“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ’ኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን’ሞ፡ ኣነ ኸም’ቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>> 1ቈረ 3፡9-11
“ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” ዮሓ 6፡54።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብቲ ናይ ጐይታና ዝረቐቐን ዝኸበደን፡ ግን ከኣ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ዝተዋህበሉ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ንሎሚ ኸነንብቦን ክንመሃረሉን ዝተመደበ ኽፍሊ፡ ናይዚ ምዕራፍ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ብዛዕባ’ቲ ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ሕይወት ወሳኒ ተራ ዚህልዎ ድማ ዓይነት ናይቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ንእኡ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ’ውን’ዩ። ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ፡ ብሰሪ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ሰማዒ፡ ሞት ኪወልድ ይኽእል’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ መልሰ ግብሪ’ውን ዝጸሓፈሉ ምኽንያትን ናይ መልሰ ግብርና ግደ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነስተውዕሎን ኢሉ’ዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
“ሰላም ተጸቤና፥ ግናኸ ሰላም ኣይመጸን፥ እንሓውየሉ ጊዜ ተጸቤና፥ እነሆ ከኣ ስምባድ ኮነ” ኤር 14:19።
“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ‘ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና’፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።
“ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ’ዩ።” ሉቃ 24፡46,47።
“ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ.”ዮኤል 1:14።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ