዝቀረበልና ወንጌል ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንማሃር ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከሎ ንሃዋርያት ካብ ነብያት ሓሶት ክንጥንቀቕ ከም ዘድሊ ሓበረ። ምጥንቃቕ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓሶት ሓቂ መሲለ ኪቐርብን ከደናግርን ስለ ዝኽእል እዩ። ንዓና ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝበ ክርስትያን እሞ ክንደይ ጸሚምናሉ ኣብ ዘሎና ብትንቢታት ክንደይ ምጥንቃቕ ዘየድልየና። ነቢይ ሓሶት ብውሽጡ ሓደገኛ ክነሱ ብደጊኡ ግን ድሓን መሲለ ክረአ ይኽእል። ማለት ቆርበት በጊዕ ተኸድነ ተኹላ ኮይኑ ይመጸካ። ንዓናኸ ሎሚ እንታይ ይመጻና ከም ዘሎ እሞ ነስተውዕል ሕዝበ ክርስትያን። ስለዚ ቆርበት ሕልፍ ኢልካ ውሽጡ ክትምርምር የድሉ። ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘለዉ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ናይ እግዚኣብሄር ዘይኮኑ መልእኽትታት ከመይ ንመምዮም ንህሉ፧ ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እንፈልጦምን፡ ብኸመይ ክንርእዮምን ከም ዝግብኣና ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነት ንርኤይ፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ