ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።
እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 19) ደብረ ዘይት ይስመ። ጐይታና ኢየሱሰ ዝበዝሐ ትምህርቱ ኣብ ከረን ደይቡ እዩ ዝመሃሮ። ኣብ መጀመሪ ስብከቱ ኣንቐጸ ብጹኣን ተባሂሉ ዝፍለጥ (ማቴ 5-7)። ካብቲ ናይ መወዳእታ ትምህርታት፡ ማለት
እዛ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 12, 2017) መጻጒዕ ተባሂላ ትስመ። መበገሲ ሓሳቡ ካብቲ ወንጌላዊ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ 5 ኣስፊርዎ ዘሎ ምሕዋይ ናይቲ ን 38 ዓመት ዝተደነስ ሰብኣይ እዩ። ናይ ኣስተንትኖና ኣርእስቲ ነዚ ሰሙን ድማ፡ እታ ጐይታ መግለጺ ክብሩ ንኽትከውን ክሓድራ ዝብሃጋ፡ ዘጽረያ፡ ዝቐደሳ ህይወትና፡ ድሕርቲ ኵሉ ዝተገብረክላ ዓብዪ ስራሕ ኣምላኽ፡ ደጊማ ከይትብድል ክትጥንቀቕ ትምዓድ ዝብል እዩ።
እዛ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 5, 2017) ምዅራብ ተባሂላ ትስመ። መሰረተ ሓሳቡ ድማ ካብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብቅንኣት ቤቱ ተበሊዑ፡ ነቲ ኣብ ቤተ መቅደስ ዝጸንሖ ዘይንቡር ነገር፡ ከዐሪ ዝተራእየሉ ታሪኽ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል እዩ ዝብገስ።
ኣብ ዓለም፡ ንፍቕሪ ዘይተደርፈሉን ዘይተጻሕፈሉን ዘመን የለን፡ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብዚ ምዕቡል ግዜ ከኣ’ሞ፡ ብዝረቐቐ ኣገባብ፡ ብደርፍታትን መጻሕፍትን ፊልምታትን፡ ፍቕሪ ፍቕሪ ክብሃል፡ ካብ ምስማዕ ኣእዛና ኣየዕረፈን።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝርኣናዮ፡ እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዕኡ ዝተረድኦ ሰብ (ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ፍቅሪ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ዝፈሰስ) ጥራይ እዩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ምፍቓር ከፍቕር ዝኽእል ኢልና ኔርና። ንሎሚ እንመሃሮ ድማ እቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ንዝገበረሉ ምሕረት ዝጥዓመ ሰብ ጥራይ እዩ ንቃል ኣምላኽ ብባህጊ ክበልዕን ክሰትዮ ዝርከብ ዝብል ክኸውን እዩ። እዚ ማለት ድማ ሕያውነት እግዚኣብሔር ዘይጥዓመ ሰብ ንቃለ እግዚኣብሔር ክናፍቖን ክብህጎን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ጠንቂ ዘይምህላው ወይ
“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ፡ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ኽትነክስ ኢኻ በሎ።” (ዘፍ 3፡15) እታ ቀዳመይቲ ተስፋና…
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ