ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሐሴ 8 ክሳዕ ነሐሴ 14 ንዘሎ ቕንያት “ዛቲ ይእቲ ማርያም” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ማለት “ዛቲ ይእቲ ማርያም። ማኅደረ መለኮት እንተ ተሰምየት፡ ሰንበተ ክርስቲያን። በከመ ይቤ ዳዊት በመዝሙር፡ አንሣእኩ አዕንቲየ መንገለ አድባር። አድባረ ድኁኃን ተሰምየት ዛቲ ይእቲ ቅድስት ድንግል። ተዓቢ እምኵሉ ፍጥረት፡ ኢያውዓያ እሳተ መለኮት።” ትርጉሙ ከአ ንሳ ማርያም እያ። መሕደሪ መለኮት ዝተባህለት ሰንበት ናይ ክርስቲያን። ከምቲ ዳዊት አብ መዝሙሩ ዝበሎ “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ።” መዕቆቢት ኸረን ድሑናት ዝተባህለት ንሳ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።
ብሩኽን ቅዱስን በዓል ጥምቀት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ኣሜን።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዮም ንወድሳ ለማርያም። በእንተ ዘተወልደ እምኔሃ። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ። ፆረቶ በከርሣ ውእቱኒ ቀደሳ። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ፡ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ። አማን መላእክት ይኬልልዋ። ትርጉሙ ከኣ “ሎሚ ንማርያም ነመስግና፡ ምእንቲ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ። እቲ ሓያል ልዑል ኣምላክ ኣጽለላ። ኣብ ማህጸና ጸረቶ ንሱውን ቀደሳ። እቲ ሓያል ልዑል ኣምላክ ኣጽለላ፡ እቲ ጐይታ ሰንበትን ኣቦን ምሕረትን። እቲ ሓያል ልዑል ኣምላኽ ኣጽለላ። ብሓቂ መላእክቲ ይኸብዋ።) እንዳበሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝምርዎ መዝሙር እዩ።
መብዝሕትኡ ሳዕቤናት ቁጠዐ ኣዕናዊ ክነሱ ገለ ብቑጥዓ ዝውሰዱ ስጉምትታት ግን ከም ቅኑዓት ዝሕሰቡ ኣለዉ፣እቲ ቁኑዕን ዘይቅኑዕን ቁጠዐ ብኸመይ ኢና ፈሊና ክንርድኦ እንኽእል?
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር። ሰማየ ወምድረ ወኵሎ ፈጺሞ አዕረፈ በሰንበት ወይቤሎ ለኖኅ አመ አይኅ ግበር ታቦተ በዘትድኅን። አነ አቀውም ኪዳንየ ዘምስሌከ ለዓለም፡ ከመ ዳግመ ለምድር ኢያማስና በአይኅ፡፡ ከመ አሀባ ለምድር ሣዕረ ሐመልማለ፡ ክረምተ ወሐጋየ ዘርአ ወማእረረ። ዝኬ ውእቱ ጸጋሁ ለእግዚአብሔር። በአማን ኢይሔሱ ቃሎ ዘነበበ። ትርጉሙ ከአ “ብመጀመርታ እግዚአብሄር ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሰንበት ካኣ ካብ ኩሉ ስርሑ አዕረፈ፡ ንኖህ በሎ ምእንቲ ክትድሕን ንዓካ ታቦት ግበር በሎ።ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ንዘልአለም ኤቕውም አሎኹ።ድሕሪ ደጊም ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ንምድሪ ብሳዕር ከለምልማ እዩ፡ ከምኡውን ክረምትን ሓጋይን ከአ ንዘርእን ንብቁልን ገበረ። እዚ ከአ ጸጋ እግዚአብሄር እዩ። ዝበሎ ቃሉ ከኣ ኣይሕሱን እዩ።”
“... ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ቀሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ...” (ማቴ 8፡24-27)
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። መሐሪ ውእቱ ይሁብ ዘርአ ለዘራኢ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ያሠምር እክለ ለሲሳይ ያነሥኦ እምድር ለነዳይ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ዘኢየኀይድዎ ሥልጣኖ፡ዘይኤዝዝ ትፍሥሕተ ለጻድቃኒሁ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ ገባሬ ሕይወት፡ ያርኁ ክረምተ በበዓመት።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ።” ትርጉሙ ከአ ““ክርስቶስ ንጉሥ'ዩ። መሓሪ'ዩ ንዘራኢ ዘርኢ ይህብ: እኽሊ ንምግቢ የሥምር: ንድኻ ካብ ሓመድ የልዕሎ። ሥልጣኑ ዘይተመርማሪ ንጻድቃኑ ሓጐስ ይእዝዘሎም። ንደቂ ሰብ ሰንበት ንዕረፍቲ ሠርዐ፡ ፈጣሪ ሕይወት፡ በብዓመቱ ክረምቲ ይህብ። ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ: ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ።” ዝበል መዝሙር ምስጋና እዩ በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣገልገልቱ ዝበጽሕ። ምስዚ ዘሎናዮ ወቅቲ ክረምቲ ዝኸይድ ንባባት ከም ዝሕብሮ፡ ምስ ህይወትና እንዳ ኣጋናዘብና ሎሚ ካብ ዝተነበበልና ወንጌል ብዛዕባ ኣብ ጽኑዕ ዝኮነ ክርስቶስ ዘይምጽናዕ ህቦብላ ዝኾነ ስሑት ትምህርቲ ንዕንወት ህዝቢ ዓለም ይኸውን ከምዘሎ ካብ ቃል እግዚአብሄር መበገሲ ጌርና ክንርእይ ኢና።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ለዓለም ዓለም አሜን።
ቀስተደበና፥ ዓላማችሁ ምንድ ነው?
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ሶበ ይዘንም ዝናም፡ ይትፌሥሑ ነዳያን። ሶበ ይዘንም ዝናም ይጸግቡ ርኁባን። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ትርጉም ንዝናባት ድምጺ እግሩ እዮም፡ ማያት ይሃርም ድካታት ይሕጎሱ፡ ዝናም ይሃርም ጥሙያት ይጸግቡ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ሰንበት ሰርዐ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ