“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
“ኣነ’ኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይ’ውን ኣይፈርድን’የ። ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ’የ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ’ዩ።” 1ቈረ 4፡3,4 ካ.ት
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16

“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ።” ያእ 4፡6-8 ካ.ት
“እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ’ዮም’ሞ፡ ክትጾሙ ኸሎኹም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።” ማቴ 6፡16 ካ.ት።
“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም። ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።” ገላ 5፡24,25 ካ.ት
“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። (ምኽንያቱ) ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒትን፡ ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለም (ምስናይ ፍትወታ) ኽትሓልፍ’ያ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር (ክርስትያን) ግን፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 2፡15-17 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ