መእተዊ፥ እዚ (ለካቲት 19, 2017)፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ጾምን፡ ናይዛ ሰንበት ኣርእስቲ “ዘወረደ” ዝብል ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
እዛ ካልኣይቲ ሰንበት (ለካቲት 26, 2017) ናይ ጾመ ኣርበዓ “ዘቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንዓና ዝዀነ ቅድስናና እነስተንትነሉን እንጽልየሉን ሰሙን ድማ እዩ። ምቕዳስ ማለት ምፍላይ ማለት እዩ። ካብቲ ብባህሪ ወይ ብዕላማ ዘይመስለካ ተፈሊካ ንሕዙእ
1ይ ሰሙን: |
ዘወረደ |
ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን |
2ይ ሰሙን: | ቅድስና | |
3ይ ሰሙን: | ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ | |
4ይ ሰሙን: | ብሰንበት ሕሙማት ኣሕወየ | |
5ይ ሰሙን: | ምምጻእ ክርስቶስን መወዳእታ ዓለምን | ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ |
6ይ ሰሙን: | እቲ ሕያዋይ እሙን ኣገልጋሊ መን'ዩ? | ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ |
7ይ ሰሙን: | ዘኒቆዲሞስ | ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል የልቦን |
8ይ ሰሙን: | ሆሳእና |
“ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” 1ቆሮ 11፡1
“ዋና ባዕሉ ይበላ” ከም ዝተባህለ ነዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ቅዱስ ጽሑፍ፡ 2ቆሮ፡ 11፡22፡ 12፡10 እንተ ተመልከትና እዚ ሓዋርያ እዚ ብዛዕባ ዓሌቱን ብዛዕባ እቲ ጸረ ክርስቶስ ኰይኑ ዘሕሎፎ ጉጉይ እዋንን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ተመልሰ ምእንቲ
(ወንጌላዊ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ 2፡1 16) “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት" ንወንጌል ሉቃስ ጸሓፊኡ፡ እቲ ሓኪምን ወንጌላውን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወደ መዝሙር፥ ናብ ሓደ ቴዎፍሎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፥ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ንግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነስ ንምልእቲ ዓለም ከም ዝምልከታ ክፈልጥ ምእንቲ ኢሉ፥ ብ65 ዓ.ም. ጸሓፈሉ። እዚ፥ እቲ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃረሉን ዘለና ጥዑም ዜና-ወንጌል እዩ።
ሓደ ክርስቲያን ጸሓፋይ ንገዛእ ርእሱ መን ምኳኑ ክመዝና ምስ ፈተነ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ጥቅስታታ እናመረጸ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ። ኣነን ንስኻትኩምንከ ነዚ ጸሓፋይ እዚ፡ እወ ረኸብካያ ልበይ፡ ኣነ’ውን ንነፍሰይ ብኸምኡ እያ ዝፈልጣ ንብልዶ ንኸውን።
ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን:
ዝሓለፈ ሰሙን ‘’ዓብይ ብስራት’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘሕጉስን ባህ ዘብልን ጥዑም ዜና ኣስሚዕኩሙና። ንሱ ከኣ ነታ ዓቢ ስምን ጽቡቕ ታሪኽን ዘለዋ ልሳን ተዋህዶ ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዳግማይ ክትጅምርን ክትበራበርን ምዃና ኣበሲርኩሙና። እዚ ንኣመንቲ ተዋህዶ ተስፋ ዘስንቕን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎን ሰፊሕ ኣገልግሎት ስብከት-ወንጌል ብምዃኑ፡ ነዚ ክትገብሩ ልብኹም ዘነቓቕሐን ሓሳብኩም ዘስመረን እግዚኣብሔር ስብሓት ይኹኖ!።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ