S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (10ይ-ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  ጀርመን 10ክፋል

ኣብ ዝሐለፈ ጽሑፈይ ከም-ዝገለጽክዎ፥ መስበርቲ-እግሪ ኣብ ዘጋጠመኒ ግዜ።ኣብ እንዳ ኃወይ ክድቅስ ስለ-ዝተገደድኩ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ተጸጊመ ምንባረይ፥ ትዝክሩዎ ትኾኑ ኢኹም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣነ፥ ዕርፊ ክርስትና ድሕሪ ምጭባጠይ፥ ከመይ ንድሕሪት ኣቢለ ክምለስ-? ብምባል እጭነቕ ነበርኩ። ቀልጢፈ ክሓዊ ክርስቲያንነተይ ድማ፥ ብግብሪ ከረጋግጽ፥ እህወኽ ነበርኩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ። ሰበይቲ-ኃወይ ናብቲ ደቂሰሉ ዝነበርኩ ክፍሊ መጺኣ፥ ተንሥኢ ኢላ ኣበራቢራትኒ። እቲ እግረይ እንተረኣኹዎ ድማ፥ ምንም ሕበጥ ኮነ መስበርቲ ዘይብለይ ኮይነ፥ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክትንሥእ ከኣልኩ። ዝተጠቐምክዎ ፈውሲ ወይ መድኃኒት ግና ኣይነበረን። እቲ ኣነ ዝገበርኩዎ ምጽላየይ እዩ። ማለት ብስም ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ጸልየ። እቲ ብስሙ ዝጽሊ ስለ-ዝፍጸመሉ ድማ፥ ክድኅን ክኢለ። ንዕኡ ነቲ ሕያው-ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

ደቀይ ክበጽሑኒ ምስመጹ፥ ናይ ሓካይም ምኽሪ ጥሒሰ ብእግረይ ደው ኢለ ምስ-ጸናሕኩዎም ደስ ኣይበሎምን። ስለዚ እቲ ወደይ “-ደው ንኽትብሊ እኮ፥ ገና ዓሠርተ-መዓልቲ ተሪፉኪ ዘሎ-” ኢሉኒ። ኣነ ግና “-ገዛይ ክምለስ ኣሎኒ-” እየ ኢለዮ። ነዚ ኣበሃህላ ግና ኩሎም ደቀይዮም ተቓዊሞሞ። ይኹን እምበር ኣነ ሓሳባተይ ክቕይር ኣይደለኹን። ናይ መስቀል ምልክት ብራእይ ይርኣየኒ ስለ-ዝነበረ፥ ካብዚ መስቀል ንድሕሪት ክምለስ ከም-ዘይግብኣኒ ተረዳእኩ።

ኣብቲ ጸሎተይ ድማ “- ኣታ ጎይታይ-! ይቕረ በለለይ። ካብ ዝኾነ ካልእ ድማ ንዓኻ ዘፍቅር። እቲ ንዓኻ ዘሎኒ ፍቕሪውን፥ ምስ ዝኾነ ካልእ ዝነጻጸር ኣይኮነን። ኣነ ናትካን ጥሪትካንየ። ክሳብ መወዳእታ ድማ፥ ናትካ ኮይነ ክተርፍ ዝደሊ-“ ብምባል ጸለኹ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ መስቀል ብቐጻሊ እርእዮ ነበርኩ። እግረይ ምስ-ሓዌኹ ግና፥ እቲ መስቀልውን ተሰወረኒ።

ብድሕሪ እቲ ግዜ እናሓለፈ ከይዱ፥ ቤት-ትምህርትና ዝዕጸወሉ እዋንውን እናቐረበ መጸ።። ብዝተኻእለ መጠን ድማ፥ ምንም ሓዲሽ ነገር ዘይብላ ሰብ መሲለ ክርአ ፈተንኩ። ሥርሐይ ክገድፍ ከም-ዝግበኣኒ ግና፥ ድሮ ምስ ሕልናይ ተረዳዲአ ወዲኤዮ እየ። ኣምላኸይ ኣብዚ ጉዳይ ብረድኤቱ ከይፍለየኒውን ምጽላየይ ቀጸልኩ። እቲ ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝነበረ መሣርሕትና ኩሉ፥ ብፍሉይ ኣጠማምታ ይምልከተኒ ከምዘሎ፥ ከይተረዳእኩዎ ኣይተረፍኩን። እቲ ኣብ ባህርያተይ ዝርአ ዝነበረ ኣገራሚ ለውጢ፥ ዳርጋ ኩሉ ብንቕሓት ዝከታተሎ ዝነበረ። እታ ብዙሕ መቓርብተይን መሓዛይን ዝነበረት፥ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ርእሰ-መምህራንውን፥ ካባይ ክትርሕቕን ክትሃድመንን ጀመረት። ዝኾነ ሰብ ድማ ኣብ ጥቓይ ክቐርብ ዝደሊ ኣይነበረን።

እቲ ኩነታት እናተኻበደ ይኸይድ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ድማ። ሓደ መዓልቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ማኅበራዊ-ኣገልግሎት በዓልቲ-ሞያ፥ ትኽ ኢላ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ መጸት። ብናታ ኣተሓሳስባ ንዓይ ዝኾነ ናይ ሥነ-ልቦና ጸገም ኣጋጢሙኒ ከይከውን፥ ዝብል ሓሳብ ስለ-ዝነበራ፥ ኩነታተይ ኣሕዚኑዋን ኣተሓሳሲቡዋን ናባይ ዝመጸት። “...ንምዃኑ እንታይ ኢኺ ኮንኪ-? ኣብዚ እዋን ድምፅኺ ፈጺሙ ኣይስማዕን ዘሎ። ብዛዕባኺ ዝፈልጥ ድማ ዋላ ሓደ የልቦን። እታ ቀደም ንፈልጣ ናህድ ኣበይ ከይዳ...” ኢላ ጠየቐትኒ።

ኣነ ድማ እታ ንስኺ ትፈልጥያ ናህድ፥ ሞይታ ኢለ ክነግራ። ብኣንጻሩ ድማ እዛ ሕጂ ኣብ ቅድሜኺ ትርእይያ ዘሎኺ ናህድ። ሓዳስ ንጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እተፍቅር ናህድ ምኳና ክነግራ ደልየ ነበርኩ። ብዝኾነ ግና ርግእ ኢለ “...ምናልባት ሕጂ  ዝተለወጥኩ ሰብ መሲለ ክርአ ዝኸኣልኩ፥ ንኣምላኸይ ብዝግባእ ክፈልጦ ስለ-ዝኸኣልኩ ክኸውን ይኽእልዩ። እቲ ናይ ቀደም እሞ ቀደም ሓሊፉዩ። ሕጂ ሓዲሽ ሕይወት ክነብር ዝደሊ...” ብምባል ዝመለስኩላ። ርግጽ ብመልሰይ ክትዓግብ ከም-ዘይትኽእል ተረዲኡኒዩ። ስለዚውን ከም-እንደገና “...ገለ ዘጨንቕ ነገርዶ ኣሎኪ-?...” ክትብል ዝሓተትኒ።

ኣነ ድማ ፍሽኽ ኢለ “... ጸገም ዘሎኒ ሰብዶ ይመስል-?...” ብምባል መሊሰላ። ኣዘራርባይ ከም-ዘይመቀራ ብዘፍልጥ ኩነታት ድማ “...አረ ብጭራሽ ገጽኪ ብሩህ ኮይኑ ዝርእዮ ዘለኹ። ኩነታትኪውን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና፥ ይርከብ ከም-ዘሎ ዝርአ ዘሎ። ይኹን እምበር ሓደ ለውጢ ክትገብሪ ዘገደደኪ ነገር ክህሉ ከም-ዝኽእልሲ፥ ክግመት ዘይከኣል ኣይኮነን ...” በለትኒ። ኣነ ድማ “...ብኸምዚ ትብልዮ ምህላወይ ስለ-ዝተረዳእክለይ ብጣዕሚ ዘመስግነኪ።ግዳስ ኣነ ዝኾነ ይኹን ጸገም ዘሎኒ ኣይኮንኩን።  ስለ-ዝተገደስክለይ ግና፥ ሕጂውን ደጊመ አመስግነኪ...” ብምባል ኣፋንየያ።

ብኸምዚ ድማ ኣዚዮም ነዋሕትን ኣጨነቕትን እዋናት ሓለፉ። ነቲ ሕያው ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ግና፥ እቲ ቤት-ትምህርትና ዝዕጸወሉ ናይ ዓመት መወዳእታ ግዜውን በጽሐ። ብድሕሪ ኣነውን ምስ ገለ መሓዙተይ ኮይነ፥ ገለ ቅዱሳት መካናት ከይደ ክሳለም መደብ ኣውጻእኩ። እቶም ክርስቲያን ዝኾኑ ፈተውተይ ድማ፥ በብግዚኡ እናመጹ ይበጽሑኒ ነበሩ። መዝሙር ብምዝማርን ጸሎት ብምጽላይን ከኣ ንሕጎስ ነበርና። ኣየ ምስ ክርስቶስ ምንባር መቐረቱ ክጥዕም።

ኣብቲ እዋን ብዙሓት ኣዒንቲ ይከታተላኒ ዝነበራሉ እዋንዩ። እቲ ዋና ዝቕመጠሉ ዝነበርኩ ቤትውን፥ ኣነ ዝኣትወሉን ዝወጸሉን ሰዓታት ብጥብቂ ይከታተል ነበረ። ኣብ ገዛይ ዝመላለሱ ኣጋይሽ እንታዎት ምዃኖምውን ክፈልጥ ይደሊ ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፉውን ነቶም ኣጋይሸይ  “...ንስኻትኩም እንታዎት ምዃንኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ብዙሓት ናታትኩም ወገን ዝኾኑውን፥ ኣብዚ ክመላለሱ እርዮም ኣለኹ...” ብምባል ሓውሲ ምፍርራህ ክገብር ዝተራእየሉ እዋናትውን ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ድማ፥ ካብዚ ቤት ወጺአ ካልእ ክቕይር መደብኩ። ይኹን እምበር ካልእ ኣፓርትሜንት ክርክብ ቀሊል ኣይነበረን። ከመይሲ ክምርዓዉ መደብ ዝነበሮም መንእሰያትውን፥ ብሰንኪ ሕጽረት ኣባይቲ ናይ መርዓ ግዚኦም ከናውሑ ዝግደዱሉ ግዜ ነይሩ። ስለዚ ኣነውን እቲ ናይ ምቕያር መደብ ክኾነለይ ከም-ዘይክእል ስለ-ዝተረዳእኩ፥ ኣብቲ ዝነበርኩዎ ኣፓርታማ ክጸንሕ ተገደድኩ። ካልእ ምርጫ ድማ ኣይነበረንን። ንኹሉ ነገር ኣወንዚፈ ድማ፥ በቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎኒ ሕጉስ ሕይወት፥ ምሕጓሰይ ቀጸልኩ።

በዚ ድማ 7 ሰነ 1989 / ቀዳም መዓልቲ፥ ምስ ገለ መሓዙተይን ፈተውተይን ኮይነ፥ ገዳም እንዳባ-ብሾይ ንኽንበጽሕ ከይደ። እዚ ቅዱስ-ገዳም ካብ ካይሮ ንኣለክሳንደርያ ኣብ ዝወስድ መስመር ዝርከብዩ። ኣብኡ ምስ-በጻሕና ንሓጎስና ወሰን ኣይነበሮን። ብዝተገብረልና መግለጺ ከኣ፥ ብቅድስና ገዳም ኣዚና ተመሰጥና። እቶም ብዛዕባ መንነተይ ዝፈለጡ ገዳማውያን ኣቦታት ድማ፥ እቲ ናብ ክርስትና ንኽመጽእ ዋና ምኽንያት ዝኾነኒ ራእያት። ምስክርነተይ ክህብ ሓቲቶሙኒ።

መንነተይ ከይሓባእኩ ብግልጺ ክትንትኖውን ኣተባቢዖሙኒ። ሙሉእ ስመይን ኣድራሻይን ገሊጸ ክዛረብውን ነጊሮሙኒ። ኣነ ድማ ምንም እቲ ኩነታት፥ ንከቢድ ሓደጋ ከጋልጸኒ ዝኽእል ምዃኑ ኣረጋጊጸ እፈልጥ እንተነበርኩ፥ ክርስቲያን ምዃነይ ተሓቢኡ ክተርፍ ዝደሊ ኣይነበርኩን። ዝሓተተ ዋጋ ይሕተት ብዘየገድስ ከኣ፥ ብግልጺ ኣነ ክርስቲያን-!! ክብል ደለኹ። ንሳቶም እቶም ኣቦታት ግና ንዓይ ኣብ ሓደጋ ከየእትወኒ ካብ ዝነበሮም ስክፍታ፥ ንዝተወሰነ እዋን ምስጢር ኮይኑ ከም-ዝጸንሕ ነጊሮሙኒ ነበሩ። በዚ ድማ ምሉእ ታሪኽ ሕይወተይ ብቴፕ ተቐሪጹ ከም-ዝተሓዝ ተገብረ።

በዚ ኩነታት እቲ ናይ ቤት-ትምህርትና፥ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ተወዲኡ ሓዲሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ዝጅመረሉ ግዜ ስለ-ዝኣኸለ፥ ከምቲ ልሙድ ናብቲ ቤት-ትምህርቲ መጺአ። እቲ ቀደም ዝፈልጦ ጽቡቕ ኣየር ግና ኣይተቐበለንን። ምትንፋስ ክሳብ ዝስእንውን ኣጨነቐኒ። ምርግጋእ ድማ ሰኣንኩ። ከመይሲ እቶም ኃቢሮሙኒ ዝሠርሑ ዝነበሩ ኣስላም ኩሎም፥ ብናይ ኣሽሙር ቃላትን ብንዕቀትንዮም ዝተቐበሉኒ። እቲ ኩነታት ከምዚ ብሃንደበት ክልወጥ ምኽኣሉ ድማ ኣገረመኒ። ከመይ ኣቢሎም ክሳብ ክንድዚ ደፊሮም፥ ኣንጻረይ ተቓውሞ ከልዕሉ ከም-ዝኸኣሉውን፥ ምርድኡ ስለ-ዝሰኣንኩ ብጣዕሚ ገረመኒ።

ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ። ኃቢርና ንሠርሕ ዝነበርናሉ ዓመታት። ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ ክኣትዉ ትብዓት ዘይነበሮም ሰባት። ኣብ ቅድመይ ደው ክብሉውን ድፍረት ዘይነበሮም። ሕጂ ግና ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ መጺኦም፥ ብኣሽሙር ክሸማጥጡኒ ምድፋሮምዩ። ገሊኦም ሕሉፍ ሓሊፎም “...ነዚ ዓለም እዝን ነታ ትመጽእ ዓለምን ዝሰኣነት። ምናልባትውን ክሳብ መወዳእታ ዓለም፥ ዝተረግመት ኮይና ከርተት ክትብል ክትነብርያ። ነዚኣ ዝቐተለስ ክንደይ ኮን ዝተዓደለ ሰብ...” ብምባል ደፊሮም ክዛረቡ ሰማዕኩዎም።

በዚ ምኽንያት ድማ፥ ናብታ ርእሰ-መምህራን ከይደ ኩነታት ክሓትት፥ ዘገድደኒ ኮይኑ ረኸብኩዎ። ንሳ ኣስላመይቲ ገና ርእይ ምስ-ኣበለትኒ ድማ ገጻ ቀየረት። ኣነ ድማ “...እንታይ ዝተፈጥረ ሓዲሽ ነገርዶ ኣሎዩ፥ ንምንታይ ደኣ ገጽኪ ዝቕየረኒ ዘሎ-?...” ብምባል ሓተትኩዋ። ንሳ ከኣ ብኃይሊ እናተናደደትን፥ ብኃይሊውን ተቘጢዓ “...ንስኺ ድማ እንታይ ዝተፈጥረ ጸገም ኣሎ ኢልኪ ክትሓትኒ-? እሞ እንታይ ከም-ዝተፈጥረ ኣይትፈልጥን ማለት ድዩ-?...” ኢላ እቲ ሕቶ ብምሕጫጭ ናባይ መሊሳቶ።

ኣነ ድማ እመንኒ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ኢለያ። ንሳ ከኣ በዚ ትብልዮ ዘሎኺ “...ክኣምነኪ ኣይክእልንየ። እምበኣር ዘይትፈልጢ ምዃንኪ መሓሊ...” ኢላትኒ። ኣነ ድማ “...ስም ኣምላኸይ ብከንቱ ከልዕል ስለ-ዘይፍቀደኒ፥ ክምሕልሲ ኣይክእልን እየ...” ኢለያ። ንሳ ድማ “...ወይ ጉድ-! ንምዃኑ ንስኺ፥ ስም ኣምላኽ ትፈልጢ ኢኺ-?...” ብምባል ክትሕጭጨለይ ፈተነት። ኣነ ግና ብትብዓትን ብምልኣት ልብን “...ብዘይ ጥርጥር ንኣምለኸይ እሞ እፈልጦየ። ብዘይ ንሱ ድማ ካልእ ኣምላኽ የልቦን...” ብምባል መለስኩላ። ንሳ ድማ ድምፃ ዓው ኣቢላ “...በሊ በሊ እቲ ዝጀምርክዮ ቃል ኣብ መፈጸምታ ኣብጽሕዮ...” በለትኒ። “...እቲ ልኡኹ ወይ ነቢዩ መሓመድ...” ክብለላ ተጸብያትኒ። ኣነ ግና ነቲ ሕቶኣ መልሲ ከይሃብኩ “...ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ኢኺ ክትከዲ ትደልዪ ዘሎኺ-?! ኣነ በሊ ከይተበሃልኩ፥ ክብል ዝኽእል ሰብ ምዃነይ ኣጸቢቕኪ ትፈልጢ ኢኺ...” ብምባል ገዲፈያ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ ተመለስኩ።

ክበጽሖ ዘይከኣልኩ ምስጢር ዝኾነኒ ግና፥ ክርስቲያን ኮይነ ምጥማቐይ ከመይን ብኸመይን ክፈልጥዎ ከም-ዝኸኣሉዩ። ኣብዚ ምትህውዋኽ ዝነበረሉ ሰዓት ድማ፥ ሓንቲ ክርስቲያን መሣርሕተይ መጸትሞ፥ ኣነ ናይ ሳሚያን, ሞፌድን ስም ጠቒሰ ዝሃብኩዎ ናይ ምስክርነት ቃል፥ ብካሴት ተባዚሑ ኣብ ኢድ ኩሉ ሕዝቢ ተባጺሑ ይርከብ ከምዘሎ ገለጸትለይ። ከይፈልጥኩዎ ጸኒሐ እምበር፥ ለከ ኩሉ ሕዝቢ ኣስላሙ ክርስቲያኑ ሰሚዑዎዩ። ቅድሚ 21-መዓልቲ ኣብቲ ገዳም ብምስጢር ዝተቐርጸ ካሴት፥ እንታይ እዋኑ ኣብ ሕዝቢ ክበጽሕ ከም-ዝኸኣለ ክርድኦ ዘይከኣልኩ ምስጢር ኮይኑኒ።

ኣብቲ ገዳም ቃለይ ክህብ ክሕተት ከሎኹ፥ ምስጢር ክተሓዝ ከም-ዝኾነ ቃል ተኣትዩለይ ዝነበረ። እዚ ኩሉ ግና ኣይተረኽበን። ስለዚ ድማ በቲ ዘይተሓስበን ዘይተዳለኹሉን ድንገተኛ ክስተት፥ ርእሰይ ክስሕት ቁሩብ ተሪፉኒ ነይሩ። እቲ ብምስጢር ዝተቐርጸ ካሴት ኣብ ኢድ ኣስላም ክበጽሕ ምኽኣሉ፥ ምንም ክርድኦ ኣይከኣልኩን። ክንዲ በረድ ዝምዝሓሉ ማይ፥ ኣብ ርእሰይ ከም-ዝተኻዕወኒ ገይረ ዝቘጸርክዎ። ብድሕር እንታይ ክገብር ከም-ዝግበኣኒውን እፈልጥ ኣይነበርኩን። ካብዚ ንደሓር ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ፥ ንሓንቲ ደቒቕውን ትኹን ክቕመጥ የብለይን ኣብ ዝብል መደምደታ ስለ-ዝበጻሕኩ፥ ገዲፈዮ ክኸይድ ቁርጺ ውሳኔ ገበርኩ።

እቲ ሃንደበታዊ መውቃዕቲ ብዙሕ ሃስዩኒ። ማለት ኣይተቐረብኩሉን ዝነበርኩ። በዚ ከኣ ኩሉ ነገር ምጭባጡ ስኢነ ተዋቓዓኒ። ቀልጢፈ ድማ ናብ ቤተይ ክምለስ ወሰንኩ።ቈሲለ ዝተረፈኒውን የብለይን። መኣዝነይ ከይስሕት ግና፥ ናብ ኢድ ዝኣምኖ ሕያዋይ ኣምላኸይ፥ ዑቕባ ኢለ ክወድቕ ስለ-ዝወሰንኩ፥ “... ኣምላኸይ-! እንታይ ክገብር-? ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ክሳብ ንምቕታለይ ከም-ዝተደናደኑ ሪኢኻዮም ኣሎኻ እቲ ናይ ጽልኢ ኣጠማምታኦምውን፥ ስለ-ዝኸበደኒ ተጻዊረዮ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ስለዚ በጃኻ ጎይታይ-! ድኻመይ ኣበርትዓዮ...” ብምባል ኣበርቲዐ ጸለኹ።

እቲ ነቶም ብልቢ ዝደልይዎ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ኣምላኽ። ንኣውያተይን ብኽያተይን ስቕ ኢሉ ኣይሰምዖን። የግዳስ ኣብቲ ኣብ ብርቱዕ ፍርህን፥ ናይ ጸሎት ተመስጦን ዝነበርኩሉ ሰዓት “...ተንሥኢ መንበሪ ቤትኪ ቀይሪ-!! ማንም ከጥቅዓክን ክትንክፈክን ኣይክእልን...” ዝብል ቃል ሰማዕኩ። እዚ ቃል ድሕሪ ምስምዐይ ድማ፥ ተመስገን ጎይታይ-! ኢለ ብግምባረይ ወዲቐ ሰገድኩ።

ብዝኾነ ካብ ሥራሕ እንተ-ወጻእኩ፥ ዝኸብደኒ ነገር ኣይነበረን። ቤተይ ለቒቐ ካልእ ቤት ምርካብ ግና፥ ቀሊል ኣይነበረን። እዚ ድማ ከቕስነኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ይኹን እምበር ኣነ እምነተይን ተስፋይን፥ እግዚኣብሔር ስለ-ዝኾነ ዘጨንቕ የብለይን በልኩ። ኩሉ ሓሳባተይን ኣእምሮይን እኽብክብ ኣቢለ ድማ፥ በቲ ሽዕኡ መዓልቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ጉባኤ ምህላዉ ዘከርኩ። ስለዚ ድማ የማነ ጸጋም ከይበልኩ፥ ናብቲ ጉባኤ ቤተ-ክርስቲያን ኣምራሕኩ።

ኣብኡ ምስ-በጻሕኩ እታ መሓዛይውን ኣብኡ ረኺበያ። ንሳ ድማ ኣያድ ምስ ዝተባህለ መሃንዲስ ዝኾነ ዘመዳ ኣፋሊጣትኒ። ንሱ ድማ ከም-ኣጋጣሚ “...እቲ ሕጂ  ዘሎኪ ቤትከ ይሰማማዕኪዶ-?... ብምባል ሕቶ ኣቕሪቡለይ። ኣነ ድማ እቲ ናብቲ ጉባኤ ምምጽአይ፥ ብመደብ ሕያው ኣምላኽ ምዃኑ ክርዳእ ከኣልኩ። ስለዚ ድማ “...ክርስቲያን ኣብ ዝበዝሑሉ ኣካባቢ ክነብር ዝደሊ...” ብምባል መለስኩሉ። ንሱ ድማ ኣባይቲ ዝሓንፁ ክልተ-ኣኅዋት ስለ-ዝፈልጥ፥ ንዓታቶም ሓቲተ መልሲ ክነግረኪ ብምባል፥ ተስፋ ሂቡ ተሰናቢቱኒ ከደ።

ንጽባሒቱ ናብቲ ቤት-ትምህርትና ብምኻድ፥ ናይ ሥራሕ መልቀቒ ደብዳቤ ኣቕሪበ። እታ ርእሰ-መምህራን ዝኾነት ሰበይቲ ድማ፥ ብፍጥነት ተቐቢላ ዘጽደቐቶ። እቲ ናይ ወረዳ ናይ ትምህርቲ-ክፍሊ ቤት-ጽሕፈት ድማ፥ ብቕጽበት ተቐቢሉ ዘጽደቖ። ኣብቲ ሽዕኡ መዓልቲውን፥ ካብ ምክትል-ሚኒስተር ቤት-ጽሕፈት፥ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ መረጋገጺ ክለኣኸለይ ከኣለ። ብኃይሊ ኣምላኽ ከኣ ኩሉ ነገራተይ ተቓኒዑ ተወደኣለይ።

ከምዚ ኢለ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወዲቐ “...-ጎይታ-! ክብርን ምስጋናን ይብጻሕካ። እወ -ጎይታይ-! ድኻመይ ርኢኻ ብርታዐን ጽንዓትን ሃበኒ። እቲ ካብቶም ተጻረርቲ ክመጽእ ዝኽእል ዘፍርህ ነገራት ኩሉ፥ ንክቃወሞ ክኽእል ጸጋን ሞገስን ዓድለኒ። ከይርእዩኒ ኣዕይንቶም ዓምቶ። ከይዛረቡውን ልሳኖም ሓዞ። ካብ ትምህርቲ ሚኒስተር ናይ መወዳእታ፥ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ክሳብ ዝመጸኒ ድማ፥ ኢዶም እግሮም ሓዘለይ። ኣብ ቅድሚኦም ብትብዓትን ጽንዓትን ክቐውም ድማ፥ ኃይልን ጽንዓትን ሞገስን ሃበኒ ...” ኢለ ጸለኹ።

ብድሕር ማለት እቲ ኣያድ ዝተባህለ ዘመድ መሓዛይ ዝኾነ መሃንድስ፥ ሓደ ዝካረ ገዛ ከም-ዝረኸበለይ ተሌፎን ብምድዋል ኣበሠረኒ። ብዝገበረለይ ቈጸራ ድማ ክልቴና ተተሓሒዝና ክንርእዮ ኬድና። ዘይተጠናቐቐ ብምንባሩ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ገዛ ኮይኑ ዝረኸብኩዎ። እቶም ዋናታት ቤት ድማ፥ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ወዲኦም፥ መፍትሕ ከረክቡኒ ከም-ዝኽእሉዮም ነጊሮሙኒ። ብዝኾነ ነቲ ቤት የማነ ጸጋሙ ክርኢ ከሎኹ፥  ኣብቲ ስግር ሓንቲ ብስም ቅድስት-ማርያም ዝተሰምየት ቤተ-ክርስቲያን ምህላዋ ከረጋግጽ ከኣልኩ።

ናብታ ቤተ-ክርስቲያን ኣቢለ፥ ብዓይኒ ሕልናይ ብምጥማት ድማ፥ ሰላም ለኪ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን ኢለ፥ ናይ ሕልና ጸሎት ኣብጻሕኩ። ዓይነይ ከይከፈትኩ ገና ኣብ ጸሎት ከሎኹ ግና፥ ክልተ ሰባት ካብቲ ሕንፃ ኣልዒሎም፥ ከጽድፉኒ ኢሎም ክቃለሱኒ ከለዉ ብራእይ ረኣኹ። ከም ስምብድ ኢለ የማነ ጸጋመይ እንተረአኹ ግና፥ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ኣይነበረን። ከመይ ዝበለ ዘፍርሕ ነገርዩ። እንታይ ኮን ይኸውን ናይዚ ራእይ ትርጉም ብምባልውን፥ ኣብ ከቢድ ሓሳብ ኣተኹ። ነዚ ከቢድ ዝኾነ ጾር ተሰኪመ ከኣ፥ ናብ ቤተይ ክምለስ ግድነት ኮነኒ።

ገለ ቁሩብ እዋን ጽንሕ ኢለውን፥ ነቲ ክውዳእ ተባሂሉ ዕዮኡ ዝፋጠን ዝነበረ ቤት፥ ክርኢ ዝደለኹ ብምምሳል። ናብኡ ኣቢለ ንኻልኣይ ግዜ ኣምራሕኩ። እቲ ኣቐዲመ ዝረኣኹዎ ራእይ ግና፥ ሕጂውን ካብ ኣእምሮይ ክወጸለይ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ድማ መንፈሰይ ምርግጋእ ሰኣነ።እንታይ ክገብር ከም-ዘሎኒውን መንገዱ ጠፍኣኒ። ካብቲ ኣብቲ መጀመርታ መዓልቲ ዝተሰመዓኒ ፍርሂ ድማ፥ እዚ ናይ ሕጂ መሊሱ ጽዕን ኢሉ ከበደኒ። ሓሳባተይ ምስቅልቅል ኢሉ ከኣ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፍኣኒ። ከምዚ ኢለ ከኣ ቤተይ ተመሊሰ ኣብ ጸሎት ኣተኹ። “...ኣታ ጎይታይ-! እንታይ ኢኻ ክትነግረኒ ደሊኻ-? ኣነ ምንም ክርዳእ ኣይከኣልኩን...” ብምባልውን ጸለኹ። ግዳስ ንምጽንናዕ ዝሕግዘኒ ራእይ ግና ኣይተገልጸለይን።

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል | 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div