እዚ ሰንበት እዚ፥ በዅሪ ሰንበት ዘትንሳኤ (ኣውደ ኣመት) እዩ። ብዛዕባና ትርጉምን ኣገዳስነት ትንሳኤ እንመሃረሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
መራሒ 3 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ገበን።
ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ወሪዱኒ ዘሎ ነገር ንምስፋሕ ወንጌል ከም ዝኾነ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ስለዚውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ከም ዘሎኹ በቶም ቤት መንግስቲ ዝሕልዉ ወተሃደራትን በቶም ኩሎም ዝተረፉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ
እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።
ክርስቶስ ማለት ክቡር ኢየሱስ ድማ ፈውሲ ማለት እዩ። እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ክቡር ጎይታ ሰማይን ምድርን ፈውሲ ኩሉ ፍጡርን ማለት እዩ። ትእዛዝ ክርስቶስ ዝፍጽምን ኣሰሩ ዝስዕብን ድማ ክርስቲያን ይበሃል።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ። ኣሜን።
ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ በዚ ትገብርዎ ዘለኹም ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት መድሃኔ ዓለም ባዕሉ ይሓግዝኩም። በሉ በርትዑ! ኣጆኹም ቀጽልዎ እናበልኩ እዘን ዝስዕባ ርእይቶታት እሰደልኩም፣-
እዚ ሳብዓይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ብስያሜ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኒቆዲሞስ እዚ እቲ ብስውር ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ ሓለቃ ኣይሁድ ፈሪሳዊ እዩ። ነቲ ጐይታ ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዝገለጾ ምስጢር ሰማያዊ ልደት እነስተንትነሉ ሰሙን ድማ እዩ።
እዚ ሳድሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 26) ገብር ኄር ይስመ። እዚ ክፍሊ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ተቀቢሎም ከሽርፉ ዝወጹ ባሮት፡ ጐይትኦም ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦም መኽሊት ከም ዝተጸባጸቦም ዝምህር ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።
ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ