ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ <ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና>፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።
ኣብዛ ሓላፊት ዓለም እሙን ምዃን እቲ ዝኸበረን ብጣዕሚ ዘሐጉስን ጠባይ ደቂ ሰባት እዩ። እሙን
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ-ሕይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ-ፍርዲ ኺወጹ እዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።” ዮሃ 5፡28,29።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ሞት ሓዘና እናገለጸት፣ ንሰንበት 6 ጥቅምቲ 2013 ስለቶም ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ጸሎት ፍትሓት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። በዚ መሰረት: ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ: ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ: ዝርከባ ኣብያተክርስትያን (ዝርዝር ኣብያተ ክርስትያን) ጸሎት ፍትሓት ክገብራ እየን:: ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ብሓፈሽኡ ስለ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ እና። ኤርትራውያን ምእመናን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና ድማ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንምሕጸን።
እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበል።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና። . . .ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም’ዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን’ዩ።” ማቴ 6፡12,14,15።
ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ዋሺንግቶን-ዲሲ ተቓኒዑ Read more...
ካብ ትሕዝቶታት ጉባኤ 2014
1. "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኽኹም፣ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፣ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ..."። (ዮሃ 13፣ 34-35)
2. ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ኤፌ 2፡21።
3. "እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹሕ ልቢ፣ ካብ ሰናይ ሕሊና፣ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ።( 1ጢሞ 1፣5)
4. ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። ዮሃ 8:31-32
5. "ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን...። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም ብፍቕሪ ኣሕዋት፣ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ"(ሮሜ 12፣9- 10)።
6. ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ (ነህ 1 : 2-4)
7. እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ። ዘፍ 2።18።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ <እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሔር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትና’ውን ግሩም’ዩ፡> ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧> ማቴ 21፡42።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ፡ በዛ ለይቲ’ዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧’ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ (ሃብቲ) ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ’ዩ።” ሉቃ 12፡20,21።
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------> ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ይኩን---------------------------------> ፍስሓ ወሰላም።
ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም (መዝ 78: 65-66)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ