ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ
ካብ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሠረት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ኒው-ዮርክ ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ዝተገብረ 9ይ ዓመታዊ ናይ ሓባር ጸሎት ወኪል ብምልኣኽ ተሳቲፉ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳር 26 ምኵራብ ይባሃል።ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ”(ብህልውንኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾም’ውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄር’ውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።” ዝበሎ፡ ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ምጽባይ ክብረት እምበር ውርደት ከምዘይብሉ፡ ምክንያቱ ጽጉማት ኣእውዮም ቅድሚ ሕጂ ዘየሕፈረ ኣምላኽ ህላውነቱ ኣይተለወጠን ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ኣብ እግዚኣብሄር ምውካል መዓልቲ መዓልቲ ንዕኡ ክንረክብ ሃረር ምባል ዘለዎ በረኸት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወት ካብ ሓጢኣት ምግባር ንላዕሊ፥ ብሓጢኣትካ ዘይምንሳሕ እቲ ዝዓበየ በደል እዩ። ብርግጽ ድማ ሠናይ ጥራይ ዝገብር እሞ ዘይሓጥእ ጻድቕ ሰብ ኣብዚ ምድሪ የልቦን። ጽድቂ ናይቲ ጻድቕ ሸውዓተ ሳዕ ምውዳቑ ዘይኮነስ ካብ ዝወደቖ
ዓመት መጸ እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ጊዜ ክንቆጽር እንከሎና፡ ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ቅዱስ ዕለት እዚ ኣብ ሕልናና ከነስተንትኖ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ናይ ብሉይ ኪዳን መፈጸምታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መጀመርታ ነቢይን
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያን መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።
ክቕድሱ ከለዉ፡ በቲ ጐይታና የሱስ ይዛረበሉ ኔሩ’ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቋንቋ ኣራማይስጥ (ናይ ሎሚ ሲራይክ) እዮም ዝቕድሱ፡ ወግዓዊ መጸውዒ ስሞም “ኣግናጤዎስ ዘካ ቀዳማዊ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ወግዓዊ መዓርገ ስልጣኖም ድማ፡ “ፓትርያርክ ዘ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕን” ዝብል ነበረ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ